MAP

'ዘርኢ ሰላምን ተስፋን'፡ መርሕ ቃል ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት 2025 ዓ.ም.  ሓልዮት ፍጥረት 'ዘርኢ ሰላምን ተስፋን'፡ መርሕ ቃል ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት 2025 ዓ.ም. ሓልዮት ፍጥረት 

'ዘርኢ ሰላምን ተስፋን'፡ መርሕ ቃል ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት 2025 ዓ.ም. ሓልዮት ፍጥረት

ናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2025 ዓ.ም. ዕለት ሓደ መስከረም ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት መርሕ ቃል፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስ ኣብዚ ዓመት ዝመረጽዎ ሓልዮት ንፍጥረት ዝገልጽ ሓሳብ ዘማእከለ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓመታዊ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ነቲ ለምዘበን ካብ ዝሕተም ዓስራይ ዓመቱ ዘብዕል ቅዱስ ኣቦና ነቲ ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ውፈይ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከም ዘፍለጠን ዝኽተሎ መርሕ ቃል ድማ፣ “ዘርኢ ሰላምን ተስፋን” ዝብል ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝወሰኑ ኣመላኺቱ፣ ዓመታዊ ዝኽሪ ዘመነ ፍጥረት ካብ ዕለት ሓደ መዝከረም (ካብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት፣ ‘ሓልዮት ፍጥረት’) ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ (ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ) ዝካየድ ኤቍመናዊ ተብግሶ ዘለዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጠቒሱ ይሕብር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ናይ 2025 ዓ.ም. ወቕቲ ፍጥረት መርሕ ቃል "ሰላም ምስ ፍጥረት" ዝብልን፣ እቲ ዝተመርጸ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መወከሲ ናይቲ ተበግሶ ድማ ትንቢት ኢሳይያስ ምዕ. 32፡ 14 - 18 ምዃኑን ኣፍሊጡ።

እቲ መርሕ ቃል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናቶምን ናይቶም ኣብ ቀረባ እዋን ቅድሚኦም ዝነበሩን ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረን ሰላምን ሓልዮት ፍጥረትን ጥቡቕ ምትእስሳር ከም ዘለዎምን፡ ኣብ 1990ን 2010 ዓ.ም.ን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ ጳጳሳዊ መልእኽትታት ዘጉልሕ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ ኲናትን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝወርድ ዕንወትን ጽኑዕ ምትእስሳር ከም ዘሎን፣ እዛ መሬትና እዚኣ ድማ ብዘጋጥማ ዕንወትን ኣጽዋርን ምብኻን ጸጋታት ዝረኣየላ እያ።

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሰላም ዝምችእ ኩነታት ምእንቲ ክፍጠር፣ ማለት ተስፋ ዝፈጥር ነባርን ናይ ሓባር ሰላምን ምእንቲ ክፍጠር፡ ማሕበረሰብ ክርስትያን ብሓባር ክጽልዩ ዓዲሙ፣ ምሳሌ ዘርኢ ንነዊሕ እዋን ተወፋይነት ከምዘድሊ ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዘርኢ ሰላም ክቕልቀል ከምዝኽእል ተስፋ ዘመላኽት እውን ምዃኑ ከም ዘመልከተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Apr 2025, 17:31