MAP

20th anniversary of the death of MAP John Paul II

ካ. ፓሮሊን ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መስዋዕተ ቅዳሴ የዕርጉ

ብዕለት 2 ሚያዝያ 2025 ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝዓርግ መሥዋእተ ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዝኽሪ ዕለተ ዕረፍቲ እቶም ፖላንዳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ ዋዜማን ንዝካፈሉ ምእመናን ድማ ዘተባብዕ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕለተ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ብዕለት 2 ሚያዝያ ብብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ልክዕ ሰአት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ኢዩ።

ኩሎም ምእመናን ድማ ኣብቲ ጽባሕ ድሕሪ ቀትሪ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ ተዓዲሞም ኣለዉ። ናይ ተሳትፎ ወረቐት ውን ኣየድልን እዩ ።

በታ ምሸት እቲኣ ሰዓት ልክዕ ሰዓት 9 ድ. ቀ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብፖላንሳውያንን ኢጣሊውያንንን ምእመና ዝምራሕ መደብ ጸሎት ዘሰርክ ውን ክካየድ ኢዩ። እዚ ጉባኤ ጸሎት እዚ በቶም ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ፖላንድ ዝኹኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ታደዩሽ ቮይዳ ከምኡውን በቶም ካብ 2005 ክሳዕ 2016 ንነዊሕ እዋን ናይ ብሕቲ ጸሓፊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዃን ዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስዋፍ ዲዝቪሽ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ኢዩ ።

ብዕለት 12 ለካቲት 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዝሳተፉ ምእመናን ድማ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ዝዝከር ኢዩ።

ቅዱስነቶም ኣብታ ናብ ካርዲናል ዲዝዊዝ ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ንኵሉ ሰብ ሰላማዊት ዓመት እልልታ ብመንፈስ ተስፋ እምነየሎም ከምኡ ውን ንኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን እምሕጸን፣ ንዓኻትኩምን ንዅሎም እቶም ኣብቲ በዕለት 2 ሚያዝያ ተዘኪሩ ዝውዕል ጽምብላት ዝካፈሉ ምእመናን ድማ ብምሉእ ልበይ ሓውርያዊ ቡራኬይ የካፍሎም ኣሎኹ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።

ካርዲናል ባልዳሳር ራይና ዓቃቤ መንበር ሰበካ ሮማ ንኹሎም ካህናት ዲያቆናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ማሕበራትን ከምኡውን ንኵሎም እሙናን ሰበኻ ሮማ ኣብቲ ዝካየደ መደባት ጽሎት ክሓብሩ ጻውዒት ብምኽራብ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ - "ስለ እቲ ዓብዪ ህያብ ህይወት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንጐይታ ምስጋና እነቕርበሉ እዋን ክኸውን ኢዩ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

01 Apr 2025, 13:08