MAP

ካርዲናል ኮኽ: 1700 ዓመት ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ከም ዕድል ንሓድነት ክርስቲያን ካርዲናል ኮኽ: 1700 ዓመት ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ከም ዕድል ንሓድነት ክርስቲያን  (ANSA)

ካርዲናል ኮኽ: 1700 ዓመት ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ከም ዕድል ንሓድነት ክርስቲያን

ሎሚ ዓመት ብናይ ምብራቕን ምዕራብን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሓደ ዕለት ዝኽበር በዓል ፋሲካ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ናይ ኢጣሊያን ስዊዘርላንድን ካቶሊካዊ ማእከል መራኸቢ ብዙሓን ምስ እስተምየ ማዕከን ሓበሬታ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ስዊዘርላንዳዊ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፣ ቅድሚ 1700 ዓመት ብሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ዝተጸውዐ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቂያ ኣገዳስነቱ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ 1700 ዓመት ናብ ኒቅያ ኣብ እዋን ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ምምላስ ማለት ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምስ ኩሎም ክርስትያን ዓለም ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ዳግማይ ምርካብ ማለት እዩ። እቲ ካብ ቀዳማይ ኵላዊ ጉባኤ ዝወጸ ተኣምኖተ ሃይማኖት (ጸሎተ ሃይማኖት) ብምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብተን ተሓድሶ - ሉተራናውያን መበቆል ዘለወን፣ ዓቕለሲያውያን ማሕበረሰባት እውን ናይ ሓባር ኑዛዜ እምነት እዩ።

1700 ዓመት ድሕሪ ኒቅያ፡ ንእምነት ዝቐረጸ ጉባኤ

ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብቲ ምስ ናይ ኢጣሊያን ስዊዘርላንድን ካቶሊካዊ ማእከል መራኸቢ ብዙሓን ምስ እስተምየ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ “ኣብ 325 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ዘይተገማመዐት ከም ዝነበረት ገሊጾም፣ “ስለዚ ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ክርስትያን ማሕበረሰባት ነዚ ዝኽሪ እዚ ከብዕሉን ነቲ ኣብ ኒቅያ ቅርጺ ዝሓዘ ስነ ክርስቶሳዊ እምነት ብሓባር ክናዘዙ ይኽእሉ እዮም።” ናይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ - ጸሎተ ሃይማኖት (ተኣምኖተ ሃይማኖት) ክሳብ ሎሚ ኣብ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ከምኡ’ውን ኣብቶም ካብ ተሃድሶ ዝተወልዱ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝድገም እዩ፣ ስለዚ ጸሎተ ሃይማኖት እቲ ዝዓሞቐ ምልክት ሓድነት ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ሓደ ማእከላይ ነጥቢ ናይቲ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቂያ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ “ምስ ኣቦ ሓደ” ምዃኑ ምርግጋጽ እዩ ነይሩ። እዚ ትርጉም እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ጳጳስ እስክንድርያን ካህን ኣርዮስን ዝነበረ ስነ - መለኮታዊ ክርክር መወዳእታ ይገብረሉ፣ ንሱ ንክርስቶስ ከም “መንጎይና ፍጡር” ጥራይ እምበር ከም ወዲ ኣምላኽ ኣይረኣዮን። ስለዚ ድማ ይብሉ ካርዲናል ኮኽ፣ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብጽኑዕ ዝተወገዘ ኮይኑ፣ እቲ ጉባኤ ድማ መለኮታዊ ባህሪ ኢየሱስ ብዘየማትእ መንገዲ ከም ዘረጋገጸ የስተብህሉ።

ብድሆታት “ኣርያናውነት”

ኣስዒቦም ብጹዕነቶም፣ ኣብ ናይ ሎሚ እምነት ምስ “ኣርያናዊ ምግባር” ዘጋጥም ብድሆታት ከም ዘሎ ኣስሚሮም፣ ብዙሓት ኣመንቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብሰብኣዊ ሸነኹ ጥራይ ስለ ዝርድእዎ፣ ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ትርጕም ዘይብሉ ነገር ኪርአ ናይ ምግባር ክእለት ዘለዎ ዝንባለ እዩ። ከም ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ 32 ሚእታዊት ካቶሊካውያን ጥራይ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝገለጸ ይኣምኑ። ስለዚ ድማ ዝኽሪ መበል 1700 ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቂያ ነዚ ናይ ስነ ክርስቶሳዊ ኑዛዜ ዳግማይ ንምርግጋጽ ፍሉይ ዕድል ይህብ።

ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ንበዓል ፋሲካ ሓባራዊ ዕለት ምውሳን ዝብል ጉዳይ እውን ኣልዒሉ እዩ፣ እዚ ኣርእስቲ እዚ ክሳብ ሎሚ ኣካታዒ ኮይኑ ይርከብ። መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቂያ ነዚ ሕቶ ዳግማይ ንምምርማር ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝውክል ምዃኑ ካርዲናል ኮኽ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስተብሂሎም፣ “እቲ ድሌት ኣሎ፣ እንተኾነ ግን ሓድሽ ምፍልላይ ከስዕብ ዘይብሉ ረቂቕ ጉዳይ ስለዝኾነ ብዕምቆት ክንጥንቀቕ ክንገብር ኣሎና”። ገለ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ናይ ቍስንጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ከምኡ’ውን ቆብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ምስሪ በዓለ ፋሲካ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ክበዓል ኣለዎ ንዝብል ሓሳብ ይድግፋ፣ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ግን ነዚ ሃሳብ እዚ ዘይድግፉ ምዃኖም ካርዲናል ኮኽ ይሕብሩ።

ምሁራዊ ፍጻመታት

1700 ዓመት ዝኽሪ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቂያ ንምብዓል ቫቲካን ምስ ካልኦት ኣብያተ - ክርስትያን ብሓባር እተወደበ ኤቍመኒካዊ ፍጻመታት ከዳሉ መደብ ገይሩ ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ቅድሚ ዘጋጠሞም ሕማም እውን ከይተረፈ ኣብ በዓላት ኒቅያ ክሳተፉ ዘለዎም ድሌት ገሊጾም ነይሮም። ብጀካ እዚ ሰበኻታት ካህናት ስብከቶም ንጸሎተ ሃይማኖት ክውፍዩን እምነት ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ዘዕምቑ ኣኼባታት ብምውዳብ ነቲ ዝኽሪ ብዝግባእ ከብዕለኦ ከምዝኽእሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፣ ንብጽዕነቶም ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ታሪኻዊ ነጥበ መቐይሮ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ክብርታቱን መልእኽታቱን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ምስቲ ሎሚ ቤተክርስትያን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ክርስትያናዊ ሓድነት ንምድንፋዕን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እምነት ንምሕዳስን ዕድል ይህብ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

07 Apr 2025, 16:29