ካርዲናል ጉጆሮቲ፡ ምብራቓውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣድማሳውነት ቤተ ክርስቲያን የሀብትሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሻብዓይ መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ካርዲናል ክላውዲዮ ጉጆሮቲ፣ ትንሳኤ "ኣብ ባህሪ ወዲ ሰብ ዝፍጸም ተርእዮ ኣይኮነን" የግዳስ፡ ካብ ኣምላኽ “ብመንፈሱ” ዝመጽእ እዩ፣ በዚ መንፈስ እዚ እዩ ድማ ወዲ ሰብ ምስ ኩሉ ፍጥረት “ኣባ ኣባ” ዝብል ውሉድ ኣምላኽ ይኸውን፣ እዚ እናሃለወ “ፍጥረትን ሰብኣዊ ፍጡርን ሎሚ ኣዝዩ ውሑድ ዋጋ ዘለዎም ይመስሉ” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ እንተዀነ ግን ኣብ መንጎ ደቅሰብን ተፈጥሮን ምትእስሳር ኣሎ። ፍጥረት "ኣብ ጕዕዞ ደቅሰብ፣ ሓድነት ንምርካብ ከምኡውን ሓድነትና ንምድላይ ብጻይ" ምዃኑ ኣጕሊሖም እዚ ድማ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዚዩ ኣግዳስነት ዘለዎ ቅዉም ነገር ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕውነት ኣብ መንጎ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ኣብያተ ክርስቲያናት
ካርዲናል ጉጆሮቲ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብዛዕባ ሃብቲ ምብራቓዊ ክርስትያናዊ መንፈሳውነት እንከስተንትኑ፣ ኣብ ቅዳሴ ዋላ’ኳ ፍልልይ እንተሃለወና፡ ታሪኽ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን “ኣብ መሬት ጎይታ” ኣብ ቀዳሞት ዘመን ክርስትና ዝሰረተ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካህናትን ጳጳስትን ሊቀ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ምእመናንን ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብዘከወብ ተመኩሮን ባህሎን መንፈሳውነትን “ንኣድማሳውነት ቤተ ክርስቲያን ዘሀብት እዩ” እንክብሉ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
“ሓድሓደ ግዜ ኣብ ታሪኽ፡ ንሕና ኣብ ምዕራብ ዘሎና ኣብ ምብራቕ ንዝነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንርድኦም ኣይከኣልናን፣ “ብዙሕነት ዘለዎን ሃብታምን ዝኾነ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ኣገላልጻ ከነፍቅር ዝመሃሩና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ምእንታኦምን ምስኦምን ኣብ ጸሎት ሓቢርና ክንርኢ እንኮለና ብርግጽ ሓጎስ ይስምዓና - ቢሎም - ብፁዕ ካርዲናል ኣብ ምብራቓዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ክንቅበሎምን ክንሕግዞምን ዳግማይ ቃል ንምእታው ነቲ ቅዳሴ ከም ሓደ ህሞት ብምቕባል፣ “ብፍላይ ሕጂ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ቅድስቲ ምድሪ ዝነበሩ ጥንታዊ ዓዶም ሓዲጎም ንኽስደዱ ዝግደዱ ዘለዉ” እናሃሰቡ፣ ነቲ ዕለት 7 ግንቦት ዝኽፈት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት እናሓሰብ፣ ናይ ሓደ ምብራቓዊ ኣቦ ቅዱስ ስምዖን ናይ ሓድሽ ስነ - መለኮት ሊቅ ተባሂሉ ዝግለጽ “ንዓ ሓቀይና ብርሃን፡ ንዓ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ንዓ ህቡእ ምስጢር፡ ንዓ ስም ኣልቦ ሃብቲ፡ ንዐ፡ ዘይንገር ክውንነት፡ ንዐ ክትግመት ዘይተኽል፣ ንዓ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጐስ፡ ንዓ ዘይዓርብ ብርሃን፡ ንዓ ዘይሕለል ተስፋ ናይ ኩሎም ክድሕኑ ዝደልዩ ወትሩ ነታ ሕሱም ነፍሰይ እትብህግን እትምነይን...” ዝብል ዝደረሶ ጸሎት ደጊሞም ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።