ካርዲናል ፓሮሊን፡ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘራኽብ ክኸውን ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምምራጽ ንካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሎም ዝዓበየ ፍትሕን ምትሕግጋዝን ሰላምን ዘለዋ ዓለም ዝደልዩ ናይ ምሕዳስ ኣጋጣሚ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣማእኪሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ገሊጾም፣ ሓዱሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክንሓቁፍ ይጽውዑና . . . ብትሕትና ዝሰምዕ፣ ብርህራሄ ዝዋሳእ፣ ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባር ረብሓ ዝደሊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅድስቲ መንበር ብመሪሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ጎኒ ወከልቲ ኣህዛብ ዓለም ብምዃን፡ “ክብሪ ደቂ ሰባት ንምድንፋዕ፣ ተቓላዕቲ ሰባት ንምሕላው፣ ብኻልእ ኣገባብ ዘይምትእምማን ኣብ ዝሰፍሐሉ ዓለም ናይ መራኸቢ ድልድላት ንምህናጽ” ቃል ትኣትው ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ዝተመስረተ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ
ካርዲናል ፓሮሊን "መሰረት ኣህጉራዊ ምትሕብባር ህያው ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጒሊሖም፣ ኣብዚ መዳይ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዘለዎም፣ ምስቲ ኣብ ኣዕኑድ ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ዝተመርኮሰ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክህሉ ዝገብርዎ ፍሉይ ንጥፈታትን ዘለዎምን ራእይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፣ ቅድስቲ መንበር እውን ብተመሳሳሊ ንሓቅን ፍትሕን ተወፋይነት ዘለዋ “ንድኻታትን ንዝተጸገሙን ንምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ንሰላምን ዘይንጽል ኩለንተናዊ ምሉ ሰብኣዊ ምዕባለን ንምድላይ ግብረ ገባዊ ድምጻ ከተቕርብ እያ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፣ ቀጺሎም ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት “ዘራእቲ ሰላም” ክኾኑ ንዝብል ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ምላሽ ክህቡ” ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩን ንስድራቤቶምን ነቶም ዝውክሉዎም ኣህዛብን ባሪኾም፣ “ብተስፋን ራእይን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተደሪኾም ብሓባር ንቕድሚት ክስጉሙ” ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።