MAP

ኩሉኹም ውጹ ኩሉኹም ውጹ   (� Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ኩሉኹም ውጹ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ (Paolo Ruffini) ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ንኽመርጹ ኣብ ዝክኸብሉ ዘለውሉ ኣዋን ብዛዕባ ኣገልጋሊ መሪሕነት ሃዋርያ ጴጥሮስ የስተንትኑ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምእንቲ ምርጫ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ኩሉኹም ውጹ - ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና መረጽቲ ካርዲናላት ጥራሕ ትረፉ ዝብል ድምጺ ይስማዕ፣ ብጀካ መረጽቲ ካርዲናላት ድማ ካልኦት ኩሎም ይወጹ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ኣብዚ እሁዝ መንበር ግዜ እዚ፣ መላእ ህዝቢ ዓለም እቶም መበል 267 ጳጳስ ሮማ ዝኾኑ መን እዮም ዝብል ሕቶ የቕርብ። ስለዚ ድማ ኣብዚ ኩነት እዚ ኩሉ ከከም ክውንነታቱ፣ ዋላ’ውን ሓደ ጉጅለ ተኸተልቲ ሓዋርያት፣ ኣብ ሓደ ቤተ ጸሎት ተኣኪቦም፣ ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዘካይድዎ ዕጹው ጉባኤ ዝመርጹ ይኹኑ ይሳተፍ እዩ።

ኣገልጋሊ ናይቲ ጴጥሮስ ክመርሖ ናይ ዝተጸውዓሉ ሓደ ሕዝቢ ኣካል ዝነበረ። እቲ ምስጢር ድማ እንሆ፣ ኣገልጋሊ ከመይ ኢሉ ርእሲ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ክኸውን ይኽእል?

እዚ ሕቶ እዚ ኢየሱስ ብቃላት ዝመለሰሉ፣ ሎሚ እውን ክንርድኦ እንቃለስ ዘሎና ሕቶ፥ "ነሕዛብ እቶም ከም ሹማምንቶም ዝቝጸሩ ከም ዝመልክዎም እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባካኽቱም ግና ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓቢይ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ደኣ ይኹ። እቲ ካባኻትኩም ጐይታ ክኸውን ዝደሊ ከኣ ንሱ ልኡኽ ኩልኹም ይኹን። ምኽንያቱ ከኣ ወዲ ሰብ ከገልግልን ህይወቱ በጃ ብዙሓት ክህብን እምበር ከገልግልዎ ኣይመጸን” (ማር 10፡42-45) ዝብል መልሲ ኢየሱስ ሂብሉ እዩ።

ንቤተ ክርስቲያን ንምምራሕ ተካእቲ ጴጥሮስ ዝተጸውዑሉ ኣገልግሎት ድማ እዚ እዩ። እቶም ንጴጥሮስ ዝተክኡ ንቤተ-ክርስትያን ንምምራሕ ዝተጸውዑ ኣገልገልቲ ክኾኑ ዝጽውዑ እያቶም። ንመራኸቢ ብዙሓንን ንዓበይትን ንኣሽቱን ማእከላት ስልጣንን ዘደናግር ስግንጢር እዩ፣ እዚ ማእከላት እዚ ንኣእምሮኦም ኣብቲ እቶም እተመርጹ ዚሓስብዎ መንነትን ስምን ግምታት ዝህቡን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ሑጻ እተጻሕፈ ዚመስል ፍጻመታትን ትርጕማትን ብምስኣል ንውሳነኦም ኪጸልዎ ይፍትኑ ይኸውን።

ኩሉኹም ወጹ - መረጽቲ ተኸታሊ ጴጥሮስ ጥራህ ኣብዚ ትረፉ! እዚ ሕጊ እዚ ነዚ ኣብ መንጎ ሕጅን ገና ዘየሎን እዋን ይዝርግ፣ ኣብኡ እቶም ካርዲናላት ከይተረፉ ናብቲ ምስጢር ክኣትዉ ዝተጸውዑሉ፤ ከምኡ’ውን ንኹሉ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ወጻኢ ዘሎ ኩሉ ክገድፉን፣ ካብ ገዛእ ርእሶምን ሓሳባቶም፣ ምኽንያታቶም ክወጹ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ጥራይ፣ ንዓኣቶም ሰግር ዝኾነ ኣንፈትን ነገልግሎት ጴጥሮስን ጥራይ ቦታ ክገድፉ ዝዕድም እዩ።

እዚ እዩ ጴጥሮስ። ብርግጸይናነት ብሓላፍነት ዝተዋህበና ምስጢር!

ጴጥሮስ እቲ ኢየሱስ ክፋእ መንፈስ ኣይስዕሮን እዩ ዝበሎ ገፋፍ ዓሳ እዩ፣ "ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፣ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ድማ ንቤተ ክርስትያነይ ክሃንጻ እየ፣ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይክሰዓራን እዩ" (ማቴ 16፡18) ዝበሎ።

ንሱ እቲ - ንቤተ ክርስቲያኑ ኣቦ ኣሕሊፉ ኣብ ዝሃቦ - ወልደ እግዚኣብሔር ንኣቡኡ ብፍሉይ ለበዋ ዝጸለየሉ ሓዋርያ እዩ። ብኻልእ መገዲ ኣዝዩ ዓቢ ጾር ኣብ መንኵቡ ንኽስከም ዝሓረዮ እዩ።

ጴጥሮስ በዚ ጸሎት እዚ ብግዜን ብታሪኽን ብተኸተልቱ ኣቢሉ ሎሚ ዝበጽሓና ብጭቡጥን ፍሉይን ጸሎት ዝድገፍ ሰብ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ክገጥሞ ዝግበኦ ፈተናታት እምነት ፈጺማ ከምዘይትፈሽል ዘረጋግጽ ጸሎት፡ ኣዝዩ ዝተፈልየን ምስ ናይ ግዜና ኣዝዩ ዝመሳሰልን፣ ዓለማዊ ዝኾነ፣ ዝተመቓቐለ፣ ዝተበታተነ፣ ዝተደናገረ፣ ዝተቖጥዐ፤ ናይ ትእዛዝ ድሌት ዝመልአን ፍቕሪ ዝጎደሎን፣ ዋጋ ኣገልግሎትን ናይ ሓባር ረብሓን ክርዳእ ዘይክእል፣ ዝተረጋገጸ ተኣፋፈፍነትን ናይ ሓሶት ሓቅታትን ዝሓበጠ፣ ካብ ምሕረት ንላዕሊ ብቂምታ ዝተቐብአ፣ ብዙሕ ግዜ ካብ ይቕረታ ንላዕሊ ሕነ ምፍዳይ ዝብህግ፣ ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተለወጥካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም፥ (ሉቃ፡ 31 – 32) ከም ዝበሎ።

ጴጥሮስ ናይ ምሕረትን ፍቕርን ምስጢር እዩ፤ ናይ ሓድነትን ምስማዕን እዩ!

ኣብ ቀመራቱ ዝጋገ ገፋፍ ዓሳ፤ ሓደ ዓሳ ከይሓዘ ምሉእ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ዓሳ ክገፍፍ ዝፈተነ፣ ተረቢሹ ዝነበረ፤ ብቓል ጓና መርበቡ ናብቲ ኻልእ ሸነኽን ዝደርበየ እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ መርበቡ ክድርብይ ዝሓተቶ ጎይታኡ ምዃኑ ዝተረደአ።

ጴጥሮስ ይቕረ ዝተባህለ ሓጥእ እዩ፣ ንሱ እቲ ቅድሚ ምሕጓሱ ንኢየሱስ ምስ ጠለመ ኣምሪሩ ዝበኸየ ሕሩይ እዩ።

ኣብ ንብዓቱ ድማ ጸዋዕታኡ ይርከብ። ኣብ ንቦዓቱ ምስጢር ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣሎ። እቲ ንብዓት እቲ ምናልባት መፍትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን ይኽእል እዩ። መፍትሕ ጴጥሮስን ተእኾእኡን እዩ፣ ልክዕ ብናይ ገዛእ ርእሱ ብርሃን ስለዘይበርህ ሓያል ዝኾነ ተኣፋፊ እዩ። ከውሒ ዋላ እንተዘይኮነ፣ ንኹላትና ኣብ እምነት ዘጽንዕ እዩ፣ እንክብሉ ሩፊኒ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Paolo Ruffini)

07 May 2025, 17:30