MAP

ቅድስቲ መንበርን ሩስያን ኣብ ዩክሬን ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝዓለመ ተበግሶታት ይዘራረባ ቅድስቲ መንበርን ሩስያን ኣብ ዩክሬን ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝዓለመ ተበግሶታት ይዘራረባ 

ቅድስቲ መንበርን ሩስያን ኣብ ዩክሬን ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝዓለመ ተበግሶታት ይዘራረባ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ምስ ሩስያዊ መዘንኦም ብስልኪ ተራኺቦም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ወተሃደራዊ ስጉምትታትን ደው ንምባል ዝዓለመ ተበግሶታትን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ጻዕርታት ክቕጽልን ኣብ መንጎ ኽልተኤን ሃገራት እሱራት ናይ ምልውዋጥ መስርሕ ክቀላጠፍን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሃገረ ቫቲካን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፌደራላዊት ሩስያን ሰርገይ ላቭሮቭ፣ ዓርቢ ዕለት 4 ሚያዝያ ብስልኪ ተራኺቦም፣ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያትን ብፍላይ ድማ ኩነታት ኲናት ዩክሬን ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሃገረ ቫቲካን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፌደራላዊት ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭን፣ “ኣብ ሓፈሻዊ ቅርጺ ዓለማዊ ፖለቲካ ዘተኮረ፡ ብፍላይ ንኹነታት ኲናት ዩክሬንን ንወተሃደራዊ ስጉምትታትን ደው ንምባል ዝዓለመ ገለ ተበግሶታትን ኣቓልቦ ሂቦም” ከም እተመያየጡን፣ “ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምልውዋጥ እሱራት ብዝምልከት እተካይዶ ሰብኣዊ ጻዕርታታ ክትቅጽሎ ድልውቲ ምዃና እውን ከም ዘረጋገጸት ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ መወዳእታ፡ ገለ ምስ ሃይማኖታዊ ህይወት ዝተኣሳሰሩ ብፍላይ ድማ ንኹነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ፈደራላዊት ሩስያ ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ዝፈተሹን የመላኽት።

እሱራት ምልውዋጥ

ኣብ ወርሒ መጋቢት፣ ሩስያን ዩክሬንን ነፍሲ ወከፈን 175 እሱራት ከምዝተለዋወጣን፡ እዚ ድማ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኩናት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ዝዓበየ ምልውዋጥ እሱራት ዝተኻየደሉ ኮይኑ፣ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማሪያ ዛክሃሮቫ፣ ቫቲካን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዩክሬን ኣብ ዝተገብረ ክልተ መደብ ምልውዋጥ እሱራት ልዕሊ ደርዘን ወተሃደራት ሩስያ ናጻ ተለቒቖም ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዘካየዶ ሽምግልና ኣፍልጦ ከም ዝሃበትን፡ ዛክሃሮቫ ኣብ ወርሒ ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ዘለዎም መርገጽን ጭቡጥ ሰብኣዊ ውጽኢት ምትሕብባር ሩስያን ቅድስቲ መንበርን ንኢዳ ከም ዝነበረት ዘዘኽኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ጉዳይ ጻዕርታት ንምምችቻእ ቅድስቲ መንበር ድልውቲ ምዃና ብምርግጋጽ፡ እሱራት ክለዋወጣ ዘይሕለል ጻውዒቶም ደጊሞም ከም ዘቕረቡ የመላኽት።

05 Apr 2025, 17:39