MAP

ካርዲናል ሰሜራሮ፡ ፖላንዳዊ ብጹእ ስትራይኽ ኣብ ኤውሮጳ ምእንቲ ሰላም ከማልድ ይምሕጸኑ ካርዲናል ሰሜራሮ፡ ፖላንዳዊ ብጹእ ስትራይኽ ኣብ ኤውሮጳ ምእንቲ ሰላም ከማልድ ይምሕጸኑ 

ካርዲናል ሰሜራሮ፡ ፖላንዳዊ ብጹእ ስትራይኽ ኣብ ኤውሮጳ ምእንቲ ሰላም ከማልድ ይምሕጸኑ

ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰሜራሮ ኣብ ፖላንድ ንኣገልግላሊ እግዚኣብሄር ስታኒስላው ስትራይኽ፣ ንር.ሊ.ጳ. ሊዮን ወኪሎም ብጽእና ንምእዋጅ ኣብ ዘመርሕዎ መሰዋዕተ ቅዳሴ፣ ምንቲ ሰላም ኣብ ኤውሮጳ ከማልድ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ቤተ ክርስቲያን ብጽዕ ዝበለቶ ስታኒስላው ስትራይኽ፣ ቤተ ክስቲያን ስለ እተቕርቦ ጭንቀታትን ፍርሕን ዓለምና ንእግዚኣብሔር ከቕርብን ስለ እቲ ኹሉ ምኽንያትን ስቓይ ዘማልድ እዩ . . . ቤተ ክርስቲያን ድሌታት ህዝቢ ብሕድሪ ክትህቦ እትኽእል ብጽእ ረኺባ  . . . እንክብሉ ኣብ ፖላንድ ከተማ ፖዝናን ኣብ ኣዋጅ ብጽዕና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝገለጹን፣ ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ሰላም ንምርካብን ኣብ ኣፍ ደገታት ኣውሮጳ ሰላም ንኽርከብን ዘሎና ባህግን ንልቢ ኣምላኽ ከቕርብ ብሓባር ንልምኖ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብኣገባብ ሕያዋይ ጓሳ

ካርዲናል ሰሜራሮ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ኣርኣያ ክህነትን ጉስነትን ኣገልግሎት ብፁዕ ስትራይክ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ “ንህይወት ዝፈቱ፡ ብገርሀይናነትን ብኽብርን ዝነበረን ልዕሊ ኩሉ ድማ ብሕጉስ ልቢ ነቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ማሕበረሰባት ዘወፈየን ሰብ እዩ ነይሩ። ህይወት ስትራይኽ፡ "ጻዕሪ ምሕረት" ኣብ ዝሕተተሉ እዋን፡ ንኻልኦት ብድሌታቶምን ጸገማቶምን ንምቕባል ዝዓለመ ዕድመ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንሓድሕድና እንተተቀባበልና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘይምትእምማንን ፍርሕን ንጐድኒ ገዲፍና ንጽቡቕ ካልኦት ዋጋ ክንከፍል ፍቓደይናታት ንኸውን፣ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወትና ዝነበረን ከምቲ ሓድሽ ብጹእና እሙን ምስሉ ዝኾነን ‘ሕያዎት ጓሶት’ ንኸውን” ኢሎም።

ጻውዒት ንመነቓቕሒ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

"ቅዱስነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን 14 ክቡር ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ስታኒስላው ስትራይክ ናብ እግዚኣብሔር ዘመስግን ጸሎት ገይሮም ብሕያውነት ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገብ ብጽኦን ከንብርዎ ብትሕትናን ንሓትት፡" ብዝብላ ቃላት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንብጽዕና ስታኒስላዊ ስትራይኽ፣ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ እቲ ሓድሽ ብጹዕ ንምመናን፣ “መምርሒ እምነት” ኮይኑ ከገልግሉ ከም ዝኽእል ተስፋኦም ገሊጾም፣ እቲ ሰማእት እምነት፣ "ኣብ ህንጸት ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ጨው ብምዃን ንካህናት ብተወፋይነት ንኣገልግሎት ክውፈዩ ከነቓቕሖምን ነቶም ጸዋዕታ ዝስምዖም ድማ ንጻውዒት ናዝራዊ መምህር ክምልሱ ይሕግዝ ከም ዝነበረ እውን ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰማዕት ኣብ እዋን ስርዓት ዴሳውነት

ናይ ሰበኻ ካህን ብፁዕ ስታኒስላው ስትራይክ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ ከተማ ፖዝናን ኣብ ዝርከብ ጥቓ ቁምስና ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት ዕለት 27 ለካቲት ሰንበት ኣብ ዋውርዚኒክ መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረከ እንከሎ፣ ብጥይት ዝተቐትለ ሰማእት እምነት ምዃኑ ካርዲናል ሰመራሮ ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን ዝነበራ ጋዜጣታት ይሕብራ፣ ምስክርነት ከም ዘመልክቶ፡ ብጹዕ ስትራይኽ ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ብጽሞና ንዝተጸገሙ ዝሕግዝ ትሑት ናይ እምነት ሰብን ከኣ ነቶም ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ዝነበሩ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝዩ ይሓልየሎም ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣወሃሃዲ ማሕበረሰብ ብምንባሩ ኣብቲ ሰበኻ ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታዊ ማሕበራት ዝመስረተ፣ ንድኻታትን ስራሕ ኣልቦን ዝድግፍን፣ ንህጻናት ትምህርተ ክርስቶስ ይውድብን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ዝሕግዝ ከም ዝነበረ ናይ ታሪኽ ማህደሩ የመላኽት፣ ናይ እምነት ሰማእት ኮይኑ ከም ዝሓለፈ ቤተ ክርስቲያን ተረጋግጽ።

26 May 2025, 16:06