መበል 11 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ብዛዕባ ስደትን፣ ሲኖዳውነትን፣ ሓድነትን ዘትዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
132 ካርዲናላት መረጽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 170 ካርዲናላት ሰኑይ ዕለት 5 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ መተዮ ብሩኒ ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ኣኼባ ኣስታት 20 መደረታት ከም ዝቐረበን፣ ኣብ ሓያሎ መሰረታውያን ዛዕባታት ዘተኮረ ዘተ ከምእተኻየደን፣ እቶም ቀንዲ ዛዕባታት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ዝርአ ብሄረ - ማእከላውነት፣ ተርእዮ ስደት፣ ስደተይናታት ከም ህያብ፣ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ምድጋፍ እምነት ስደተይናታት ዝብሉ ምንባሮም እውን ኣመላኺቱ፣ ብዛዕባ ውግኣትን ግጭታትን ዝምልከቱ ኣርእስታት ብፍላይ ካብ ዞባታት እስያን ኣፍሪቃን ክፍሊ ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት መደረ ከም ዘስምዑን፣ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስን ዓቕለሲያዊ ሕብረትን ከምኡ እውን ንዝሕረዩ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምድጋፍ ተወፋይነትን ሓላፍነትን ካርዲናላት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ከም እተመያየጡ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካርዲናላት ኣብ ውሽጢ ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ዓለማት ዘተን ዝምድና ምህናጽን ዝብል ኣረኣእያ ማእከል ዝገበረ ናይ ሓደ ጓሳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተክለ ሰብነት ከም ዘስመሩሉን ኑፋቄያውነት ዘስዕቦ ብድሆታት ኣብ ዝብል ጉዳይ እውን ከም እተመያየጡ ኣመላኺቱ፣ እቲ ናይ ዕለት 5 ግንቦት መበል 11 ሓፍሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ሰዓት 19፡00 ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።