ቅድስቲ መንበር ዕስብና ሕጻናት ደው ንምባል ቈራጽነትን ደገፍን ከም ዝገብረት ተረጋግጽ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ጋብሪየለ ካቺያ በቲ ብዛዕባ ሽቕለት ቍልዑን ህጻናን ብዕለት 15 ግንቦት 1891 ዝወጸ "ረሩም ኖቫሩም (ሓደስቲ ነገራት) " ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም፣ ነቲ እዞም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመረጽዎ ስም ዘዘኻኽሮ ጥቕሲ ብምዝካር፣ ነቲ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ሸቕለት ሕጻናት ንምቅላስ ዝገበረቶ ቆራጽነት ኣሐደሱ ።"ልክዕ ከምቲ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ንጠጥዒ ጽድያ ዜጥፍኦ፣ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ከቢድ ጻዕሪ እውን፣ ነቲ ናይ ቈልዑን ህጻናትን ዕቤትን ተስፋታትን የበላሽዎ፣ ንዝዀነ ይኹን ሓቀይና ሥነ መዕበያ ድማ ከም ዘይከኣል ይገብሮ" ክብሉ ጠቐሱ።
እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብቲ ብዕለት 13 ግንቦት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ እተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዘቕረብዎ መደረ ኢዩ ዝነበረ። "ሓደ ካብ ዓሰርተ ቍልዑል ዓለም ኣብ ምዝመዛን ዅነታት ሽቕለትን ከም ዝርከብ" ብምጕላሕ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብህጹጽ ክመያየጡ ከም ዘለዎም ውን ኣመልከቱ።
ግዳያት ንዝኾኑ ቈልዑ ብዘይ ቅድመ ዅነት ናጻ ክወጹ ዝቕረበ ጻውዒት
እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቺያ ከም ዝገለጽዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ "ንሰብኣዊ ስድራቤት ፍሉይ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ " ከምኡውን "ክብሩ ኣብ ዘኽብርን፣ መሰረታዊ መሰላቱ ኣብ ዘዕቍብን ከምኡውን ዘይንጸል ዕቤት ናይቲ ቘልዓ ኣብ ዘደንፍዕ ሃዋሁ ክዓቢ ኣለዎ።" ሸቕሊ ሕጻናት ዘየቋርጽ ምዃኑ ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ብብርቱዕ ምጥሓስን ከምኡውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ነዞም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ኣባላት ሰብኣዊ ስድራቤትና ንምዕቋብ" ሓባራዊ ስነ-ምግባራውን ሕጋውን ሓላፍነት ንምስካም ጻውዒት ምቕራብ ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።
ብፍላይ ዘተሓሳስብ ጕዳይ ኣብ ዕጡቕ ግጭታት ተሳትፎ ቈልዑ ቀጻሊ ምግባርን ምምዝማዝን ምዃኑ ገለጹ፣ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ድማ ነዚ ግጭታት እዚ "ነቲ ዝወረስዎ ሰብኣዊ ኽብረቶም ብብርቱእ ምጥሓስን" ከምኡውን "ንመሰረታዊ መሰላቶም ብቐጥታ ምጽራርን" ኢሉ ክብሉ ጸውዕዎ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ከም ኣገዲድካ ምምርዓውን ጾታዊ ምዝመዛን ዝኣመሰለ ካልእ ዓይነት ዓመጻ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ነቲ ጸገም መሊሱ ዘጋድዶ ኢዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱ ።
ከም መልሲ ናይዚ ድማ፣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኽኣቱ ግድን ኢዩ፣ "ኵሎም ቈልዑ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ዅነትን ናጻ ክወጹን" ከምኡውን "ቅድሚ ኹሉ ነቶም ግዳያት፣ ድንጋጽን ሓልዮትን ተስፋን ዘድልዮም ገይርካ ክረኣዩ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም ። ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ብፍላይ ስንኩላን ቈልዑ ተነቀፍቲ ከም ምዃኖም "ሓፈሻውን ሰፊሕን ዕቝባ" ከም ዘድልዮም ውን ገለጹ።
ንማሕበረሰብ ምዕባይን ኣበርክቶ ምግባርን
እቲ ቅድስቲ መንበር ንክብሪ ቘልዑን ህጻናትን ንምድንፋዕን ንምሕላውን ዝገብረቶ ቆራጽነት ምስ ዝሰፍሐ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ዝሰማማዕ ኢዩ ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ እዚ ጻዕርታት እዚ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ "ዘይንጸል ዕቤት" ዝኸውን ኵነታት ንምፍጣርን ክድልድል ከም ዘለዎን ብምግላጽ ድማ መደረኦም ደምደሙ - "ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ንኽዕምብብን ትርጕም ዘለዎ ኣበርክቶ ንኽገብርን ዘኽእሎ ክንክን ጥዕና ብሉጽ ትምህርቲ ከምኡውን ካልእ ዕድላት ብቐጻሊ ክረክብ ኣለዎ" ክብሉ ውን መደረኦም ዛዘሙ።