ሓድሽ ኣዋጅ ብዛዕባ ናይ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓሳባትን ወፈያታትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኸተምዎን ይኹንታ ዝሃብሉን ሰንበት ዘሆሳዕና ዕለት 13 ሚያዝያ 2025 ዓ.ም. ዝተዘርገሐ ካብ ሰንበት ዘፋሲካ ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዛዕባ ናይ ቅዳሴ ሓሳብን ዝወሃብ ምጽዋትን ዝምልከት - ድምጋገ ፣ መንፈሳዊ ቅንዕና መስዋእቲ ቅዱስ ቁርባንን ምእመናን ኣብ ዝልግስዎ ምጽዋት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም እምንቶ ንምሕላው ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸንሐ ሕገ ቀኖናን 1991 ዝወጸ ኣዋጅ Mos iugiter - ቀጻሊ ልምዲ ዝጸንዐ ኮይኑ፣ ምእመናን ብመሰረት ፍሉይ ሓሳብ ቅዳሴ ንኽበዓል ዝህብዎ ምጽዋት ክቕጽሉ ዝከኣል እኳ እንተኾኑ፣ እዚ ቅዱስ ትውፊት እዚ ግን ካብ ዝኾነ ይኹን ንግዳዊ ምልውዋጥ ዘምስሎ ተግባር ነጻ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዘለዎ የጉልሕ። እቲ ኣዋጅ ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ወፈያታት ከም ሓደ ናይ መንፈሳዊ ተሳትፎ መልክዕን ንደገፍን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።
ሓባራዊ ሓሳባት
እቲ ኣዋጅ ነቲ ብመሰረት ኣብ ሓደ ቅዳሴ ዝጥረነፍ “ሓባራዊ ዕላማታት (ሓሳባት)” ዝወሃብ ወፈያታት - ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቅድመ ኩነት ጥራይ እዩ ዝፈቅድ፣ እቶም ለገስቲ ብግልጺ ክሕበሩን ብናጽነት ክሰማምዑን ኣለዎም። እቲ ኣዋጅ ንብዝሒ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ በዓላት ዝያዳ ዝድርት ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ነፍሲ ወከፍ ወፈያን ፍሉይ ጽምብል ቅዱስ ቁርባንን ዘሎ ስርዓታዊ ምትእስሳር ንምዕቃብ ዝዓለመ እዩ።
እቲ ስርዓታት ኣብ እዋን ቅዳሴታት ነቲ ቃል ዝኣተዎ ናይ ቅዳሴ ሓሳብ ብቐሊል ምጥቃስ እውን ይኽልክል፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከም ከቢድ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስ ዝብሉ ጉዳያት ይምድቦ። ፍትሒ ምእመናንን ካብቲ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንግዳዊ ኣገባብ ክህልዎ ንዝገብር ተግባር ምውጋድን ዘጉልሕ ምዃኑ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ዝደንገጎ ሕጊ ብኣጽንዖት ኣመላኺቱ፣ ካብ ጳጳሳት ክትትል ክግበር ይጽውዕ፣ ንሳቶም ድማ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንምእመናን ክሃንጹን ኣተገባብራ ክከታተሉን ሓሳባትን መስዋእትታትን ቅኑዕ መገዲ ክሕዙን መታን ኣብ መዝገብ ዝተሓዝ ክኸውን ክከታተሉ ከም ዘለዎም ይእዝዝ።
ኣገዳስነት ጉስነት
ኣገዳስነት ጉስነት ኣብቲ ኣዋጅ ማእከላይ ኮይኑ ይቕጽል። ካህናት ዋላ ብዘይ ወፈያ (ምጽዋት) ንጽጉማት ቅዳሴ ከብዕሉ እቲ ኣዋጅ የተባብዑ፣ ጳጳሳት ሃገረ ስብከት ድማ ነቲ ትርፊ ናይ ቅዳሴ ሓሳብ ናብ ግዝኣታት ተልእኾ ወይ ንዝተጸገሙ ሰበኻታት ከቕንዕዎ ድማ የተሓሳስብ።
ቅድስቲ መንበር ዝወሰደቶ ተግባር፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ንምሕዳስ፣ ክብሪ ቅዱስ ቁርባን ንምሕላው፣ ኣብ ውሽጢ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝያዳ ግሉጽነትን ምትእምማንን ንምስፋን ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።