ሳልሳይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ከመይ ጌርካ ከም ብሓድሽ ከም እትትንስእ ምፍላጥ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣባ ፓዞሊን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ኣካላት ሓዋርያያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት፣ ዕለት 4 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ኣቃልቦኦም ኣብ ትንሳኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሮም፣ “ዘየጠራጥር . . . ኣብ ህይወት ክርስቶስ ንጉዕዞ ደቀ መዝሙርነት ኣዝዩ ዘነቓቕሕ ህሞት” እንክብሉ ኣባ ፓዞሊኒ፣ ምስ ኢየሱስ ብቐረባ ንኽንከውን ንምስጢረ ጥምቀት ምሕቋፍን ምስ ወንጌል ምትእስሳርን ኣማእኪሎም ድሕሪ ዘቕረብዎ ቀዳማይን ካላኣይን ኣስተንትኖ፣ ግሊጾም . . . “ንውሽጣዊ ድርኺት መንፈስ ምእዙዛት ኮይና ክሳብ ዝጸናሕና፣ ብናጻን ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ብዝሰማማዕን ኣገባብ ኣብ ካልኦት ማለት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነተኩር ዝመርሓና መንገዲ ክንስዕብ ዘኽእል ዓቕሚ ንረክብ . . . ናብ ትንሳኤ ምስ እንምለስ፡ “ብፍርሃት መከራን ሞትን ከይንደናገር፣ ጠመተና ናብቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝመርሓና ሸቶ ዘተኮረ ክኸውን ንመሃር” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
እዚ ጉዕዞ እዚ “ገዛእ ርእኻ ምኽሓድ” ዝሓትት እዩ ቢሎም፣ ካብ ውድቀት ክንትንስእ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል ሓሳብ ገዲፍና፣ ኣብ ክንድኡ ከም ብሓድሽ ክንጅምርን ንኻልኦት ዳግማይ ገዛእ ርእስና ክንከፍትን ከም እንኽእል ምትእምማን . . . የድሊ፣ ሰባኺ ቤት ጳጳስ ካብ ትንሳኤ ክንመሃረሉ እንኽእልን ምስ ግዜ ከነማዕብሎ ዝግበኣናን ሰለስተ ኣተሓሳስባታት የቕርቡ፣ ካብቲ ኢየሱስ ምሳና ዝመስረቶ “ናይ ውፉይን ናጻን ፍቕራዊ ርክብ፣” ነገራት ክም ዝሓሰብናዮ ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ከይንጉሂ ንመሃር፣ "ገና ብዙሕ ተመክሮታትን ርኽበታትን ከም ዘሎ ርግጸይናታት ብምዃን ጕዕዞኻ ምቕጻል ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ይኸውን . . . ስለዚ "ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ርክብ እውን ከይተረፈ" ናጻ ንምዃን ክትመሃር ኣድላዪ ኢዩ። ውሽጣዊ ናጽነት ነቲ ርክብ እንደገና ንኽንሃንጽ ዘኽእለና ናይ ሓቂ ይቕረታ ብምግባር፣ "ነቲ ናይ ህይወት ኣጋጣሚ እንደገና ንኸነሐድሶ" የኽእለና።
. . . “ብኸምዚ ኣገባብ እዚ ጥራይ እዩ ብዘይ ሕርቃን ወይ ቂምታ፣ ሓደ ሰብ ምስክር ናይቲ ክፍኣት ይኹን ሞት ክስዕሮ ዘይክእል ዝዓበየ ፍቕሪ ዝኸውን . . . ከም ብሓድሽ ናይ ምትንሳእ ክእለት "ምስ ጽንዓት ግብረ - ሰናይ ብቐጥታ ዝሰማማዕ ኢዩ፣ እቲ ሃልሃልታ ኣብ ልብና ብጐይታን በቲ ድሮ ኣብ ዓለም ዘሎ ማሕተም ናይ ዘለኣለም ህይወትን ብቐጥታ ዝመጣጠን ኢዩ " ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።