ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ታሽዓይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ ኣድላይነት ተስፋ ዘትዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ ዕለት 3 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንግሆ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ታሽዓይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲላት 177 ካርዲናላት ከም እተሳተፉ ሓቢሮም፣ እቲ ጉባኤ ሰዓት 9፡00 ከም እተጀመረን ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ 177 ካርዲናላት እቶም 127 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ከም ዝኾኑ ገሊጾም። 26 መደረታት ከም እተኣንገደ ገሊጾም ዝተዘተየሎም ዛዕባታት ድማ
- ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሕብረትን ሕውነት ኣብ ዓለምን ዝብል ድርብ ዕማም
- ምስጋና ንር.ሊ.ጳ ስለ እቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፣ ከምኡ’ውን ንቕድሚት ክስጉሙ ስለ ዘለዎም ዘበገስዎ መስርሓት
- ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት
- ምስ ር.ሊ.ጳ. ዝተኣሳሰረ ተራ ናይ ኩርያ ሮማና
- ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ምድንፋዕ ሰላም
- ዋጋ ትምህርቲ
- እቲ ዝቕጽል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትንቢታዊ ክኾኑን፣ ብመሰረት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ከይተዓጸወት፣ ናብታ ተስፋ ዘድልያ ዓለም ብርሃን እተቕርብ ክትከውን
- ሲኖዶስነትን ጉባእያውነትን ከምኡ’ውን
- ኢዮቤልን ተስፋ ዝምልከቱ ኣርእስታትን
- ንዓለም ምጥማት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን እተርእዮ ጽምእን ተገዳስነትን
- ኣብ ዓለም እትነብር እምበር ኣብ ገዛእ ርእሳ ዘይትነብር ቤተ ክርስቲያን፣ ትርጉም ዘይብላ መታን ከይትኸውን
- ኤቁመናዊ ዘተን ተልእኾን ኣብ ዝምልክቱ ኣርእስታት ምይይጥ ምክያዱ ብሩኒ ዝሃብቦ መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ዓቃቤ መንበር ካርዲናል ኬቪን ፋረል ኣብ ፍሉያት ጉባኤታት ንኣተሓሕዛ ተራ ጉዳያት ንምሕጋዝ ድምጺ ብምሃብ ስነ ስርዓት ካርዲናላት ፍራንሲስ ፕረቮስትን ማርቸሎ ሰሜራሮን፣ ሳልሳይ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ኣብ ተራኦም ከም ኣተሓባባሪ ቤት ምኽሪ ቁጠባ ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ ከም እተመረጹ ኣመላኺቱ፣ ብሩኒ ንሕቶታት ጋዜጠናታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡
ዕለት 6 ግንቦት ካርዲናላት ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ክእከቡን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ድሕሪ ቀትሪ እውን ኣኼባ ከካይዱ እዮም ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።