MAP

2025.05.28 Stemma floreale di Leone XIV nei Giardini Vaticani

ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን፣ ኣርማ ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ብዕምባባታት ዝወቀበ ተመረቐ

ኣብ ማእከል ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ነቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጳጳሳትዊ ኣርማ ዘመልክት ዕምባባት ዝተተኽሎ ስፍራ ተሰናደወ፣ እዚ ውጥን እዚ ኸኣ በቲ ኣወሃሃዲ ህንጸት ትሕተቕርጽን ኣገልግሎትን ስፍራ ኣታኽልትን ምሕደራ ኣካባብን ክፍሊ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ዝኾነ ኣካል ንኽዛዘም ኣስታት ክልተ ሰሙን ወሰደ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብኣታትኽልትን ዕምባባታትን እተገብረ ጳጳሳዊ ኣርማ፣  ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ተዛዚሙ፣ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ቤተ መንግስቲ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ዝርከብ ቦታ ኢዩ ዝርከብ።

ብኣማኢት ሕብራዊ ዕምባባትትን ኣትክልትን ብመልክዕ ስእሊ እተተኽለ፣ ልክዕ ከም ሓደ ሞዛይካዊ ስእሊ እተሰናደወ ዀይኑ ብሉጽ ስነ-ጥበብ ስርሓት ዕምባባታት ኮይኑ ይርከብ እዩ።

ኣብዚ ስራሕ እዚ ብገምጋም ክልተ ኣታኽልተኛታት መዓልታዊ ይሰርሑ ነበሩ፣ እዚ ኸኣ እቶም ዕምባባታት ዜንጸባርቕዎ ሥነጥበባዊ ኽእለትን ጽባቐን ብጥንቃቐ ንምክትታል ኢዩ ዝነበረ ።

Photogallery

ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዝርከብ ኣርማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
30 May 2025, 18:41