ጸሎተ ሃይማኖት ዘኒቅያ - መግለጺ ክርስትያናዊ መንነት
ዜና ቫቲካን
ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 20 ግንቦት 2025 ክርስትያናዊት ዓለም ነቲ ኣብ ኒቅያ ፣ ብ325 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ እተፈጸመ ናይ መጀመርታ ኢቁመናዊ ጉባኤ ዝተጀመረሉ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ክዝክር ኢዩ። እዚ ጉባኤ እዚ ብቐዳምነት፣ ነቲ ብጸሎተ ሃይማኖት እተመሓላለፈ ናይ ምድሓን እምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ ውን ኣብ ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንዘሎና እምነት ዘምስክርን ዝገለጽን ዝእውጅን ኮይኑ፣ ጸኒሑ ብ381 ኣብ ቍስጥንጥንያ ብእተኻየደ ጉባኤ ውን ተዛዘመ።
እዚ ናይ ኒቅያ ጸሎተ ሃይማኖት እዚ መለለዪ ተግባራዊ መንነት እመነት ናይ ቤተክርስቲያ ኰነ ። በዚ ምኽንያት እዚ ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ሥነ መለኮት፣ ነቲ ኣብ ንኡስ-እስያ ሃጸይ ዝነበረ ንጉስ ቆስጣንጢኖስ ዝጸውዖ ጉባኤ ኣመልኪቱ፣ ሓደ ኣስታት ሰብዓ ገጻት ዘለዎ ሰነድ ከሰናዱ ወሰነ።
እዚ ሰነድ እዚ ነቲ መሰረታዊ ትርጕም ናይዚ ጉባኤ ጸሎተ ሃይማኖት ከም ሓደ ብሉጽ መዝገብ ምዃኑ ንምዝኽኻርን፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እትገብሮ ተሓድሶ ወንጌላዊ ተልኾ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነዚ ፍሉይ ሃብቲ ቤተ-ክርስትያን እዚ ንምጕላሕን እዩ ዝዓለመ።
እዚ ሓድሽ ሰነድ እዚ ኣብቲ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ንበዓለ ትንሣኤ ብሓባት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዘብዕላሉ ዘለዋ ዓመትን፣ ኣብ ዝኽሪ ዓመት ተስፋን ይዝከር ምህላዉ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ ።
ኣርእስቲ ናይቲ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 30 ሚያዝያ ዝወጸ ሰነድ ዝብል ኮይኑ፣ ሓደ ተራ ትምህርታዊ ጽሑፍ ሥነ መለኮት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ እምነትን ኣብ ህይወት ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዘለዎ ምስክርነትን ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዝህልወካ ዝገብር ጽማሬ ኰይኑ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ ።
ኣብ መወዳእታ ጉብኔ ኒቅያ ንመጀመርታ ግዜ ሓድነትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣድማሳዊ ደረጃ ("ኢቁመናዊ" ወይ "ዓለምለኻዊ" ደረጃ) ብመልክዕ ሲኖዶስ ከም እተገልጸ የመልክት። ስለዚ እቲ ናይ ፈለማ ኤቁመናዊ ጉባኤ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ እዋን እዚ እትዓዮ ዘላ ጕዕዞ ሲኖዳውነት መወከስን መተባብዕን ገይርካ ክርአ ዝከኣል ኢዩ።
ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት
ነዚ ሰነድ ኣብ 124 ሕጡበ ጽሑፋት ብምቕራብ፣ በቲ ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ሥነ መለኮት ኣብ ነፍስ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝገብሮ ዓስራይ ጉባኤኡ ብምስንዳው፣ ብዛዕባ ጉባኤ ኒቅያ ዘሎ ጽኑዕ ኣገዳስነት ዓሚቝ መጽናዕቲ ንምግባር ዝወሰዶ ውሳነ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ በቶም ኣባ ፊሊፕ ቫሊን ዝተሰምዩ ፈረንሳዊ ካህን ዝመርሕዎ፣ ብብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ኣንቶንዮ ሉዊዝ ካተላን ፌሬራን ከምኡ ውን ኣቡነ ኢትየን ቬቶን ዝቘመ ንኡስ ቤት ምኽርን ዝተመርሐን ኢዩ ዝነበረ፣ ክቡራን ካህናት ኣባ ማሪዮ ኣንጀል ፍሎረስ ራሞስን፣ ኣባ ጋቢ ኣልፍረድ ሃኬምን ከምኡውን ኣባ ካርል-ሃይንዝ ሜንከን፣ ምስኦም ሓቢሮም ድማ ፕሮፌሰራት ማሪያን ሽሎሰርን ሮቢን ዳርሊን ያንግን ዝተሰናደሰ ሰነድ ኢዩ ። እዚ ሰነድ እዚ ብ2024 ብዝተኻየደ ምርጫ ድምጺ ተዋሂቡሉን ተቐባልነት ረኺቡን እዩ ፣ ብድሕርዚ ናብ ኣቦ መንበር ናይቲ ቤት ምኽሪ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንኸጽድቕዎ ቀረበሎም። ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ደማ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስምረት ድሕሪ ምቕባሎም፣ ብ16 ታሕሳስ እዚ ሰነድ እዚ ንኽሕተም ፍቓድ ሃቡ ።
እዚ ሰነድ እዚ ኣብ መእተዊኡ "ስባሔ፣ ሥነ መልኮትን ኣዋጅን" ብዝብል መባእታ ውን ዝቘመ ኢዩ። ኣርባዕተ ምዕራፋት ሥነ መለኮታዊ ኣስተንትኖን፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና "ንመድሓኒና ኢየሱስ" ናብ ዅሎም ደቂ ሰባት ሰብኡትን ኣንስትን ንምስባኽ ዝጽውዕ ኣዋጅ ድማ ይዛዘም።
ነቲ ጸሎተ ሃይማኖት ብውዳሴያዊ መገዲ ምንባብ
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ "ምሳሌ ድሕነት - ስባሔን ዶግማዊ ሥነ መልኮት ኒቅያን" (nos. 7-47) ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲትነት ዘለዎ ሓሳባት የቕርብ። "ናብ ክርስትያናዊ ሓድነት ንምብጻሕ ሓድሽ መነቓቕሒ" ብምቕራብ ድማ፣ ሓደ "ናይ ምስጋና ምንባብ፣ ናይቲ ጸሎተ ሃይማኖት ከም ምልክት ሥነ ምድሓንን ከምኡ ውን ሥነ ክርስቶስን ሥነ ሥላሴን ኣብ ርእሲ እዚ ውን ሥነ ሰብን ሃብቲ መዝገብ ጸጋን ብምጕላሕ ሓደ ኣስተንትኖ" ይልግስ።
እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኢቁመናዊ ኣገዳስነት እምነት ኒቅያ ብምግላጽ፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝምሕጸንዎ ሓደ ሓባራዊ ዕለት በዓል ትንሳኤ ክህልወና ዘሎ ተስፋን ስምምዕን ትገልጽ ። ሕጡበ ጽሑፍ 43 ድማ ዓመተ 2025 ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን እተሕብር ምዃና ውን ትገልጽ - "እቲ ዘሎና ሓባራዊ ባይታ፣ ካብቲ ዚኸፋፍለና ኣጸቢቑ ኸም ዝዓቢ ንምጕላሕ፣ ብዋጋ ዘይሽነን ኣጋጣሚ ኢዩ ። ብሓባር ኴንና ኣብ ሥሉስ ኣምላኽን፡ ኣብ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብን፡ ኣብ ምድሓን ኢየሱስ ክርስቶስን ንኣምና ኢና፣ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝገልጽዎ ውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ጥምቀት ከምኡ ውን ኣብ ትንሳኤ ምዉታትንን ዘለኣለማዊ ህይወትን ንኣምን ኢና።"
እዚ ሥነ መለኮታዊ ቤት ምኽሪ ኣስዒቡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ ቁ. 45 ከምዚ ይብል - "ስለዚ ኸኣ ክርስትያን ምእመናን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ክብረ በዓል [ትንሳኤ] ዘለዎም ፍልልይ፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም ናይ ጉስነት ጸገም ይፈጥርን፣ ስድራቤታት ይኸፋፍልን ኢዩ እሞ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ወንጌል እተዋህበ ምስክርነት ዘዕንዎ ኢዩ።"
'ከነጠምቕ እንከሎና ንኣምን ኢና፣ ስለ እንኣምን ድማ ንጽሊ'
እንተዀነ ግን ድሕሪ ዓሰርተው ሸውዓተ ዘመን፣ ንመዝገብ ሃብቲ ጉባኤ ኒቅያ ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባል ንክርስትያናዊ ህላወና ብኸመይ ከም ዚምግቦን ከም ዚመርሖን ንኽንርዳእ ይድርኸና ። ስለዚ እታ ኻልአይቲ ምዕራፍ ናይዚ ሰነድ "ጽሎተ ሃይማኖት ኒቅያ ኣብ ህይወት ኣመንቲ" (nos. 48-69) ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሥርዓተ ኣምልኾን ጸሎታትን፣ ካብዚ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነ ጉባኤ ኒቅያ ኣትሒዙ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም ዝበልጸገ ትገልጽ። እዚ ሰነድ እዚ ኣብ ትምህርትታት ኣበው ቤተ-ክርስትያን እተመስረተ ዀይኑ፣ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ - "ክንጥመቕ ከሎና ንኣምን ኢና፣ ስለ እንኣምን ኸኣ ንጽሊ ኢና።" ሎሚ ውን እንተኾነ ክርስትያን ምእመናን ክርስትያናዊ ሰረተ-እምነት ንምቛም ካብቲ ወሳኒ ዝዀነ "ፈልፋሊ ህያው ማይ" ክቐድሑ ዝምሕጸኖም ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ኸኣ እዩ እዚ ሰነድ እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾን ምዕዳል ምስጢራትን፣ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ከምኡ ውን ስብከት ቃል ኣምላኽን፣ ኣብ ርእሲ እዚ ውን ኣብ ጸሎትን መዝሙራትን 4ይ ክፍለ ዘመን ህላዌ ናይዚ ጸሎተ ሃይማኖት እዚ ጐሊሑ ዝርአ ።
ሥነ መለኮታውን፡ ሥነ ኣቅላሲያውን ፍጻሜ
ሳልሰይ ምዕራፍ ናይዚ ሰነድ፣ "ጉባኤ ኒቅያ ከም ሥነ ለኮታውን ሥነ ኣቅላሲያውን ፍጻመ" (ቍ. 70-102) ኣርእስቲ ብምውሳድ፣ ኣስዒቡ ብዛዕባ ጸሎተ ሃይማኖት ናይዚ ጉባኤን፣ ብዓንዲ ርእሱ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤን "ብኸመይ ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ መንጐና ምርካቡ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከም ዘኽኣለናን፣ ንተሓድሶ ሓሳብ ደቅሰብ ብኸመይ ኣጋጣሚ ከም ዝኸፈተሉ ዝምስክር" ከም ምዃኑ ይገልጽ።
ቤተ-ክርስትያን ንገዛእ ርእሳ ዳግም ኣብ እትሃንጸሉን ተልእኾኣ ኣብ እትፍጽመሉን መገዲ፣ ሓድሽ ነገር እውን የመላኽት። "እቲ በቲ ግዜ እቲ ዝነበር ሃጸይ፣ ነቲ ኣብ ኵለን ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ግዝኣት ሮማን፣ ኣብቶም ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን ምዕራባዊ ግዝኣትን ዘስፋሕፊሑ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እዚ ጉባኤ እዚ ተጸውዐ" ብምባል እዚ ሰነድ ይገልጽ - "ንመጀመርያ ግዜ ካብ መላእ ኢቁመናዊ ሕብረት ጳጳሳት ኣብ ሓደ ሲኖዶስ ተኣከቡ። እቲ እዚ ጉባኤ እዚ ዝወሰኖ ዓንቀጽ እምነትን ቀኖናዊ ውሳነታትን ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ከም ሓደ ሓባራዊ ማዕቀን ኮይኑ ተረኽበ ። እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘበገሶ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሓድነትን ውህደትን ብሓድሽ መገዲ ኣብ ኣድማሳዊ ስፍሓት ብውጽኢታዊ መንገዲ ተገሊጹ፣ እቲ ብስራት ወንጌል ክርስቶስ ብዅሉ ምልኣቱ ድማ ክቡርን ልዕኡልን ስልጣን ዘለዎ መምርሒ ኮይኑ ቀረበ።" (ቁ. 101 ርአ)
ንኵሉ ሰብ ዝኸውን እምነት
ኣብ ራብዐይትን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ —"ናይ ዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ዝኾነት እምነት ምሕላው" (103-120)—"ንኩነት ተኣምኖት ናይቲ ኣብ ኒቅያ እተገልጸ እምነት፣ ኣብቲ ንባህርይን መንነትን ቤተ-ክርስትያን ዜብርህ መሰረታዊ ሥነ መለኮት እቲ ባህርይን መንነንት ቤተክርስቲያን ዝገልጽ ጐሊሑ ይርከብ፣ እዚ ድማ ቤተክርስቲያን ነቲ ማዕቀን እምነት ዝኾነ ዶግማ ወይ ሰረተ እምነት ናይ ምትርጓምን ምዕቃብን ሥልጣን ከምኡ ውን ንምእመናን ኣብ ምዕቃብ ብፍላይ ድማ እቶም ዝነኣሱን ተነቀፍትን ሥልጣን ስለ ዘለዋ ኢዩ።"
ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ሥነ መለኮት ከም ዝገለጾ ድማ፣ እታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብቐሊል መገዲ ዝሰበኻ እምነት፣ ተራን ቀላልን እምነት ኣይኰነትን ዝነበረት ። ክርስትና ንገዛእ ርእሳ ብሉጽ ተበግሶ ናይ ዝወስዱ ኣብ ገለ ውሑዳት ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ሃይማኖት ገይራ ርእያ ኣይትፈልጥን ኢያ ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ጉባኤ ኒቅያ ብሳላ ተበግሶ ሃጸይ ቆስጠጢኖስ እኳ እንተ ተኻየደ "ናብ ኣቅላሲያዊ ነጻነት ኣብ ዚግበር ነዊሕ ጕዕዞ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ዝነበረ ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ቦታ ንእምነት እቶም ኣብ ቅድሚ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ውሕስነት ዚህብ እዩ ዝነበረ ። "
ኣብ ዓመተ 325 እቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ሓባራዊ ረብሓ ንዅሎም እምእመናን ዝኸውንን "ቅሩብን" ኮይኑ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ካቶሊካዊ እምነት ዘይሰሓሓት ምዃኑ ብእምነት እቶም እተጠምቁ ሰባት ዚገልጽ ሰረተ እምነት ተረጋጊጹ ኣሎ። ጳጳሳት ንእምነት ኣብ ምግላጽ ፍሉይ ግደ እኳ እንተለዎም ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘጕልሕዎ ናይ መላእ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ኣቅላሲያዊ ሕብረት ከይኣቶኻ ክትግንዘቦ ዝከኣል ኣይኮነን።
ነባሪ ኣገዳስነት ጉባኤ ኒቅያ
እዚ ሰነድ እዚ ካብቲ ኣብ ኒቅያ ብብዙሕ ትርጕም እተገልጸ እምነት ኣትሒዙ "ሎሚ ንዅሎም ደቂ ሰባት ንመድሓኒና ኢየሱስ ክንሰብከሎም" ብዝቐረበልና "ህጹጽ ጻውዒት" ኢዩ ዝዛዘም።
ቅድሚ ኹሉ፣ ጉባኤ ኒቅያ እቲ ኻብኡ ዝመንጨወ መግለጺ እምነት ነባሪ ኣገዳስነት ኢዩ ዘለዎ። እዚ ድማ ንሕና ውን "ብክርስቶስ ተደኒቕና፣ ኵሎም ውን ምእንቲ ክግረሙ" ከምኡውን "ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብመለኮቱ ምስ ኣቦ ትኽክል ዝኾነ"፣ ነታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ክትቀጻጸል" ብምፍቃድ እዩ ። ኣምላኽ ንርእሱ ምስ ደቅሰብ ንዘለኣለም ሕብረት ከም ዝህልዋ ጌሩ ኢዩ ውን ይብሉ።
ካልኣይ፣ "ንኽውንነት" ዕሽሽ ምባል ወይ "ካብቲ ንዓለም ዘሳቕያን ንዅሉ ተስፋ ዘዳኽምን ዘሎ ስቓይን ህውከትን" ምርሓቕ ማለት ኢዩ፣ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ባህልን ትውፊትን ጽን ምባል ውን ኢዩ ዘስምዕ።
ሳልሳይ፣ "ነቶም ኣብ መንጎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘለዉ ንኣሽቱን ተነቀፍትን ጽን ኢልና ክንሰምዖም" ኣሎና ማለት እዩ፣ ከመይሲ እቶም ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ 'እተሳቐዩ' እቶም "ተስፋን ጸጋን ዜድልዮም፣ ኣብ ማእከልና ከም ክርስቶስ" እዮም። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል እተቐበሎ ስቓይን መከራን ስለ እተረድኦም ንሳቶም እውን ብግዲኦም "ሃዋርያትን መምህራንን ወንጌላውያንን ሰብ ጸጋን" ኪዀኑ ኽኢሎም እዮም።
ኣብ መወዳእታ፣ ስብከተ ወንጌል "ከም ቤተ-ክርስትያን" ወይ "ብምስክር ሕውነት" ክግበር ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንዓለም እታ "ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊት ከምኡውን ሓዋርያዊት" ዝኾነት ኣብ ርእሲ ውን "ብኣድማሳዊ ምስጢረ ድሕነት" ዝፍጸም ከም ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ፣ ጸሎተ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ክቡር መዝገብ፣ ጸጋ ጸሎት፡ ሊጡርጊያ ከምኡ ውን ዕደላ ምስጢራት ማለት ካብቲ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ እተገልጸ ጥምቀትን ብርሃን እምነትን ኢዩ ዘመንጩ። ወትሩ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ሞትን ሓጢኣትን ዝተዓወተ ዝተንስአ ክርስቶስ ደኣ እምበር ኣብቲም ተጻረርትና ኣይኰነን ዜተኵር፣ ምኽንያቱ ኣብ ምስጢረ ፋሲካ ብዘይካ እቲ ኣብ መወዳእታ ስዑር ዝኾነ ዲያቢሎስ እቲ ተጻራሪና ካልእ ዝሰዓር ስለዘየሎ።
ኣብ ዝሓለፈ 28 ሕዳር ኣባላት ዓለምለካዊ ቤት ምኽሪ ሥነ መለኮት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እተራኸቡሉ እዋን ቅዱስነቶም ንዕዮኦም ነኣድዎ፣ እዚ ሰነድ እዚ ዘለዎ ጥቕሚ ድማ ኣጕልሑ፣ እዚ ሰነድ እዚ "ንእምነት ምእመናን ንምዕጋብን ንምዕማቝን ከምኡውን ኣብ መንነት ኢየሱስ ተመርኲሱ ነቲ ብሰብኣውነት ክርስቶስ እተደረኸ ሓድሽ ባህላውን ማሕበራውን ኣገባብ ኣነባብራ ንምስትውዓልን ምስትንታንን ክህግዝ ዝኽእል ኢዩ።"
መዓልቲ መጽናዕቲ
ብዛዕባ "ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ወዲ ኣምላኽ፣ መድሓኒ" ዝገልጽ መዓልቲ መጽናዕቲ ብምኽንያት - መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ (325-2025)፣ ብ20 ግንቦት ሰዓት 9 ቅ. ቐ. ክሳዕ 7.30 ድ. ቐ. ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያና ክካየድ ኢዩ፣ ኣባኡ ድማ፣ ኣብ ምስንዳው ናይዚ ሰነድ እዚ እተሳተፉ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ሓሳባቶም ከካፍሉ ኢዮም።