ካርዲናል ፓሮሊን፦ ኣብ ኢስታንቡል ዝካየድ ዘተ ናብ ሰላም ዘምርሕ መገዲ ክኸፍት ተስፋ ይገብሩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
የዒንቲ ኵሎም ደቅሰባት ናብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመጀመርታ ግዜ ምብጻሕ ክፍጹሙላ ተስፋ ዝግበራላ ዘሎን፣ ማለት ንዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ መበል 1,700 ዓመት ንምምልካት ናብ ሃገረ ቱርኪ ክበጽሑ ብምዃኖምን ከምኡውን ነቲ መራሕቲ ሃገራት ሩስያን ዩክረይንን ውግእ ደው ንምባል ቀጥታዊ ዘተን ውዕላትን ንምግባር፣ ካብ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 15 ግንቦት፣ ኣብ ኢስታንቡል ዋዕላ ዝጅምረሉ ዘለዉ ቦታ ይጥምታ ኣለዋ ። ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ጎርጎርያን እተኻየደ ብሓልዮት ናይ ዩክረይን ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተወደበን፣ "ናብ ሥነ መለኮት ተስፋ ንዩክረይንን ካብ ዩክነይንን" ኣብ ዘርእስቱ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ንጋዜጠኛታት መግለጺ ለጊሶም። ነቲ ርእሰ ብሔር ዜለንስኪን ርእሰ ብሔር ፑቲንን ንመጀመርታ ግዜ ብኣካል ተራኺቦም ብመንጐይናነት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘካየድዎ ቀጥታዊ ዘተ ተስፋ ኸም ዘለዎ ገለጹ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ንእተፈላለዩ ገዜጠይናታት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ንሰላም ዝኸውን መገዲ ክረኽቡ ወትሩ ተስፋ ንገብር ኢና" በሉ። "ኣብ መወዳእታ ቀጥታዊ ርክብ ክግበር ምኽኣሉ ኣዝዩ የሐጕሰና ኢዩ። እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ጕዳያት ኣብኡ ኺፍታሕን ሓቀይና መስርሕ ሰላም ኪጅምርን ተስፋ ንገብር" ክብሉ ውን ዘለዎም ተስፋ ኣመልከቱ። ብመሰረት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝሃብዎ መግለጺ እንታይ ከም ዝስዕብ ምትንባይ "ብግዜኡ" ኣኽሉ ኣሎ። እንተዀነ ግን እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝካየድ ኣኼባ፣ ነቲ ውግእ ደው ንምባል "ረዚን ናይ መጀመርታ ነጥበ መቐይሮ" ከም ዝኸውን ተስፋ ንገብር ክብሉ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ክየቭ ምብጻሕ ክገብሩ ጌና ግዜኡ ኣይኣኸለን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ዩክረይን ምብጻሕ ከካየዱ ዝብል ተስፋታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ብሔር ዜለንስኪ ሰኑይ ንግሆ ብናይ ስልኪ ጻውዒት ምዘቕረበሎም ዕድመ ብምዝካት ጌና "ግዚኡ ኣይኣለለን" ክብሉ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፣ ነቶም ብውግእ በሰላ ዝወርዶም ዘሎ ዞባታት ከምኡውን ትማሊ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ዓመት ኢዮቤል ምሥራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ኣጽኒዖም ምሕጸንታ ኣቕረቡ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ውን ከምዚ ብምባል ኣረጋገጹ - "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዕለተ ሲመቶም ኣትሒዞም ብተደጋጋሚ ዝገበርዎ፣ እቲ ውግእ መወዳእታ ኽግበረሉ ምሕጽንታኦም ክቕጽሉ ከም ምዃኖም ኢዮም ዘመልከቱ። ወሲኾም ድማ ንሕና "ቦታ ንምቕራብ እውን ድሉዋት ኢና። ብዛዕባ መንጐይናነነት ምዃን መጠኑ ዝሓለፈ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፣ ርክባት ንምቅልጣፍ ግና ጽቡቕ ኣብያተ ጽሕፈት ክንልግስ ፍቓደኛታት ኢና።" እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሃገረ ቫቲካን "እዚ ቀጻሊ ተበግሶታት ክትዓናቕፍ" ኣይትደልን እያ በሉ።
ቘልዑ ናብ ሃግሮም ናይ ምምላስ መስርሕ ንምቅልጣፍ
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ ኣቕዋም እቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን "ነቶም ጕጅለታት ተወሳኺ ምክፍፋል ኣብ ክንዲ ዚፈጥረሎም ክቀራረቡ ንምጽዓር እዩ።" እቲ ብካርዲናል ማትዮ ዙፒ እተበገሰን እተደገፈን ንገሊኦም ዩክረይንውያን ቈልዑ ናብ ዩክረይን ከም ዝምለሱ ዝገበሮም መስርሕ "ንጡፍ" ምንባሩ ውን ኣረጋገጹ። እዚ ኸኣ ብቐንዱ "ብመንገዲ ሓውርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርት ኣቢልካ ኣስማት ናቶም ህጻናት ድሕሪ ምልውዋጥ፣ ስዒቡ ድማ ዙባዊ መረጋገጽን ምላሽ ኣብ ምሃብን" ዘጠቓልል ኢዩ ዝነበረ። ቍጽሪ እዞም ቈልዑ እዚኣቶም "ኣዝዩ ዘከራኽር" ኢዩ ዀይኑ ዘሎ፣ እቲ ቐንዲ ረቛሒ ግን "ቀስ ብቐስ ምስ ስድራቤቶምን ኣባይቶምን እንደገና ክራኸቡ ምኽኣል" ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።
ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዝለኦ ግጭት መወዳእታ ክግበረሉ
ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ኣመልኪቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ቅድስቲ መንበር በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመደብዎ መገዲ ክቕጽሉ ኢዮም ። ኣብዚ ጕዳያት እዚ ኣብተን ቅድሚ ውግእ ዝሳተፋ ዝለዋ ሓፈሻዊ ጉባኤታት "ጽኑዕ ጣልቃ ምእታውን" ከምኡውን "ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ክርስትያናዊ ህላወ ብምሕሳብን" "ብርቱዕ ጻውዒት" ቀሪቡ ኣሎ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን "ነዚ ኸቢድ ጸገማት እዚ መልሲ ኽንረክበሉ ኣሎና" ውን ይብሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝገብርዎ ዝለዉ ጻዕርታት ንሰላም
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ቕድሚ ኮንክላቭ ኰነ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ንዝነበረ ሕቶታት ብምርቋሕ (ብፍሽኽታ "ክንምልሶ ዘይንኽእል ሕቶታት ኣይትሕቱ" ብምባል) ኣብ ክንዳኡስ ኣብቲ "ኣዝዩ ኣወንታዊ" ርእይቶታትን ምላሽን ዝረኸበን ሓድሽ እተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣተዂሮም መግለጺ ሃቡ። ርእሰ ሊቃና ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ኣዝዮም ህዱእ ኢዮም። ቅዱስነቶም ሰላም ዝደልዩን፣ ሰላም ዝምነዩን በተን ቀዳሞት ቃላቶም ኣቢሎም፣ ብዛዕባ ሰላም ንምእመናኖም እተዛረቡን፣ ብመንገዲ ዝህነጽ ድልድላት ኣቢሎም ሰላም ዚሃንጹን ሰብ ኢዮም።"
ምብጻሕ ናብ ኒቀያ
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ንዝሓተቶም ጋዜጠይና መልሲ እንክህቡ ከምዚ በሉ - "ብዛዕባ ኒቅያ ኢና እንሓስብ ዘሎና ። እዚ ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ንኢቁመናዊ ጉዕዞን ኣገዳሲ ህሞት እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኪኸዱ ብርግጽ መደብ ነይሩ እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እውን ተመሳሳሊ ጕዕዞ ከካየዱ ከም ዝደልዩ ዝለዉ ኢዩ ዝመስለኒ" በሉ።