ንህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዝተወፈየ 7ይ መደብ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ንህሙማትን ህሙማንን ንዓለም ክንክን ጥዕናን ዝተወፈየ 7ይ መደብ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 5 – 6 ሚያዝያ ይካየድ ከም ዘሎን፣ እብዚ መደብ እዚ፣ ካብ ልዕሊ 90 ሃገራት ዝመጹ ህሙማትን ህሙማንን ሓኻይምን ኣለይቲ ህሙማንን ቀመምቲ መድሃኒትን፡ ኣባላት ክንክን ጥዕናን ሰብ ጥበብ መጋበርያ ሕክምና ዝርከብዎም ብጠቕላላ ኣስታት 20,000 ሰባት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ኣፍደገ
እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ መደብ፣ ዕለት 5 ሚያዝያ ንግሆ ብቅዱስ ኣፍደገ ብምሕላፍ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምታው ተጀምሩ፣ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ብማሕበራትን ውዳበታትን ምንቅስቓሳትን ዝተዳለወ “ዘተ ምስ ከተማ” ዝብል ተኸታታሊ ባህላዊ፡ መንፈሳውን ስነ - ጥበባውን መደባት ከም እተኻየደን።
ናይ ተስፋን ምሃብን ሓልዮትን ፍጻመታት
ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሮማ ቅርዓት ስጳይና፣ “ዋጋ ምሃብን ምትሕግጋዝን” ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ኢጣሊያ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተዳለወ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊሲከላ፣ ሚኒስተር ጥዕና ኢጣልያ፣ ከንቲባ ሮማን ካልኦት በርገሳውያን ሰበ ስልጣንን መደረ ዘስምዕሉ ዓውደ ጉባኤ ከም እተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ድሒሩ ኣብታ ዕለት እቲኣ ብጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ዝተኣንገደን ሮማ ብዝርከብ መንበረ ጥበብ ስነ - ህይወታዊ ሕክምና ዝተዳለወን “ኣባይቲ ሕክምና - ተስፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ መሕወዪ ክንክን ዝተመያየጠ ዓውደ ጉባኤ ከም እተኻየደን ምሸት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ብዛዕባ ምልጋስ ደም ንቕሓት ክህሉ ዘተባብዕ መደብ ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ሕክምናዊ ጉዳይ ናብ ጉዳያት ቅድስና
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሞኒካ ካብቶም መድሓኒት ገና ብዘይተረኸበሉ ተባሂሎም ብዝገለጹ ሕማማት ሓደ ዝተጠቕዐት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት ተማሃሪት ስነ ሕክምና ዝነበረት፣ ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትላ በነደታ ቢያንኪ ጉዳይ ዘማእከለ ናይዛ ብጽእቲ ሓብታ ኤማኑኤላ ቢያንኪ፣ ከምኡ እውን ብጽእቲ በነደታ ቢያንኪ ንቕድስና ዘብቅዕ መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ደራሲ ታሪኽ ህይወታ ኣባ ኣንድረያ ቨና መደረ ዘስምዕሉ መደብ ምክያዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ መደብ ጸሎት ምእንቲ ህሙማን ጸሎት ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ኣገልግሎቶም ኣብ ክንክን ጥዕና ዝኾነ ማሕበራት ውፉያን ዘቕርብዎ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም አኻየደን ከምኡ እውን "ኣሰር ብጹእ ሉዊጂ ኖቫረዘ ምስዓብ፣ ኣብ ተኣፋፍነት ህይወት በረኸት ምርካብ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ መደብ ጸሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም እኖ ኣብ ንስሓ ናይ ዝርከባ ነፍሳት ከም ኣተኻየደን ካልኣይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ኢዮቤል ንህሙማንን ኣብ መላእ ዓለም ሰብ ሙያ ሓልዮ ጥዕና ኣካላትን ዘሳተፈ ብሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ዝመራሕ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክዓርግን ብጹዕነቶም ነዚ ፍጻሜ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዳለውዎ ስብከት ከቕርቡ እውን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።