ቅድስቲ መንበር፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሕውነትን ብቕዓት መመያን ዘደንፍዕ ክኸውን ይግባእ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ምዕባለን ኣጠቓቕማን” ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክኸውን፣ “ሕውነት” ምድንፋዕን “ሓናጺ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ናይ መመያ ክእለትን” ምዕቃብን “ወሳኒ” ምዃኑ፣ ዕለት 6 ግንቦት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ገሊጾም፣ እዚ እውን ተስፋ ቅድስቲ መንበር ምዃኑ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕንጻ፣ ECOSOC - ቁጠባውን ማሕበራውን ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ ፍልዩ ኣኼባ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሓላፍነት ማሕበረሰብ ዓለም
“ጥዑይ ብፍሉይ ሰብ ሰርሖ ምዕባለ ዘመሓደር መምርሒ፣ ምህዞታት እደ ጥበብ ኣብ ውሽጢ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዝኣመተ ሰፊሕ ናይ ምርምር ውጥን ክተሓሓዝ ኣለዎ” ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣስዒቦም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብእተፈላለየ መልክዕ ኣብ ምቍጽጻር ሓላፍነት ኣለዎ . . . “ኣብ ከም ዓለም ለኻዊ ዘተ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ናጻ ኣህጉራዊ ስነ ምርምር መድረኻት ዝኣመሰሉ ንመሓውራት ምሕደራ’ውን ክመርሑ ዝኽእሉ ናይ ሓባር ስነ - ምግባራዊ መትከላት” ኣብ ምቕራብ ተወፋይነት ክህሉ ይግባኣ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ስነ ምርምር
ኵሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑን ዝምልከቶምን ጕጅለታት፣ ነቲ "እተፈጥረ ሓድሽ ምህዞታትን ስርዓታትን ሚዛኑ ዝሓለወ" ስነ-ምግባራዊ መሰረት ብኸመይ ከም ዝገለጽዎ ዘርኢ ጭቡጥ ኣብነት መንግስታት ኣህጉራውያን ማሕበራት ከምኡውን ካልኦት ትካላት፣ ዝኸተምዎ ጻውዒት ሮማ ስነ ምግባር ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝብል ተኸታታሊ መሰረታዊ ስነ-ምግባራዊ መትከላት ከም ግሉጽነት፣ ሓቛፍነት፣ ሓላፍነት፣ ዘይሻራዊነት፡ ተኣማንነትን ብሕትናን” ዝብል መምዘንታት ዝሕብር ሰነድ ምጥቃስ ይከኣል ቢሎም፣ ብመሰረት እቲ ኣብ መጻኢ እተገብረ ውዕል፣ "ነቲ ሓላፍነት ዚስምዖን ስነ - ምግባራውን ኣጠቓቕማ ስነ - ፍልጠትን እደ ጥበብን ሓድሽ ምህዞታትን ንምድንፋዕ" እተገብረ ተበግሶ፣ "ዓለም ለኻዊ ናይ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ምዕባለ ውዕል” መመላእታ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።