ከም ኣሕዋት ናብ ኒቂያ ምምላስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ 1700 ዓመት ናብ ኒቅያ ኣብ እዋን ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ምምላስ ማለት ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምስ ኩሎም ክርስትያን ዓለም ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ዳግማይ ምርካብ ማለት እዩ። እቲ ካብ ቀዳማይ ኵላዊ ጉባኤ ዝወጸ ተኣምኖተ ሃይማኖት (ጸሎተ ሃይማኖት) ብምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብተን ተሓድሶ (ሉተራናውያን መበቆል ዘለወን) ዓቕለሲያውያን ማሕበረሰባት እውን ናይ ሓባር ኑዛዜ እምነት እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዙርያ እቲ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኾነ ቅዉም ነገር ብሓባር ምምላስ ማለት እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ዝጥርንፈና ካብቲ ዝፈላልየና ስለ ዝሕይል፦ “ብሓባር፣ በቲ ኣብ ስሉስ ኣምላኽ፣ ብክርስቶስ ሓቀይና ሰብን ሓቀይና ኣምላኽን፣ ኣብ ምድሓን ብኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምን፣ ከምቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝንበብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምንቅስቓስን ብሓባር፣ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ሓደ ጥምቀት፣ ትንሳኤ ምዉታን ዘለኣለማዊ ሕይወት ንኣምን።" እዚ ድማ ናይቲ ብኣህጉራዊ ስነ መለኮታዊ ሽማግለ ኒቅያ ንምዝካር፣ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ መድሓኒ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዘሕተሞ ሰነድ ሕመረት እዩ ።
ካልእ ዕላማታት፡ እቲ ቀዳማይ ኵላዊ ጉባኤ፡ ድሮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሞት ክፍለ ዘመናት ዝነበረ ኣካታዒ ጉዳይ በዓለ ፋሲካ፣ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ዘብዕላሉ ዕለት ንምውሳን ዝዓለመን: ገሊኦም ምስ ናይ ኣይሁድ ፔሸክ (ፋስጋ) ብምትሕሓዝ ኣብ ወርሒ ኒሳን ኣብ መበል 14፡ ገሊኦም ድማ ድሕሪ ሰንበት ኣይሁድ ፔሸክ የብዕልዎ። ኒቅያ ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ምልእቲ ወርሒ ጽድያ እትመጽእ ሰንበት ከም ዕለት በዓል ፋሲካ ብምቕማጥ፡ ናይ ሓባር ዕለት ኣብ ምርካብ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
እቲ ኩነታት ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ብናይ ጎርጎርዮስ መበል 13 ጽገና ዓውደ ኣዋርሕ: ሕጂ ኣብ ምዕራብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ብመሰረት ጎርጎርዮሳዊ ዓውደ ኣዋሕ ነቲ በዓለ ፋሲካ ዝበዓለሉ ዕለት የቕምርኦ: እተን ኣብ ምብራቕ ዘለዋ ድማ ነቲ ቅድሚ ጎርጎርዮስያዊ ተሃድሶ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ ዩሊዮሳዊ ዓውደ ኣዋርህ ይኽተላ። ግን ብልክዕ ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ዓመት ኒቅያ፣ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ፋሲካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ማለት ሰንበት ሚያዝያ 20 ከብዕላ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎን ትንቢታውን ውሳነ እዩ።
ብጀካ እቲ ኤቁመናዊ መዳይ፡ ነዚ ናብ ኒቅያ ምምላስ ኣዝዩ እዋናዊ ዝገብሮ ካልእ መዳይ እውን ኣሎ። ድሮ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ናይቲ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን፡ እቶም ሽዑ ካርዲናል ዝነበሩ ጆሴፍ ራትዚንገር፡ “ሓድሽ ኣርዮሳውነት” ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ክርስቶሳዊ እምነት ናይ ብሓቂ ብድሆ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ እዚ ድማ እቲ ስነ ክርስቶሳዊ እምነት ቤተ ክርስቲያን ከም ኑዛዜ - እምነት (ተኣምኖተ ሃይማኖት) ናይ ኢየሱስ መለኮታውነት ንምልላይ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ይውክል። ንኢየሱስ ከም ኣምላኽ ዘይኮነስ ከም ሓደ ዓቢ ሰብ፡ ሰውራዊ፡ ፍሉይ መምህር ምርኣይ ዝብል ብድሆ ምህላዉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፣ ኣዋጅ ንቅያ ክሳብ ክንደይ እዋናዊ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና።
እቲ ሓድሽ ሰነድ ካልእ ሓደጋ እውን የጉልሕ፣ ልክዕ ብመንጽር ናይቲ ቀዳማይ፣ ማለት ምሉእ ሰብኣውነት ክርስቶስ ንምእማን ዝፍጠር ጸገም እዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ኢየሱስ ከም ሰብ ዘጋጠሞ ድኻምን ስምዒት ሓዘንን ሕርቃን ምሕዳግን ዝብል ምዃኑ የነጽር። ወልድ ብሓቂ ንሰብኣውነትና ምሉእ ብምሉእ ክነብሮ መረጸ። ኣብኡ፡ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ዝግለጽ ሰብኣውነት፡ ብክውንነት “ንኽቖስል” ኣብ ምፍቃዱ፡ ብስቓይ ናይቶም ዝረኽቦም ሰባት ይድረኽ፣ ነቶም ሓገዝ ዝሓቱ ድኻታት “እወ” ኣብ ምባሉ፡ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓይሊ ክንጸባርቕ ንርኢ። እብዚ ድማ ኣብቲ ትስብቱ ዘሎ ሓይልን ንዓና ከድሕነና ኢሉ ገዛእ ርእሱ ፍጹም ድኽ ክሳብ ምግባር ትሕት ምባል ከም ዝመረጸ ንርኢ።
(Andrea Tornielli)