MAP

2025.04.04 "Maria Rosa Mistica" 2025.04.04 "Maria Rosa Mistica" 

ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘምጢራዊት ጽጌሬዳ ተባሪኻ

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ መንፈሳውነት ቅድስተ ማርያም ዘምስጢራዊት ጽጌረዳ ሓደ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከም ዘውጽአ ዝዝከር ኢዩ፣ ብመሰረት እዚ ሰነድ እዚ ድማ ምስሊ ቅድስተ ማርያም "ዘምስጢራዊት ጽጌረዳ" ተባሪኹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ምጅማር ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ሓወልቲ "ቅድስተ ማርያም ዘምስጢራዊ ጽጌረዳ" ባሪኾም።

እታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተወፈየት ሓወልቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን እትርከብ ኮይና፣ ኣብ ጥቓ ሓደ ልፋሊ ማይ ዘሎ ቤተመቕደስ እተተኽለት ኢያ።

ገለ ኻብቶም ኣብቲ ሥርዓተ ቡራኬ እተረኽቡ ድማ ክልተ ጸሓፍቲ ናይቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኣቡነ ጆን ጆሴፍ ኬነዲ ከምኡውን ክቡር ኣባ ኣርማንዶ ማትዮ ኢዮም ዝነበሩ። ከምኡ ውን ዋና ጸሓፊ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኤሚልዮ ናፓን ኣብቲ ሥርዓተ ቡራኬ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንመንፈሳውነት ቅድስተ ማርያም ዘምስጢራዊት ጽጌረዳ እተዋህበ ፍቓድ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እዚ ብዛዕባ ጉዳያታ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብቲ መልእልተ ባህርያዊ ግልጸታት ተባሂሉ ዚእመነሉ ሓድሽ መዐቀኒታት ተመርኲሱ ውሳነ ለ፣ ዝወሰደ ዝዝከር ኢዩ፣ እዚ ውሳነ እዚ ምስቲ ፒሪና ጊሊ ዝረኸበቶ ራእይን መልእኽትታት ብዚተሓሓዘ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም "ዘምስጢራዊት ጽጌሬዳ" ብዚብል ስያሜ ናብ ምእመናን ክመሓላለፍ ዘለዎ መንፈሳውነት ክኸውን ዝፈቅድ ውሳኔ ኢዩ ዝነበረ።

ብዘይካዚ እቲ ውሳነ ኣብያተ - ክርስትያንን ቅዱስ ቦታታትን ንማርያም በዚ መዓርግ እዚ ኺውፈዩ ውን ዝፈቕድ ኢዩ።

ፍርዲ ዲካስተር

 ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ዝኾነ ሰብ "ምስዚ መንፈሳዊ ተመክሮ እዚ እተተሓሓዘ ኣሉታዊ ስነ-ምግባራዊ መዳያት ወይ ካልእ ጊጉይ መዳያት" ከም ዘይረክብ ኣመልከቱ። "ኣብ ክንድኡስ ምእመናን ኣብቲ መልእኽትታት ብሓፈሻ ጐሊሑ ዝርአ እተፈላለየ ኣወንታዊ ረብሓታት ክረክቡ ይኽእሉ ኢዮም " ውን  በሉ ።

እቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ዘምስጢራዊት ጽጌረዳ" ዝብል ስያሜ ኸምኡውን "ኣደ ቤተ-ክርስትያን" ዚብል መዓርግ ዘለዎ መልእኽቲ ምስቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሞንቲኪያሪ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ብረሽያ ዚርከብ ከባቢ ዝርከብ ቤተመቕደስ እተተሓሓዘ እዩ።

ፒሪና ጊሊ እዚ ራኢ ዝተገልጸላ ኣደ ኻብ ሓረስቶት ስድራቤት እተወልደት፣ ኣብ ሆስፒታል ከኣ ከም ኣገልጋሊት ጽሬትን ኣላዪትን ኰይና ትዓዪ ነበረት፤ ብ1991 ኣብ 80 ዓመት ዕድሚኣ ኽሳዕ እትመውት ድማ ተራ ናብራ ትነብር ዝነበረት ምእመን ኢያ።

እቲ መንፈሳዊ ተመክሮኣ ኣብ ክልተ እተፈላለየ እዋናት ኢዩ ተፈጺሙ፣ እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ብ1947 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ተገልጸትላ ኣነ እታ "ምስጢራዊት ጽጌረዳ" ኢየ ክትብል ነገረታ፤ ከምኡ ውን "ኣደ ቤተ-ክርስትያን" ዝብል ስያሜ ከም ዘለዋ ነገረታ። እታ ዝተራእየታ ድንግል ማርያም ኣብ ጻዕዳ ክዳና ሰለስተ ጽጌረዳ ኸም ዝረኣየት ውን ትገልጽ ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ጻዕዳ ሓደ ቐይሕ ሓደ ድማ ብጫ ኮይኑ ንጸሎትን ንስሓን መከራን ዜመልክት እዩ ዝነበረ ።

እቲ ኻልኣይ ራኢ ብ1966 ኣብ ፎንታነል እዩ ዝነበረ። ኣብዚ ቦታ እዚ ብዕለት 13 ግንቦት እታ ኣገዳሲት ዕለት ድንግል ማርያም ንፒሪና እተወሰነ ጽድያ ኸም እትጸርግን ምንጪ ጸጋ ኸም ዝዀነትን ሓበረታ። ካብ 1966 ኣትሒዙ ኣብቲ ቦታ እቲ ቤተ-ክርስትያን ዘይኰነስ ክፉት ኣምፊትያትር ዘለዎ መቕደስ ኣብ ምህናጽ ዕዮ ተጀመረ። በቲ ሓደ ሸነኽ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ቤተ-ክርስትያን ኮነ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝርከበሉ ቦታ ከቢቡ ይርከብ።

15 Apr 2025, 16:43