MAP

ካርዲናላት ኣብ ሻምናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌልን ተልእኾን ዘትዮም

ስብከተ ወንጌል፡ ሕውነት፡ ሲኖዳውነት፡ ሓድነት ዝብሉ ገለ ካብቶም ዕለት 2 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ 8ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ዝተዘተየሎም ኣርእስታት እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማቴዮ ብሩኒ ዕለት 2 ግንቦት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ዕለት 7 ግንቦት ዝካየድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ንምስንዳው ኣብ ዝተኻየደ ሻምናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ልዕሊ 180 ካርዲናላት ከም እተሳተፉን ካብኣቶ ልዕሊ 120 ድማ ኣብቲ ዕለት 7 ንኽካየድ ዝተወሰነ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ዝሳተፉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሻምናይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ 25 መደረታት ከም ዝቐረቡን ካብኣቶም ዝተዘተየሎም ዛዕባታት፤

- ስብከተ ወንጌል፣ ኣብ ኣተኩሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

- ቤተ ክርስቲያን ከም ወንጌላዊ ሕውነታዊ ሕብረት

- ብፍላይ ንመንእሰያት ወንጌል ምትሕልላፍ ዘለዎ ኣገዳስነት

- ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፣ ስቓየን፡ ምስክርነተንን

- ምትሕልላፍ ወንጌል ብኸመይ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ካብ ሰበኻታት ክሳብ ሮማዊ ኩርያ ውጽኢታዊ ይኸውን ዝብል ሕቶ

- ናይ ምስክርነትን ሓድነትን ግዴታን ሓላፍነትን፡ ብመንጽር እቲ "ንሓድሕድኩም እንተ ተፋቐርኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ሰብ ክፈልጥ እዩ" ብዝብል ክፍሊ ወንጌል መሰረት

- ጾታውን ቁጠባውን ዓመጽ ሓዊሱ መሰል ዕንቅፋታት ጸረ - ምስክርነት ዝኾኑ ተግባራት ዘስዕቦ ሓደጋ

- ማእከልነት ሊጡርጊያ

- ኣገዳስነት ሕገ ቀኖና

- ሲኖዳውነትን ጉባእያውነትን፡ ሲኖዳውነትን ተልእኾን፡ ሲኖዳውነትን ዓለማውነትን

- ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስን በነዲክቶስ መበል 16ን ፍራንቸስኮን ዝነበረ ትርጉም     ቀጻልነት ምጥቃስን

- ግደ ቅዱስ ቁርባን ብኣጽንዖት ምምልካት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገዳስነት ወንጌላውነትን

ዝብሉ ነጥብታት ምይይጥ ከም እተገበረሎምን ልክዕ 12፡30 ድማ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም እተዛዘመ ዝሓበረ ብሩኒ ኣስዒቡ፣ ሓደ ጋዜጠይና ብዛዕባ ጉድለት ትዕና ካርዲናል ፓሮሊን ዝገልጽ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ንዘቕረበሉ ሕቶ፣ ‘ብፍጹም ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ እዩ’ እንክብል ብኣጽንዖት ነጺጉ፣ ሕክምና ይከታተሉ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ’ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 May 2025, 17:46