MAP

ካርዲናል ረ፣ ኣብዚ ከቢድ ታሪኻዊ ህሞት ናይ ሕብረትን ሓድነትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይመረጹ!

ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝካየድ ዕጽው ጉባኤ መኽፈቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ካርዲናላት ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽመርጹ ናብቲ ዕጹው ጉባኤ ክኣትዉ ከለዉ ብእምነትን ጸሎትን ዝጸንዐ ሓድነት ክህልዎም ተላብዮም፣ "ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ከቢድን ዝተሓላለኸን ሽግር ዝመልኦን ነጥበ መቐይሮ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውነትን ክኾኑ ይኽእሉ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ረቡዕ ንግሆ ዕለት 7 ግንቦት ናይ ሮማ ጳጳስ ንምምራጽ ዝካየድ ዕጹው ዓውደ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ካርዲናላትን ጳጳሳት ሊቀ ጳጳሳትን ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ዝግመቱ ምመናን ዘሳተፈ ቅድሴ ዝመርሑ ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ፣ ብፍሉይ መንገዲ "ምስ መላእ ህዝቢ እግዚኣብሄር ብስምዒት እምነቶምን ፍቕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ትጽቢትን ሓድነት ይስምዓና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ግብረ ሓዋርያት እተወስደ፡ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ኩሎም ሓዋርያያት ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስ ተጠርኒፎም ብሓባር ኣብ ጸሎት ከም ዝጸንዑን ዝገልጽ ምንባብ ብምዝካር፣ ኵሎም እቶም ኣብቲ ሊጡርጊያ ንዝተኣከቡ ኩሎም ቅድሚ ምጅማር እቲ ስርዓተ ቅዳሴ ሒደት ሰዓታት ጥራይ፣ "ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ጎኒ መሰውኢ፣ ኣብዛ ልዕሊ መቓብር ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝቖመ ባዚሊካ" ብሓባር ከም ዝጸለዩ ይዝክሩ።

ሓድነት ኣብ እምነትን ጸሎትን

ካርዲናል ረ ኣብዚ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ "ኣብዚ ከቢድን ዝተሓላለኸን ሽግር ዝመልኦን እዋን ዘድልይ ነጥበ መቐይሮ ቤተ ክርስቲያንን ደቂ ሰባትን ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ. ክርከቡ ብርሃኑን ሓይሉን ንልምን፣

“መረጽቲ ካርዲናላት ዝለዓለ ሰብኣውን ቤተ ክርስቲያናውን ሓላፍነት ዘለዎ ተግባር ንምፍጻም ኣብ ዝዳለዉሉን ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ንምፍጻምን ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን፡ ምጽላይ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምጽዋዕን፡ እቲ እንኮ ቅኑዕን ግቡእን ተግባር እዩ። እዚ ድማ ንእግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስን ሰናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሰብኣውነትን ጥራይ ኣብ ኣእምሮን ልብን ክቕመጥ ዘለዎ ሰብኣዊ ተግባር እዩ።

ደረት ዘይፈልጥ ፍቕሪ

ካርዲናል ረ ኢየሱስ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመርኩይዞም፡ ኢየሱስ ንኹሉ ሰብ ከምቲ ንሱ ዘፍቅሮ፣ ንሓድሕዱ ክፋቐር ከም ዝጽውዖ ዘኪሮም፡ ክሳብ ሕይወትካ ክሳብ ምሃብ፡ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ መልእኽቲ ጐይታ "ሓድሽ" ትእዛዝ እዩ ቢሎም፣

“እቲ ኢየሱስ ዝገለጾ ፍቕሪ ደረት ኣልቦ ስለ ዝኾነ ናይ ኩሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓሳብን ተግባራትን መለለዪ ክኸውን ኣለዎ፣ ንሳቶም ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ባህርያቶም ሓቀይና ፍቕሪ ከርእዩን ሓድሽ ስልጣነ ንምህናጽ ቃል ክኣትዉን ኣለዎም፣ እዚ ድማ ጳውሎስ ሻድሻይ “ስልጣነ ፍቕሪ” ኢሎ ዝጸውዖ እዩ። ፍቕሪ እታ እንኮ ንዓለም ክትቅይራ እትኽእል ሓይሊ እያ።”

ጻውዒት ናብ ሕውነታዊ ፍቕርን ሕብረትን

ካርዲናል ረ ስብከቶም ብምቕጻል፣ ኣብቲ መስዋእተ ቅዳሴ ዝተነቡ ብምንባባት ሕውነታዊ ፍቕሪ፣ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ፣ ዓቕለሲያዊ ሓድነትን ኩላዊ ሰብኣዊ ሕውነትን ዝጽውዕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ከምኡውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ተካኢ ጴጥሮስ መሰረታዊ ዕማም ብኹሉ መልክዕ ሕብረት ምዕባይ እዩ፣ "ናይ ኩሎም ክርስትያናት ሕብረት ምስ ክርስቶስ፤ ሕብረት ጳጳሳት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፤ ሕብረት ጳጳሳት ኣብ መንጎኦም . . . ምሉእ ብምሉእ ሕብረት ኣብ መንጎ ሰባትን ህዝብታትን ባህልታትን ዝቐንዐ ሕብረት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድነት ኣብ ብዙሕነት

ናይ ዕለቱ ንባባት እቲ "ክርስቶስ ካብ ሓዋርያት ዝደለዮ መንገዲ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ምዕቃብ" ዝብል ግዴታ  የዘኻኽሩና። እዚ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን፣ "ፍቓድ ክርስቶስ እዩ" እንክብሉ ገሊጾም፣ እዚ ሓድነት እዚ ድልዱልን ዓሚቕ ሕብረት ኣብ ብዙህነት ዝልለ እዩ፣ ምሉእ ተኣማንነት ንወንጌል እንተተዓቂቡ ግና፣

“ነፍሲ ወከፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጴጥሮስን ተልእኾኡን ዘንጸባርቕ ኮይኑ፣ በዚ ኸኣ ንክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይውክል፣ ንሱ ቤተ ክርስቲያን ዝተሃንጸትሉ ከውሒ እዩ (ማቴ 16፡18)። ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምምራጽ ቀሊል ተኸታታሊ መርሓ ፍጻሜታት ኣይኮነን። ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምምራጽ ኩሉ ግዜ እቲ ዝምለስን ዝግለጽን ሃዋርያ ጴጥሮስ እዩ።”

ሕብረት ኣብ ጸሎት

መረጽቲ ካርዲናላት ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ር.ሊ.ጳ. ንኽመርጹ ድምጾም ኣብ ዝህቡሉ እዋን፣ "ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ተኸታታሊ ናይ ብሓቂ ቅዱሳንን ዓበይትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ንሰናይ ቤተ ክርስቲያንን ደቂ ሰባትን ከም ልቢ እግዚኣብሔር ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክህበና" ኩሉ ሰብ ክጽሊ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“"ንኣምላኽ ክርስዕ ዝፍትን" "ሕልና ኩሉ ከመይ ገይሩ ከም ዘበራብርን ኣብ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ጸዓት ከበራብርን ከም ዘለዎ ኣዚዮም ዘስተውዕሉን ነዚ ክፍጹሙ ዝኽእሉን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክወሃቡና ንጸሊ!"

ምስ በሉ ዓለምና ነቲ ሰብኣዊ ሓባራዊ ናብራን መጻኢ ወለዶታትን ዝምርኮሰሉ፣ "መሰረታዊ ሰብኣውን መንፈሳውን ክብርታት" ኣብ ምሕላው ካብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ከም እትጽበ ኣመልኪቶም፣

“ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ብኣደኣዊ ኣማላድነታ፣ መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮ መረጽቲ ካርዲናላት ከብርህን ኣብቶም ንዘመንና ዘድልዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ ድምጺ ክኾኑ ክሕግዞምን ተማልደልና”

እንክብሉ ዝስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 May 2025, 17:40