MAP

ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ቀዳማይ ውዕሎ ዕጽው ጉባኤ፥ ጸሊም ትኪ

ዕለት 8 ግንቦት ዝተኻየደ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ዕጹው ጉባኤ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ከም ዘይተመረጹ ዝሕብር ጽሊም ትኪ ልክዕ ሰዓት 11፡51 ደቓይቕ ከም ተፈነወ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እቶም 133 ካርዲናላት ዕለት 8 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘካየድዎ ዕጹው ጉባኤ ተካኢ ጴጥሮስ ከም ዘይመረጹ ልክዕ ሰዓት 11፡51 ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕትን ንኹሎም ነዚ መደብ ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝከታተሉን ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዘይተሓርዩ ዝሕብር ጸሊል ትኪ ከም እተፈነወ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቶም ኣብቲ ዕጹው ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ 133 ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርዩ ካርዲናላት ዕለት 8 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘካየድዎ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት፣ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣይመረጹን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ዕለት 8 ግንቦት ንግሆ እቶም ካርዲናላት ቅድሚ እቲ ዘካየድዎ ዕጽዉ ጉባኤ፣ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ጳውሎሳዊ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን፣ መዝሙረ ዳዊት ከም ዝደገሙን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 15፡45 ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ክእከቡን ሰዓት 16፡30 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሓርዩ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ክፍጽሙ ከም ዝኾኑ የመላኽት።

08 May 2025, 16:43