MAP

ኣገዳስነት ‘ህላወ’ ኣብ እዋን ምናባዊ ክውንነት ኣገዳስነት ‘ህላወ’ ኣብ እዋን ምናባዊ ክውንነት  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ኣገዳስነት ‘ህላወ’ ኣብ እዋን ምናባዊ ክውንነት

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ካብ ዕለት 5 – 6 ሚያዝያ ህሙማትን ህሙማንን ንዓለም ክንክን ጥዕናን ዝተወፈየ 7ይ መደብ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምኽንያት ብምግባ ዕለት 6 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ናይ መዕጸዊ ናይቲ መደብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ንህሙማንን ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕናን ሰላምታ ንምቕራብ ማንም ከይተጸበዮ ምርኻቦም ዘማእከለ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ መወዳእታ ህሞታት ናይቲ ንህሙማትን ህሙማንን ንዓለም ክንክን ጥዕናን ዝተወፈየ 7ይ መደብ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም መዕጸዊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዝዛሙ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ምርኻቦም ትርጉም ዝመልኦ መልእኽቲ ዝውክል ምዃኑ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

ኣገዳስነት ‘ህላወ’ ኣብ እዋን ምናባዊ ክውንነት፣ ኣብዚ ካብ ድሕሪ ዝተፈላለዩ ዝተራቁ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢልና ኣብ ኩሉ ክንሳተፍ ከም እንኽእል ኣብ እንኣምነሉ ምናባዊ እዋን፣ ብኣካል ምርኻብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ብኣካል ኣብኡ ምህላው፣ ንምጉዓዝ፣ ንምውጻእ፣ ንምጽባይ ጻዕሪ ምግባር፤ ብእግሪ ንምጉዓዝ፣ ንኻልኦት ቀረባ ንምዃን ንምርሃጽን ድኻንም ንነብስኻ ንጸሓይ ወይ ንባእታታት ንምቅላዕ ጻዕሪ ምግባር፣ ምስ ኣጠማምታ ናይቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ብኣካል ክንራኸብ፣ ምስ ካልኦት ኴይንካ ክትመሃር፣ ካብ ካልኦት ክትመሃር ኣካል ናይ ሓደ ነጋዲ ህዝቢ ክትከውን የኽእለካ።

ተካኢ ጴጥሮስ ዕለት 6 ሚያዝያ ሰንበት ብሃንደበት ብኣካል ምርኻቦም ንህላወ ኣካላዊ ትርኢት ኪትክኦ ዚኽእል ነገር ከም ዘየለ ይምህሩና።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምሳና ምህላዎም ንባዕሉ ኻብ ዝዀነ ይኹን ቃላት ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ መልእኽቲ ኢዩ - ዋላኳ ዝወሃቦም ዘሎ ፍወሳ ውሕዘት ኦክስጅን ዘርእይ ይኹን ድኹም ድምጺ እውን እንተነበሮም ኣብኡ ክርከቡ ምድላዮም ሓጎስ እዩ።

ብድሕሪኡ ካልኣይ ትርጉም ኣሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ምስ ወጹ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኽቐርቡ ብፍላይ ኣዚዮም ቀረባ ምዃኖም ክገልጾም ዝኽእል ንሕሙማትን ንዝሳቐዩን ንዝሳቐዩ ዝከናኸኑን ዝተወፈየ ጽምብል ኢዮቤል መሪጾም።

እቲ ጽንኩር እዋን እኳ እንተ ኣብቅዐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳዕ ሕጂ ነቲ ሕማም ይጻወሩ ከም ዘለዉን። ኣብ መንጎ እቶም ተኣፋፍያን ተኣፋፊ ብምዃን ከምቲ በብመዓልቱ ከምቲ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ዚገብርዎ፣ ኣብ ምስጢረ ንስሓን ቅዳሴን ብምስታፍ ቅዱስ ኣፍደገ ብምሕላፍ ዓመተ ኢዮቤል ይነብሩ ኣለዉ።

ሰንበት ሰንበት እውን እንተ ዀነ ብሰንኪ ነድሪ ሳምቡእ ይሳቐዩ ስለ ዝነበረ ነቲ ድሮ ልደት ዝኸትውሉ ድርኵዂት ቕዱስ ማዕጾ ይሰግሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰንበት ንግሆ ብሃንደበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምርኻቦም ጓሳ ምስ መጓሰኡን ጳጳስ ምስ ህዝቡን ዘለዎ ርክብ ዝምስክር እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓካይም መጠንቀቕታ እኳ እንተ ሃብዎም፣ ንጥዕናኦም ኣብ ሓደጋ ኸም ዜእትዎ እናፈለጡ ልነሶም ምስ ሰባት ምርኻብ ኣየቋረጹን።

ከምዚ ክገብሩ ኣንከለዉ ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ክከታተልዎ ዝግብኦም ፍወሳ ብሰንኪ ከጋጥም ዝክእል ለብዒ ምዕጻው ወይ ጕዕዞ ዘይምግባር እውን ከይተረፈ ብኣካል ምርኻብ ንደሕንነቶም መተካእታ ዘይብሉ ውሳኔ ሓኻይም ምዃኑ ፍልጡ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ቕድሚ ሓደ ዓመት ዝበልዎ "ፍቕሪ ጭቡጥ ምልክታ የድልያ እዩ፣ ፍቕሪ ህላወን ምርኻብን የድልያ፣ ግዜን ቦታን የድልዮ፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ዚርከብ ባህ ዜብል ቃላት ወይ ምስልታት ኪቕየድ ኣይክእልን እዩ።"

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ብለውሃትን ወትሩ 'ዝዛረብዎም' ንዝነበረ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኢዩ ዘረጋግጹሎም እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

08 Apr 2025, 17:28