MAP

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ንሰኔጋል ኣብነት ሰላማዊ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ናብራ እንክብሉ ይገልጽዋ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ንሰኔጋል ኣብነት ሰላማዊ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ናብራ እንክብሉ ይገልጽዋ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ንሰኔጋል ኣብነት ሰላማዊ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ናብራ እንክብሉ ይገልጽዋ

ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዳካር ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቸይክ ኣንታ ዲዮፕ ኣብ ዘዳለዎ ሃይማኖታት ኣብ ዓውደ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ናብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሃይማኖታት ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ስጉምቲ ዘለወን ኣበርክቶ ብስፊሕ ከም ዘስተንተኑን፣ ንሰኔጋል ኣብነት ሰላማዊ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ናብራ እንክብሉ ከም ዝገለጽዋ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዳካር ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቸክ ኣንታ ዲዮፕ ካብ ዕለት 7 – 8 ሚያዝያ ሃይማኖታታት ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ዓውደ መጽናዕቲ፥ “ብዛዕባ ተራ ሃይማኖታት ኣብ ህንጸት ሰላምን ሽምግልና ግርጭታትን ዝተዋደደ ስነ መጽናዕታውን መንፈሳውን ኣስተንትኖ ንምቕራብ ዝኣመተ ኮይኑ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዕድመ ብዝተገብረሎም ኣብ ስነጋል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ዋልደማር ሶመርታግን ከም እተነበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ምኽትል ኣቦ መንበር ዋዕላ መምሃራን ኣይሁድ ኤውሮጳ ኣብ ፈረንሳ ራባይ ሞሸ ልዊን ሓዊሱ ኣብ ዳካር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት፣ ወከልቲ ሃይማኖታትን ባህልታትን ከም እተሳተፉን፣ ነቲ ጉባኤ ክኸፍቱ ትጽቢት ዝተገብረሎም ናይ ሃገረ ቫቲካን ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ቅድም ክብል ተታሒዙ ብዝነበረ መራሓ ግብርታቶም ምኽንያት ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎም፣ ሰኔጋል ኣብ ኣገልግሎት ሰላማዊ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ናብራ ንዝገበረቶ ጻዕሪ ዘመስግን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ኣብ ዳካር ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡክ ሊቀ ጳጳሳት ዋልደማር ሶመርታግ ከም እተነበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ዳካር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ዋልደማር ሶመርታግ
ኣብ ዳካር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ዋልደማር ሶመርታግ

ናይ ሰነጋል ኣብነት

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መልእኽቶም፣ “ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን ባህላውን ልምዲ ዘለዎም ሰባት ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ኣብ ሰኔጋል ትርጉም ዘለዎ ክውንነት እዩ” ቢሎም፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዕለት 22 ለካቲት ናብ ቫቲካን ዝበጽሑ ኣብታ ሃገር ክቡር ተጣባቒ ሰላምን ዘተን ዝኾኑ ናይ ባምቢሎር ካሊፋ ቲየርኖ ኣማዱ ባ ክብሪ ዘኪሮም፣  “ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ስድራቤት ኣስላም፣ ካቶሊካውያን፣ ፕሮቴስታንት፣ ከምኡውን ሰዓብቲ ባህላዊ ሃይማኖታት ብዘደንቕ ስኒት ብሓባር ዝነብሩሉ” ኣብነት ሰኔጋል ንኢዶም፣ እዚ ዅነታት እዚ፣ “ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዘደንፍዕን ኪዕቀብ ዚግብኦን ክብሪ እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከሊፋ ባምቢሎር ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዝገለጽዎ፡ “ሰኔጋል ኣብነታዊ መርኣያ ሰላማዊ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ናብራ ትውክል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣበርክቶ ሃይማኖታት

ሊቀ ጳጳሳ ጋላገር ብተወሳኺ "ዓለም ንግዚኡ ዓመጽ ምቁራጽ ጥራይ ዘይኮነስ ነባሪ ሰላም ኣዝዩ የድልያ ኣሎ፣ ኣብ ፍትሕን ምትሕግጋዝን ግብረ ገብን ሓቅን ዝተመርኮሰ ሰላም ክትረክብ ሃረር ትብል" ኣንክብሉ ኣስሚሮም፣ “ኣብዚ ኵነታት እዚ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃይማኖት ንሰላም ዕንቅፋት ዘይኰነስ፡ ኣገዳሲ ዓንዲ ምዃኑ ንምግላጽ ብንጥፈት ትጽዕር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣበርክቶ ሃይማኖታት ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ስጉምቲ “ካብቲ ኣብ ምልውዋጥ መንግስታት ወይ ፖለቲካዊ ስምምዓት ዝተሓጽረ ራእይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኪኖ ዝብል” ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሃይማኖታት ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘለዋ ራእይ “ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ኣብ ዘቕርቦ ፍሉይ ስነ - ምግባራውን ግብረ ገባውን ኣረኣእያታት እተመስረተ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ልምዲ: ኣብ መንጎ ሃገራት ንዝህሉ ርክብ ንምጽላው ዝዓለመ እዩ . . . “ሓይሉ ኣብ ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ጽልዋ ዘይኮነ ኣብ ልብን ኣእምሮን ውልቀ - ሰባት ናይ ምትንካፍ ክእለት ዘለዎ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንመጻኢ ዝኣመተ ሓድሽ ድራኸ

እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘሀብትም፣ ብዙሓት ኣብ ሰነጋል ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ሓደ ዘራኸበን፣ “ሰኔጋል ኪኖ ዶባታ እውን ከይተረፈ ናይ ሓባር ህይወት ኣብነት ምዃና ኩሉ ይፈልጦ እዩ” እብክብሉ መልእኽቲ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘንበቡ ኣብ ዳካር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ዋልደማር ሶመርታግ ገሊጾም፣ እቲ ምትእኽኻብ “ንመጻኢ ሓድሽ ድራኸ” እንክብሉ ገሊጾም፣ ቤተ ክርስቲያን እትብሎ ነገር ኣብ ዓለም ኣዝዮ ኣቓልቦ ዝወሃበሉ ድማ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ኣብ መንበረ ጥበብ ቸይክ ኣንታ ዲዮፕ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ፍረ ከምዝፈሪ ተሳተፍቲ ኣረጋጊጾም፣ ሊቀ ጳጳስ ሶመርታግ፣ ኣብ ሰኔጋል ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣናደልደለ ይቕጽል ከምዘሎ ዘርኢ ትርጉም ዘለዎ ምልክት፣ ናይ ዚያራ ባብቢሎር ከሊፋን ምእመናን ኣስላም ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ መራሒቲ ሃይማኖታት ወይ መካነ ንግደታት ዝገብርዎ ምብጻሕ ኮይኑ፣ ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ዘራኽብ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

11 Apr 2025, 17:37