ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ምርጫ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ብሓጎስ ተቐቢሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ሓድሽ ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 “ብሓባር ምጉዓዝ ሓጎስ ይፈጥረለይ” እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ብምዝካር፣ እዚ ድማ ነቲ “ንሕብረት ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዘበርከትዎ ኣገልግሎት” ዝድግፍ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ከም ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ምዕባይ
እቶም ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ግረች ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ “ቅዱስ ኣቦና” እክብሉ ብምብጋስ፣ ሲኖዶስ "ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ዘደንቕ ጕዕዞ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ከም ወንጌላዊት ቤተ - ክርስትያን መጠን ንኽንዓቢ ዝሕግዘና ንወንጌል ጽን ኢልና ብምስማዕ ብቐጻሊ ለውጢ ንኸነምጽእ ዝሕግዘና ህያብ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ድሮ፡ እቲ መልእክቲ ከም ዝሕብሮ፣ እቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ መወዳእታ ሰነድ ዝርከብ ምልክታት፡ ንዝተፈላለዩ ዓውደ - ጽሑፋት” ከምኡ’ውን “እቲ ድሮ ዝተገብረን ዝተረፈን ክግበር ዘለዎን፣ ምእንቲ ንልእኽትን ሲኖዳዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝምጥን ቅዲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝበለጸ ክስትውዓልን ክምዕብልን፣ ኣብተን ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ጉጅለታት ኣብያተ ክርስቲያናትን ክትግበር ዝከኣል ምዃኑ” ኣመላኺቶም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖሙዎ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለታት ዕዮ’ውን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክቐርብ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ግረች ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፣ ቅዱስነቶም ድማ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘሳትፍ ውሳኔታት ከቕርቡ እዮም” ከም ዝበሉ የመላኽት።
ንኹሉ ክፉት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን
“ሕጂ እቲ [ሲኖዳዊ] ጉዕዞ ብናይ ቅዱስነትኩም መሪሕነት ቀጺሉ ስለዘሎ፡ ነቲ እተመልክትዎ ኣንፈታት ንቤተ-ክርስትያን ጽን ኢላ እትሰምዕ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እትቐርብ ሓቀይናን ሓንጐፋይ ኢላ እትቕበልን ስድራን ቤትን ኣምላኽ ማለት ልእኽቲ ወንጌልን ሲኖዳዊትን ቤተ - ክርስትያን ኰይና ንኽትዓቢ ንምሕጋዝ ዝኣመተ ብምዃኑ ብእምነት ንቕበሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝቕጽል ምዕራፍ
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት መስርሕ ምትግባር ውጽኢት ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት፣ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ “ፍሉይ ድሕረ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ” ብምጽዳቖም፣ ነቲ ዝቕጽል ምዕራፍ ናይ ሲኖዶስ ጉዕዞ ከም ዝበገሱ ድማ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዲኖዶስ ካርዲናል ግረች ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝኽካር፣ እቲ ጉባኤ ሓድሽ ሲኖዶስ ዘይኮነስ፡ ኣካል ናይቲ ቤተ - ክርስትያን ኣብ መደምደምታ እቲ ዝተካየደ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ‘ሓቛፊት’ ክትከውን እንክብል ዘንበሮ ሓሳብ ዝገለጽ እዩ። እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።