ጸሊም ትኪ ምልክት ምዝዛም ቀዳማይ መዓልቲ ዕጽዉ ጉባኤ
መበል 267 ር.ሊ.ጳ. ንምምራጽ ዕለት 7 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ዝተኻየድ ዕጽው ጉባኤ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይመረጸን።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ረቡዕ ምሸት ሰዓት 21፡00 ካብቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ብዝተነብረ ናይ ትኪ መውጽኢ እቲ ዕጽው ጉባኤ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዘይሓረየ ዝሕብር ምልክት ጸሊም ትኪ ከም እተፈነወ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ጸሊም ትኪ እቲ ዕጹው ጉባኤ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ብዘይ ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝተዛዘመን ዘመልክት እዩ።
ኣስታት 45 ሽሕ ሰባት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝሕረዩ ር.ሊ.ጳ. ንኽፈልጥ ይጽበዩ ከም ዝነበሩን ቅድም ክብል ድሕሪ ሰዓት 19፡00 ናይ ትኪ ምልክት ክወሃብ እዩ ዝብል ግምት ዝነበረ ኮይኑ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ምልክት ሰዓት 21፡00 ከም እተፈነወ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
08 May 2025, 16:40