MAP

መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ኣብ ኣድላዪ ባህርያት ንመጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘተኮረ ዘተ

ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ መበል ዓሰርተ ክልተን ናይ መወዳእታን ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገደስቲ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ባህርያት ኣተኩይሮም ከም እተመያየጡን ኣብዚ እውን ጉባኤ ካርዲናላት፣ ጓሳ ሃናጺ ድልድልን ኣተባባዒ ተሃድሶን ዝብሉ ባህርይር ክህልዎም ምንዮቶም ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰሉስ ንግሆ ዕለት 6 ግንቦት ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ምጅማር ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ፣ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ፣ 130 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ሓዊሱ ብጠቕላላ 173 ካርዲናላት ከምዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ከም ወትሩ እቲ ዓውድ ጉባኤ ሰዓት 9 ንግሆ ብሓጺር ጸሎት ከም ዝተበገሰን፣ 26 ምትእትታዋት ምክያዱን፣ ብዛዕባ ካልእ ስፍሕ ዝብሉ ኣርእስታት እውን ከም እተመያየጡ የመላኽት።

ንኣብነት ብዛዕባ ኣብቶም ንቕድሚት ክስጉሙ ዘለዎም ጽገናታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየዱን፣ እዚ ድማ ብዛዕባ ግህሰት ዝምልከት ሕጊ ምውጻእ፣ ቁጠባዊ ጉዳያት፣ ሮማዊ ኩርያ፣ ሲኖዳውነት፣ ንሰላም ምስራሕ፣ ሓልዮት ፍጥረትን ዝምልከት ምንባሩ ብሩኒ ሓቢሩ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብዛዕባ ሕብረት ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ምስቶም ዝሕረዩ ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሃናጺ ድልድላትን ጓሳን መምህር ሰብኣውነትን ውጅሂ ሳምራዊት ቤተ ክርስቲያን ክኾኑ ምስ ዝብል ጻውዒት ብምትሕሓዝ ከም ዝገለጽዎ ድማ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ግዜ ኲናትን ዓመጽን ዓሚቝ ቀጽራዊ ውልትውናን ናይ ምሕረትን ሲኖዶሳውን ተስፋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘድልዩ ድማ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ሕገ ቀኖናን ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፣ ብዛዕባ ምፍልላይን፣ ተራ ካርዲናላትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ ብዛዕባ ዝቐራረብ ዘሎ ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉስን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታትን - ብሓባር ክረአ ዝግበኦ - ከምኡ’ውን ኣብ ሽመት ሓደስቲ ካርዲናላት ኣኼባታት ጉባኤ ካርዲናላት ከምዘድሊ ዘመላኸተ ዘተ ከም እተኻየደን፣ ካልኦት ኣርእስታት መባእታውያን ቅዱሳት ምስጢራትን ህንጸት ንወንጌላውነት ተግባር፣ ግጭትን ሃይማኖታዊ ናጽነት ድሩት ኣብ ዝኾነሉን ከባቢታት ዘሎ ምስክርነት ሰማእታት እምነት ምዝካር ከምኡ’ውን ህጹጽ ጉዳይ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ናይ ሓባር መዓልቲ ፋሲካ፣ ጉባኤ ኒቅያን ኤቁመናዊ ዘተን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን መግለጺ ብሩኒ ጠቒሱ እንክሕብር፣ እተሓሒዙ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምልክታ ዝኾነ ቀለበት ገፋፊ ዓሳ ገፈፍቲ ዓሳ ቐለቤት ፍሩስ ምዃኑ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝኣወጁን ኣፍሊጡ፣ ነቶም ኣብቲ እተፈላለየ ግጭታት ዝሳተፉ ጕጅለታት ከኣ ነባሪ ደው ምባል ተኹስን ነባርን ፍትሓውን ሰላም ንኽህሉ ዝቐረበ ናይቲ ጉባኤ ካርዲናላት ጻውዒት እውን ኣብቲ ጉባኤ ከም እተነበን እቲ ጉባኤ ድማ ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ከም እተዛዘመን ጉባኤ ካርዲናላት በዚ ስነ ስርዓት እዚ ቅድሚ ዕለት 7 ግንቦት ዝካየድ ዕጽው ጉባኤ ዘካይድዎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

ዘተ ብዛዕባ መደብ ዕዮ

Mass pro eligendo Pontifice - መስዋዕተ ቅዳሴ ንምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዳሴ ክህሉ ከም ዝኾነን። ስዒቡ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 15፡45 ድሕሪ ቀትሪ እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ካርዲናላት ካብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ናብ ሓዋርያዊ መንበር ናይ ማህሌታዊ ኣልባሳቶም ለቢሶም ናብ ሃዋርያዊ ህንጻ ኣቢሎም ናብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽመርጹ ናብ ዝእከብሉ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ዕጹው ጉባኤ ክጅምሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ብሩኒ ንጋዜጥይናታት ዝሃብዎ መግለጺ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሓሙስ ዕለት 8 ግንቦት ንግሆ ሰዓት 07፡45 ጉባኤ ምረጽቲ ካርዲናላት ካብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ናብ ሓዋርያዊ መንበር ክኸዱን ክልዕ ሰዓት 08፡15 ኣብ ጳውሎሳዊ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ውዳሴ መዝሙር ክደግሙን ብድሕሪኡ ሰዓት 09፡15 ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ጸሎት ሰዓታት ምስ ደገሙ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ክፍጽሙ እዮም ብርግጽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መሪጾም ድዮም እቲ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ክቕጽል ድዩ ዝሕብር ምልክት ትኪ ብግምት ድሕሪ ሰዓት 10፡30 ንግሆ ክህሉ ከም ዝኽእልን ጻዕዳ ትኪ እንተሃልዩ ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ሰዓት 12፡30 ድሕሪ ቀትሪ፡ መረጽቲ ካርዲናላት ንምሳሕ ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ክኸዱን ድሕሪ ቐትሪ ልክዕ ሰዓት 15፡45 ናብ ሓዋርያዊ መንበር ተመሊሶም ሰዓት 16፡30 ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ክፍጽሙ

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 3፡45 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሃዋርያዊ ቤተ መንግስቲ ተመሊሶም ሰዓት 4፡30 ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ድምጺ ምሃብ ክጅምሩ እዮም። ውጽኢት ናይ ድምጺ ስነ ስርዓት ዝገልጽ ምልክት ትኪ ብግምት ድሕሪ ሰዓት 17፡30 እዩ ዝህሉ እቲ ትኪ ጻዕዳ እንተኾይኑ ግን 19፡00 ጻዕዳ ምልክት ብግምት ክንርኢ ከም ዝኾንናን ድማ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበረን ዝኾነ ኮይኑ እቲ ናይ ድምጺ ስነ ስርዓት ምስ ተዛዘመ ኩሎም መረጽቲ ካርዲናላት ናብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝእንገድሉ ህንጻ ቅድስቲ ማርታ ክምለሱ እዮም ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 May 2025, 17:37