MAP

2025.04.04 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'እምነት ብሓጎስ ክትካፈል ዝግበኣካ ሃብቲ እያ' 2025.04.04 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'እምነት ብሓጎስ ክትካፈል ዝግበኣካ ሃብቲ እያ'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'እምነት ብሓጎስ ክትካፈል ዝግበኣካ ሃብቲ እያ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ሃገራዊ ኢዮቤል ንግደት ስሎቫክያ ዝተሳተፉ ካብታ ሃገር ንዝመጹ ነጋድያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እምነት "ብሓጎስ ክካፈል ዝግብኦ ሃብቲ" ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ንኣምላኽ 'እወ' ምባል ከመይ ጌሩ ኣድማስ ሰላም ከም ዝኸፍት ምርኣይ ድማ ኣባና ምድናቕ ይፈጥር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነዚ ናይ እምነትን ሕብረትን ህሞት ንምክፋል ኣብ መንጎኹም ክህሉ ኣዝየ ምተመነኹ፣” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገራዊ ኢዮቤል ንግደት ስሎቫክያ ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎም ዝፈጥረሎም ሓዘን ኣብቲ ነቲ ሃገራዊ ኢዮቤል ነጋድያን ስሎቫኪያ ብዝመርሑ ብናይ ስሎቫኪያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኮሲቸ ሊቀ ጳጳሳት በርናርድ ሮበርት ዕለት 4 ሚያዝያ ዝተነበ መልእኽቶም ገሊጾም፣ ኣብዚ ብሔራዊ መደብ ንግደት ስሎቫኪያ ናብ ሮማ፣ ናይ ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ፒተር ፐለግሪኒን ሚኒስትራትን ኣብ ስሎቫኪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኒኮላ ጂራሶሊ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 4,300 ነጋድያም ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

እምነት ብሓጎስ ኣካፍሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም፥ "እምነት ብሓጐስ ክካፈል ዘለዎ ሃብቲ እዩ" ቢሎም፣ ኣብ ጽንኩር ኩነታት እውን ከይተረፈ እምነት፣ "ብተኣማንነት ንኽትዓብን ንኣምላኽ ግዙኡ ንኽትከውን ኣጋጣሚ" ከም ዝዀነት ኣጕሊሖም፣ ስለዚ እቲ ቀሊልን ቅኑዕን ዝዀነ ልክዕ ከም ማርያም "እወ" ምባል ሓደ ዓብዪ ነገር ንምፍጻም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ገዛእ ርእስና ንኸነእቱ የኽእለና . . . ሎሚ እወ ምስ እንብል ንርእስናን ነቶም ጐይታ ኣብ መገድና ዘንበሮምን ሓድሽ ናይ እምነትን ተስፋን ሰላምን ኣድማስ ንኽንከፍተሎም የኽእለና" እንክብሉ ኣተባብቢዖም፣ ነቶም ነጋዲያን ብሲኖዳዊ ኣገባባ ጽን ብምብህሃልን ብምስማዕን፣ "ሓድሽ ነገር ከይፈርሁ የግዳስ ነቲ ወትሩ ዘገርመና ተበግሶ ኣምላኽ ከስተውዕሉ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ምሉእ ህይወት ነጋድያን

ቅዱስነቶም “ንግደትኩም እምነት ንምሕዳስን ምስ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለኩም ሕብረት ንምድልዳልን ነቲ ተስፋ ዘየቑርጽ ተስፋ ብሓጐስ ንምምስካርን ናይ ዘለኩም ድሌት ጭቡጥ ምልክት እዩ” ቢሎም፣ ኢዮቤል ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝመጽእ ተስፋ ክንስዕቦ፣ “ናይ ምሉእ ዕድመ ነጋድያን ክንከውን ይጽውዓና”፣ ናብ ዘለኣለም ዝወስድ ጉዕዞ ክንገብር። እዚ ጉዕዞ’ዚ፣ ብቅዱስ ኣፍደገ ሓሊፉ መቓብር ሓዋርያትን ሰማእታትን ብምብጻሕ ዝዛዘም ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ንምእመናን ዜጋታት ስሎቫኪያ፣ “እዚ ጉዕዞ እዚ "ኣካል ናይቲ ብቅዱሳን ቀርሎስን ሜጠዲዮስን ብብዙሓት ቅዱሳን ምስክርነት ዝድልድል ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ብወንጌል ክርስቶስ ዝተመስነወ ሃብታም ክርስትያናዊ ልምዲ ሃገርኩም ኢዩ" ብምባል ኣፍልጦ ሂቦም፣

ኣብ መወዳእታ ነታ ብፍላይ ናይ ሸውዓተ ስቕያት እኖ ብዝብል መጸውዕ እተኽብርዋ ሓላዊት ቅድስቲ ሃገርኩም ቅድስቲ ማርያም ትመርሓኩምን ትሓልወልኩምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Apr 2025, 17:28