ካርዲናል ፓሮሊን፡ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዓለምለኻዊ ምፍልላይ ክፍውስ ይኽእል እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ቅድሚ ዓለማዊ ምፍልላይ ግብረ ገባዊ ንጹርነትን ውሁድ ስጉምትን ክግበር ዝጽውዕ ጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት (Centesimus Annus Pro Pontifice Foundation) ካብ ዕለት 15 - 17 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ዕለት 16 ግንቦት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዓለማዊ ምሕደራ ንምሕያልን ዝዓሞቐ ውልትውና ንምፍዋስን ኣገዳሲ ማዕቀፍ ከምዘቕርብ ገሊጾም፡ “ምስዓር ውልትውናን ዳግመ ህንጸት ዓለማዊ ምሕደራን፡ ስነ-ምግባራዊ መሰረታት” ዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ጉባኤ መርሕ ቃል መሰረት ገይሮም፣ ኣብዛ እናተበታተነት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዕባይ ፍትሒ፡ ዘተን ሓድነትን ዘለዎ ተራ ኣጒሊሖም፡ “ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ኢና ዘሎና፡ ከም ለውጢ/ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር፡ ዘይማዕርነትን ስደትን ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ብድሆታት ዝያዳ ምትሕብባር ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዘይምትእምማንን ምብትታንን ንዕዘብ ኣሎና።”
ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ተሪር ስነ - ሓሳብ ዘይኮነስ፡ “ንጡፍ ትውፊት” ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ወንጌልን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣዊ ምኽንያትን መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ኣመኪቶም፣ ቀንዲ መትከላቱ - ሰብኣዊ ክብረት፡ ናይ ሓባር ረብሓ፡ ምትሕግጋዝ፡ ድጎማን ሓልዮት ንፍጥረት - ንእዋናዊ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ግብረ ገባዊ ቡሶል የቕርብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዓለማዊ ምሕደራ ዳግማይ ምሕሳብ
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ህሉው ዓለማዊ መሓውራት ምሕደራ፣ ቅልውላው ሕጋውነት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ትካላት ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ጣልቃ ዝኣትዋ ወይ ድማ እኹል ውጽኢታዊ ከምዘይኮና ዝገልጽ ሰፊሕ ኣረኣእያታት ጠቒሶም፡ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ክገብሮ ዝኽእል ሰለስተ መሰረታዊ ኣበርክቶታት፡ “ሰብኣዊ ክብሪ” ከም መሰረት ምሕደራ፤ እቲ “ናይ ሓባር ረብሓ” ከም ዕላምኡ፤ “ሚዛናዊ ምትሕግጋዝን ድጎማን” ንማሕበረሰባት ውሽጢ ዓዲ ንምሕያል ኣብ ርእሲኡ ድማ ዓለማዊ ምትሕብባር ምዕባይ ዝብሉ ኣጉሊሖም፡ ሰብኣዊ ክብሪ "ንሰባት ናብ ቁጠባዊ ኣሃዱታት ወይ ፖለቲካዊ ኣባይቲ ስድራ ዘውርዱ ስርዓታት ዝፈታተን መትከል እዩ" ቢሎም ( . . . ) ንተቓላዕትን - ስደተይናታት፡ ኣረጋውያን፡ ዘይተወልዱ - ልዕሊ መኽሰብ ወይ ስልጣን ቀዳምነት ዝህብ መምርሕታት ክቐርብ ይጽውዕ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ናይ ሓባር ረብሓ፡ ኪኖ ጥቅሚ ጥራሕ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ ወይ ውልቃውነት ክንሰግር፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ልዕሊ ውደራ ተጣበቕቲ ሓልዮትን ምትሕብባርን ምዃን ይላቦ። “ምፍዋስ ዕዳ ከም ሓባራዊ ወፍሪ ንምርግጋእ ዓለም እምበር ከም ግብረ ሰናይ ክረአ የብሉን፡ ናይ ድጎማን ምትሕብባርን ሚዛን ምሕላው ውልቀ - ምልካዊ ወይ ብምብትታን ዘይለመሰ ናይ ምምሕዳር መዋቕር ይጠልብ - “ዝኾነ ህዝቢ ደሴት ኣይኮነን፡ ድጎማ ዘይብሉ ምትሕግጋዝ ልክዕ ከምቲ ንኣካባቢያዊ ምምሕዳራት ሸለል ክብሎ ዝኽእል፡ ነቶም ዝተገለሉ ሸለል ክብሎም ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብዘተን ርክብን ምሕዋይ
ውልትውና ዝብል ነጥቢ ድማ ጠቒሶም፡ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ መራኸቢ ብዙሓን ዝተጋደደ ስነ - ሓሳባዊ ምፍንጫል፡ ምትእምማንን ውሳነን ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ ገሊጾም፣ በዚ ድማ፡ ሓቂ ብዘተን ምስማዕን ትሕትናን ንኽትዕ ዝመርሓሉ ናይ “ምራኻብ ባህሊ” ምምዕባልን ክስዕብ ኣለዎ። ምትሕግጋዝ ነቲ ዘሎ ዓለማዊ ፍልልያት ዘራኽብ ድልድል ኮይኑ ከገልግል ኣለዎ፡ ቅልውላው ከባቢ፡ ስነ - ሓሳብ ብዘየገድስ ንኹሎም ኣህዛብ ዝጸሉ ስለዝኾነ፡ ሓልዮት ፍጥረት ኵላዊ ስክፍታ ከም ዝኾነ ክስትውዓል ኣለዎ። "ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ብዛዕባ ዶባት ዝግደስ ኣይኮነ። "ምፍልላይ ንኽንሰግርን ኣብ ሓባራዊ ቤትና ብሓባር ንኽንዓዪን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ምህናጽ
ካርዲናል ፓሮሊን ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓታት ንምሕዳስ ዝግበር ጻዕርታት ኣብ ምምራሕ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ነባሪ ተዛማድነት ከምዘለዎ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ዓለማዊ ምሕደራ ብዛዕባ ስርዓታት ጥራይ ዘይኮነ - ብዛዕባ ምህናጽ ስልጣነ ፍቕሪ እውን ዝግደስ እዩ።" ውልትውና ዘይተርፍ ኣይኮነን። ብሓቅን ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ዕላማን ክስገር ዝከኣል ምዃኑ ኣጒሊሖም። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 13 ተወኪሶም ድማ፣ ንኣባላት ጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት፣ “ብዘተን ርክብን ድልድላት” ክሃንጹ ብምምሕጻን፡ ሓድነት ማለት ኣሃድነት ማለት ከምዘይኮነ፡ ፍትሒ ድማ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ዘይኮነስ ኣብ ሰላም ዝሰረተ ምዃኑ ኣስተብሂሎም ዘስምዕዎ መደረ ክም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሮም።