MAP

ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ተስፋ ምብጻሕ ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ተስፋ ምብጻሕ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ተስፋ ምብጻሕ

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ፓዞሊኒ ዕለት 11 ሚያዝያ፣ “ተስፋ ምስፋሕን” ምስ ትንሳኤ ዝተተሓሓዘ ሓላፍነትን ኣማእኪሎም ራብዓይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ፣ ዕለት 11 ሚያዝያ 2025 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ራብዐይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም.፣ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ከምኡውን ብዛዕባ "ዝከኣልን ኣድላዪን ነገራት ምስ ተፈጸመ ብኸመይ ከም እትሰናበት ምፍላጥን" ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ከም ዘቕረቡን፣ ኣብቲ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክሰናበት እንከሎ ዘቅረቦ ቃል ሰላምታ መሰረት ገይሮም፣ "ኢየሱስ በቲ ናይ ስንብታ ሰላምታ ኣቢሉ ሓርነት ናብ ታሪኽ ብምምላስ፣ ከምኡውን ደረት ናይ ሓደ ንዅሉ ዚሓቍፍን ኩላውን ተስፋ ብምስፋሕ ዝከኣለናን ግቡእናን ፈጺምና ክንሰናበት ከም ዘሎና ኣርእዩና እዩ" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ መወዳእታ ርክባት

ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተራኺቡ፥ “ኣብ ናይ ምሕዳግ ሕማም (syndrome - ኣዝህንህኖት) ንኸይወድቁ” ይሕግዞም . . . ብፍላይ ኢየሱስ ካብ ማርያም መግደላዊት ክሰናበት እንከሎ፣ ነቲ ንሞት ዝነበራ ፍርሒ ኽትስዕሮ ይሕግዛ። ማርያም ብሞት ኢየሱስ ተስፋ ቆሪጻን ዝኸስረቶ ኮይኑ ክስምዓ እንከሎ፣ ንጐይታ ከተለልዮ ዝኸኣለት ዳግማይ ናብ ተስፋ ህይወት ምስ ጸውዓ ጥራይ እዩ። “እዚ እቲ ትንሳኤ ዝቕርበልናን ክንስዕቦ ዝግብኣናን መገዲ ውዱእ ምልዋጥ እዩ . . . እዚ ድማ “ኣብ ሓዘን ተዓጽዩ ክጸንሕ ዘይደሊ ኣብ ልቢ ካልእ ክግለጽ ዘፍቅድን ምንቃሕ ልቢ እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ በቲ ካብዛ ዓለም ዝወጸሉ መንገዲ ክምለስ እዩ

ኣባ ፓዞሊን ቀጺሎም፣ እቲ የሱስ ንማርያም መግደላዊት ዘቕረቦ “ምስትውዓል” ብተመሳሳሊ “ኣብታ ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዝዓረገላ ህሞት ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ” ከም ዝተዘርግሐ ገሊጾም። ንኣርብዓ መዓልቲ – “ምሳልያዊ ናይ ፈተና ዘመን” – ኢየሱስ ደቀ መዛሙርቱ 'ነቲ ትንሳኤኡ ብዜስድዕን እተጋነነን ምስሊ ምቕያድ ኣብ ዝብል ፈተና መታን ከይወድቕዎ ምሳታቶም ብፍቕሪ ክነብር' መረጸ።

ኢየሱስ በቲ ካብዛ ዓለም ዝወጸሉ መንገዲ ክምለስ እዩ ዝብል መብጽዓ፡ “ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ዘመን ብኽብሪ ምምላሱ ከም ዝጽበየና . . . በቲ ህያው ምስክርነት እቶም ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ከም ዚነብር ዚገብርዎ ደቂ ኣምላኽ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ።

ናይ ድሌትን ህይወትን ሕብረት

ኣብ መወዳእታ ኣባ ፓዞሊኒ፣ “ዕርገት ጎይታ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዘንበሮ ዝመስል ባዶነት ዘምጽኦ ጣዕሳ ዝድምስስ እዩ . . . ኢየሱስ ናብ ኣቦኡ ምምላሱ፣ "በቲ ንኻልኦት ንምምስካርን ንምግልጋልን ተባሂሉ ክግለጽ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ምስኡ ውሽጣውን ዓሚቝን ርክብ ንምምስራት ዘድሊ ኣገዳሲ ኵነት" ምዃኑ ኣብሪሆም፣ እዚ ድማ ንዅሎም ፍጥረታት ዚዝርጋሕ ምስክርነትን ኣገልግሎትን እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጽቡቕን ሓድሽን ነገር

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ዘቕረብዎ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፣ ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ዝዀኑ ክርስትያን "ንሓቂ ወንጌል ክስብኡን ኪምስክሩን" ዝተጸውዑ ምዃኖም ገሊጾም፣ . . . ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ክንኹስኩሶ ዘሎና ዝዓበየ ተስፋ እዚ ኢዩ - ቤተ ክርስቲያን እምነታን ትውፊታን ኣብ እተሐድሰሉ እዋን፣ ኣብ ዓለም ኩላዊ ተስፋ ከለዓዕል ዝኽእል ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽቡቕን ሓድሽን ዝኾነ ነገር ከለልይ ይኽእል . . . ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንተኽእሎኦምን ነቲ "ናይ ተሓድሶ መሰኻኽርን ኣተሓባበርትን" ንምዃን ምስ ዘለዎም ጻውዒት ተሰማሚዖም ዝነብሩ ክኾኑ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ዝለገስዎ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Apr 2025, 16:56