MAP

ናይ መወዳእታ ድራር ጐይታ፣ ንሕና ከም ኢየሱስ ናይ ቁርባን ሰባት ንኹን

ዕለት 17 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ናይ መወዳእታ ድራር ጎይታ ዝሰርዑ ካርዲናል ጋምቤቲ ኣብ ዘስምዕዎ ስክበት፣ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ ዘርኣዮ ትሕትና ዝመልኦ ተግባር ኣስተንቲኖም፣ እዚ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተግባር እዚ ንቤተ - ክርስቲያን ከኣ ብፍቕርን ቀረባ ብምዃን እተገልግል ቅዱስ ቍርባን ክትከውን ዝጽውዓ ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት - ጸሎተ ሓሙስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ መወዳእታ ድራር ጎይታ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ዘዕረጉ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ካርዲናል ማውሮ ጋምቤቲ፣ ምእመናን ብዛዕባ ቀዳማይ ፋሲካ ኣይሁድ ከስተንትኑ ዓዲሞም፣ ምእመናን ናብቲ ሕመረት ዝኾነ ክርስትያናዊ ምስጢር ማለት ናብቲ “ኢየሱስ እግሪ ክሓጽብ ኣብራኹ ዓጺፉ ድንን ቢሉ ናብ ዝነበሮ ትሕትና” ክምለሱ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ቁርባን

ካርዲናል ጋምቤቲ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ እቲ ቐዳማይ በዓለ ትንሳኤ - ፋሲካ ኣብ ህሞት ዓወት ዘይኰነስ "ኣብ ማእከል ጊልያነትን ጭቈናን መከራን" ብኸመይ ከም እተፈጸመ፣ መጽሓፍ ዘጸኣት ጠቒሶም ነቲ ጐይታ ንሙሴ "ነቲ ደም ምስ ረኣኽዎ ክሓልፍ እየ" ዝበሎ ቓላት መሰረት ገይሮም ከም ዘብርሁን፣ ስለዚ እቲ ኣብ ልዳት ኣፍ ደገ እስራኤላውያን ዝነበረ ደም፣ ምልክት ዕቝባ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምልክት ህላወ እውን ኰነ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ዚቐጽዕ ዘዕቍብ መለኮታዊ ቅርበት ዘረጋግጽ ምንባሩ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ጥብቂ ርክብ እዚ ኣብቲ "ምጕዳል ፍትሕን ፍርህን ጥልመትን እምበር ግዜ ኽብሪ ዘይኰነ” ኣብ ናይ ኢየሱስ ፋሲካ ብዝያዳ ዝረኣይ ምዃኑ ገሊጾም። ይኹን እምበር ውሳጣዊ ርክብ ክምስርት ስለ እተሃንጠየ፣ ነተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ምስ ኣዕሩኽቱ ከሕልፎን ብሓባር መዓዲ ክቋደስን ደለየ። "እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ጕጅለ - ሰባት ኢዮም፣ "ዘይፍጹማንን ዝተፈላለዩን እዮም። ገሊኦም ሃንደበታውያን ገሊኦም ሕቡናት ገሊኣቶም ድማ ፈራሃት  . . . ኢየሱስ ሓደ ካብኣታቶም ኣሕሊፉ ኸም ዚህቦ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፣ ተምበርኪኹ ኣእጋሮም ሓጸበ።

እዚ ናይ ትሕትና ተግባር እዚ እዩ ንሓቀይና ክህነት ክርስቶስ ዝገልጽ፣ እዚ ድማ ልክዕ እቲ ዓለም ዘድልያ ዓይነት ካህንን "እታ ዝተጸዋዕናላ ቤተ ክርስቲያንን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትማሊ ከምዚ ሎሚ

ሎሚ እውን እንተ ዀነ ጥልመት ከም ዘሎ ካርዲናል ካምቤቲ ኣፍልጦ ሂቦም፣ "ኵሉ ሳዕ ይሁዳ ኣሎ" ኣብ ልዕሊ ሰባት ንመኽሰብ ቀዳምነት ዝህብ ስርዓታት ይኹን፡ ብጽልዋን ምሾትን ኣብ ዝፍተን ልቢ፣ እቲ ቅዱስ ዝኾነ ነገር ናይ ምሻጥ ሓደጋ ጭቡጥ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ . . . ትማሊ ከምዚ ሎሚ! ዛይዱ ዝርአ እዩ፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኢየሱስ ገና ተምበርኪኹ ኣሎ፣ ኢየሱስ ህላውነት እምበር ፍጽምና ከም ዘይሓትት ኣስተብሂሎም፣ ኣብ መወዳእታ ንቤተ ክርስቲያንን ኣባላታን ናይ ቅዱስ ቁርባን ህዝቢ ክኾኑ ጸዊዖም: "ከምኡ ክንፍተትን ክንካፈልን፣ እቲ እንቕበሎ ነገር ክንከውንን . . . እቲ እንቅበሎ ቅዱስ ቍርባን ንኹን!

"ጎይታ ኢየሱስ መዓልታዊ ብትሑት መልክዕ እንጌራን ወይንን ኴይካ ናባና ስለ ዝመጻእካ ነመስግነካ፣ ንዓና እውን ቅዱስ ቁርባን ግበረና" እንክብሉ ብዝደገምዎ ጸሎት ዘቕረብዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Apr 2025, 17:12