MAP

ጉባኤ ካርዲናላት ምእመናን ንሰላም ክጽልዩ ዓዲሞም ጉባኤ ካርዲናላት ምእመናን ንሰላም ክጽልዩ ዓዲሞም  (AFP or licensors)

ጉባኤ ካርዲናላት ምእመናን ንሰላም ክጽልዩ ዓዲሞም

ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 6 ግንቦት ቅድሚ እቲ መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ምጅማሮም ጎንጺ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም ስምምዓት ሰላም ዘይምህላዉ ጓሂኦም ገሊጾም፣ ኩሉ ኣብ ጻዕርታት ሰላም ክተግህ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጉባኤ ካርዲናላት ቅድሚ ዕለት 7 ግንቦት ዝጅመር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝካየድ ዕጽው ጉባኤ፣ ዘካየድዎ ናይ መወዳእታ መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ምጅማሮም፣ ኣብ ዩክሬን፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ብዙሕ ካልእ ክፋላት ዓለምን መስርሕ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዝኾነ ምዕባለ ይረአ ብዘይ ምህላዉ “ንሓዝን” ቢሎም፣ ጻውዒት ሰላም ከም ዘመሓላለፉን ኣክንዲ ንሰላም ምትጋህ ባንጻሩ ንሰላማዊ ህዝቢ ዝጎድእ መጥቓዕቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዕለት 6 ግንቦት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝመንበር ዝወጸ መግለጺ ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስለዚ እቶም ካርዲናላት "ንኹሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ኣብ ቀዋሚ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክበጽሑን - ብዘይ ቅድመ ኩነትን ተወሳኺ ምድንጓያትን - ብዛዕባ ኣቲ ዝተጎድአ ህዝብን ብመላእ ዓለምን ኣዝዩ ዝድለ ሰላም ክዝትዩ ልባዊ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝተወከሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ካርዲናላት ምእመናን "ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንኽረክብ ናብ እግዚኣብሄር ምህለላኦም ከሐይሉ" ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።

07 May 2025, 17:34