ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ቓዛ ደብዳብ ከብቅዕ፤ ኣብ ዩክሬን ሰላም ክረጋገጽ ንጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ማእከል ኣቓልቦ ቅድስቲ መንበር ዝርከቡ ሓያሎ ጉዳያት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየደድዎ ቃለ መሕትት፣ ካብ ቓዛ ዝመጽእ ዘስካሕክሕ ትርኢት፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተፈጸመ ጸረ ሴማዊ መጥቃዕቲ፣ ኲናት ዩክሬን ንምውጋድ ናይ ሰላም ዋዕላ ክካየድ ዝብል ተኽእሎታት፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ መዓልታት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ዝምልከቱ ኣርእስታት የስተብህሉ።
ሕቶ፡- ኣብ ቓዛ ህጻናት ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ፡ ህዝቢ ድማ ብስእነት መሰረታዊ ኣገዳስነታት ይሳቐ ኣሎ፤ ቦምባታት ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ይፍነው ኣሎ። እቲ ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ደው ናይ ምባል ዕላማ ዘሎ ኣይመስልን?
ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን። ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኩሉ ክኽበርን ክትግበርን፣ እቲ ቦምባታት ደው ክብልን ናብ ህዝቢ ኣድላዪ ሓገዝ ክበጽሕ ንጽውዕ: ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ መዓት ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሓማስ ንኹሎም ክሳብ ሕጂ ጅሆ ዝሓዞም ብቕልጡፍ ናጻ ክለቆም፡ ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸሞ ኣረመናዊ መጥቃዕቲ ናይ ዝተቐትሉ እስራኤላውያን ዓስከሬን ንሃገሮምን ስድራ ቤቶም ክወሃብ ዝብል ሕቶ ቅድስቲ መንበር ደጊሞም የቕርቡ።
ሕቶ፡- ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዋሽንግተን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ኣባላት ሰራሕተይናታት ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ዝተቐትሉሉ መጥቃዕቲ እንታይ ምላሽ ሂብኩምሉ?
እዚዩ ዘሰንበደኒ ጉዳይ እዩ። ልክዕ ከምቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ንጹሃት ግዳያት ዝገበረ ኣረመናዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰላምን ግብረ - ሰናይን ተጸሚዶም ዝነበሩ እውን ዝተንከፈ ጉዳይ። እቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይተሳዕረ መንሽሮ ጸረ - ሴማውነት ከም ብሓድሽ ከም ዘይምለስ ክንገብር ኣሎና፣ ብሓቂ ንቑሕ ምዃን ዝሓትት ጉዳይ እዩ።
ሕቶ፡- ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድሕሪ ውሱን ውጽኢት ዋዕላ ሰላም ኢስታንቡል፡ ቫቲካን እተአንግዶ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘተ ክካየድ ከም ዝኽእል ተጠቒሱ’ሎ - ዋላ’ኳ ድሮ ሩስያውያን “ኣይንቕበሎን” እንተበሉ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ክትሕብሩና ትኽእሉ ዶ?
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮም መበል 14 ቅድስቲ መንበር ዝኾነ ይኹን ናይ ሰላም ዘተ ንምእንጋድ ምሉእ ዕድል ኣቕሪቦም ኣለዉ፣ ገለልተይናን፣ ዝተሓለወን ቦታ ብምሃብ። እዚ ናይ ሽምግልና ውዕል ኣይኮነን - ምኽንያቱ ሽምግልና ብዝምልከተን ውድባት ክሕተት ኣለዎ። ከም ጀነቭ ዝኣመሰለ ኻልኦት ገለልተይና ቦታታት ኮይኑ እዩ ዝርአ። ብዝኾነ መንገዲ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ዝግበር ዘተ - ኩላትና ተስፋ እንገብረሉ ናይ ዘተ መድርኽ፣ ኣበይ ይካየድ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን። ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ፣ እዚ ዘተ ምብጋስ እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ህጹጽ ጉዳይ እቲ ኲናት ደው ምባል ስለ ዝኾነ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ነቲ ዘሎ ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዝወርድ ዘሎ ዕንወትን ደው ንምባል ህይወቶም ዝስእኑ ሰላማውያን ሰባት ከይህልዉ ምግባር እዩ ዘድሊ። እቲ ህጹጽ ጉዳይ ብኽልቲኡ ወገን ተቐባልነት ዝረክብን ዝሰማኣምዕሉን ርጉእን ፍትሓውን ነባርን ሰላም ውሑስ ዝገብር ስምምዕ እዩ።
ሕቶ፡- “ሰላም” ዝብል ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቀዳሞት ህሞታት ሕርየቶም ኣትሑዞም ብተደጋጋሚ ዘስዕዎ ቃል እዩ።
እወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣሰር ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝስዕቡ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣሐይሎም ዝቕጽልሉ ዘለዉ ጉዳይ እዩ። ካብ ማእከል ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝርከብ ሰገነት ኮይኖም ድሕሪ ሕርየቶም ኣብ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ - ልክዕ ኣብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመወዳእታ ግዜ ምእመናን ካብ ዝባረኸሉ ቦታ ኮይኖም፣ ብዛዕባ ሰላምን ምፍታሕ ኣጽዋርን ጻውዒት ኣቕሪቦም - ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ደጊም ውግእ ኣይሃይሉ!” ዝብል ዘስመሩሉ ቃል ዘኪሮም፡ ር.ሊ.ጳጳሳትን መላእ ቅድስቲ መንበር ሰላም ኣብ ምህናጽን ናይ ዘተን ሽምግልናን ተበግሶታት ኣብ ምድጋፍ ተጸሚዶም ይርከቡ።
ሕቶ፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ብዛዕባ እተሓደሰ "ቀንዲ ተዋሳእነት" ቫቲካን ዝዛረቡ ሰባት ኣለዉ።
ሊዮን መበል 14 ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ምስ ጉባኤ ካርዲናላት ሓቢሮም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከትን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከትን፦ ቀንዲ ተዋሳኢ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ንሕና ክንትሕት ኣሎና፤ ክርስትያን ካብ ካልኦት ዝበልጹ ኮይኑ ኣይስምዖምን እዩ፣ እንታይ ደኣ “ንእሽቶ ማይ ብሑቕ” ብምዃን ፍቕርን ሓድነትን ሰላምን ክምስክሩ ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም እዮም። ብዛዕባ “ቀንደይና ተዋሳእነት” ኣብ ክንዲ ዝዛረብ፡ ብዛዕባ ንሰላምን ሕውነትን ዘገልግል ናይ ቫቲካን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተበግሶታት ምዝራብ ትኽክል ይኸውን።
ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ንሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ህብረ ሓበሬታ ክህሉ ሓቲቶም እዮም። “ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ልሳን” ኣሎ ድዩ፧
ጋዜጠይናታት - ብሓፈሻ ድማ መራኸቢ ብዙሓን - ክቡር ዕማም ዝፍጽሙ እያቶም፣ ብዝያዳ ድማ ኣብ ግዜ ውግእ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ብዓመጽ ዝመልኦ ቃላት ዘይተዓብለለ፣ ካብቲ ብትሕትና ክንደልያ ዝግበኣና ፍቕሪ ፈጺሙ ዘይፈሊ ሓቂ ዝደሊ” ርክብ ክህሉ ሓቲቶም እዮም። ልሳን እውን መጋበርያ ውግእ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ወይ ድማ ንሓድሕድና ክንረዳዳእ፣ ንዘተ፣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንላለ ክሕግዙና ይኽእል እዩ። ሰላም ኣብ ነፍሲ ወከፍና እዩ ዝጅምር፡ ሰላም ምስ ካልኦት ብእንጅምሮ ምርድዳእ ክንሃንጽ ተጸዊዕና ኢና። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ዝገለጽዎ ኣብ ርክብና ከይተረፈ “ንናይ ውግእ ረባሕታታት ክንነጽጎ” ኣሎና።
ሕቶ፡- ብዛዕባ ምድላይ ሓቂ ክንዛረብ እንኮለና፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ክሳብ ቅድሚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝሓረየ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር - ኵርያ ሮማና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበጸሖም ዛዕባ ግህሰት ዝምልከት ጉዳይ ብኸመይ ከም እተመልከትዎን ዘመሓደርዎን ዝገልጽ ርእይቶታት ነይሩ።
እዚ ጉዳ እዚ ዝምልከቶም ዝተወሰኑ ሓለፍቲ ላዕለዎ ኣባይቲ ጽሕፈት ኵርያ ሮማና ካብ ጳጳሳት ሃገረ ስብከታት ዝመጹ ዛዕባ ግህሰት ዝምልከት ርእይቶታትን ሓበሬታን፡ ብብቑዓት ኣካላት መርመራታት ክግበረሉ ገይይሮም - ብዕምቆት ብምምልካት፣ በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ብዛዕባ ግህሰት ዝምልከት ሕግታት መሰረት ብግቡእ ከም እተመሓደረ ኣረጋጊጾም፣ እቲ ብጳጳሳት ሃገረ ስብከታት ዝቐረበ ሓበሬታ፣ ብዝምልከቶ በዓል መዚ ተገግምጊሙን እዚ ኣካል እዚ ኣብ ኣካይዳ ጳጳሳት ሃገረ ስብከታት ዝኾነ ዘይስሩዕነት ከምዘየለ ብዘየማትእ መንገዲ ኣረጋጊጹ እዩ።
ሕቶ፡- ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ልዮን ዝብል ስም ምምራጾም ምስታ ሊዮን መበል 13 ‘ሓደስቲ ነገራት’ ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእክቲ የራኽብዎ። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ነይሩ፤ ሎሚ ኣብ ዘመነ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ሰውራ ንነብር ኣለና፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘስዕቦ ብድሆታት ድማ የጋጥመና ኣሎ። ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ክንገጥሞ ኣሎና፧
ኣብዚ ጉዳይ ብዝምልከት ተካኢ ጴጥሮስ ክቕርብዎ ዝደልዩ ኣስተንትኖታት ንጽበ። እቲ ቅኑዕ መንገዲ ዘይነቐፌታዊ ተቐባልነት ወይ ሳጥናኤላዊ መጋበርያ ቢልካ ዘይምፍራድ እዩ፣ ንህይወት ወይ ሞት ደቂ ሰባት ዝምልከት ውሳኔታት ንሓደ እደ ጥበባዊ መጋበርያ ክንውክል ከም ዘይንኽእል ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን፡ ኩሉ ግዜ ንጽቡቕ እንጥቀመሉ መሳርሒታት ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ። ዓውዲ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ በዚ ኸኣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከም መጋበርያ ነዝሒ ተጠቒምካ ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ዘጋጥም ሕማቕ ኩነታት ንርእይቶ ህዝቢ ብሓሶት መልእኽቲ ንኸይጸልዎ - ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። ሊዮን መበል 14 ሓበሬታ ዝረክብ ህዝቢ ጥራሕ እዩ ናጻ ምርጫ ክግበር ዝኽእል ቢሎም ብዛዕባ ትብዓት “ናይቶም ንኽብርን ፍትሕን ንሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ዝጣበቑን፣ ጋዜጠይናትታን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ጋዜጠይናታትን ከም ዝዘከሩ ሓቢሮም ካርዲናል ፓሮሊን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።