MAP

2025.04.15 La Pontificia Accademia Ecclesiastica 2025.04.15 La Pontificia Accademia Ecclesiastica 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም እናዓዘዘ ዝኸይድ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት መሰረታዊ መዳያት ተሓድሶ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም (ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዓቕለሲያዊ ተቕዋም) ስነ ፍልጠት የጉልሑ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ተቕዋም “ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት መሰኻኽር ንምሕናጽ ዝተጸውዐ፣ ናይ ዘተን ፍትሕን ድልድላት ንምህናጽ ቃል ዝኣተወ ትካል” እንክብሉ ከም ዝገልጽዎ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ብኢዶም ብዝጸሓፍዎ ሰነድ ነቲ ቅድሚ ልዕሊ ሰለስተ ዘመን ዝተመስረተ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተቕዋም፣ ሓዋርያዊ ልኡካን ናይ ምህናጽን ምድላውን ናይ ምሕናጽ ተልእኾ ዘለዎ ትካል ተሓድሶ ብወግዒ ዘቐምጥ እዩ። ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ሓላዊ ኮይኖም ዘገልግሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ብዛዕባ ቀንዲ ነጥብታት ናይዚ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ተሓድሶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንከብርሁ፣ ናይ ቫቲካን ኣምባሳደራት - ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት፣ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን ንዝካየድ ዘተ - ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓተትዎ ብትብዓትን ብመሃዝነትን - ዘተባብዕን ኣብዚ መዳይ ዝውፈን ኣገልግሎት ምዃኑ የነጽሩ።

ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ቅድሚ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ዝተመስረተ እዩ። መሰረታዊ ዕላምኡ ከም ቀደሙ ድዩ . . .  
እቲ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም (ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ዝህነጽሉ ናይ ትምህርቲ ተቕዋም) ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ከም ንቑሓት ኣዒንቲ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዘገልግሉ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት ኣብ ምህናጽ ይቕጽል ኣሎ። ዶብ ዘይፈልጥ ወንጌላዊ መንፈስ ሒዞም ኣብ ኣህጉራዊ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘተ ይሳተፉ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ምስ ክርስትያናዊ ራእይ ቤተ ክርስቲያን ዝሰማማዕ ነዚ ራእይ ብምትርጓም፣ ዝያዳ ፍትሓውትን ሕውነታውትን ዓለም ንምህናጽ ኣበርክቶ ዝገብሩ ናይ መፍትሒታትን ሓሳብ ከቕርቡ ይጽውዑ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኻን ዝሓንጽ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ዝተዋፈሩ ወትሩ ዓሚቝ ኣቓልቦ ዝህቡ እዮም። ቅዱስ ኣቦና ከም ዝበልዎ፣ ሓደ ንፉዕ ናይ ቫቲካን ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካል ክውንኖ ዝግበኦ መሰረታዊ ባህርያት እንታይ እዮም?
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሓዋርያዊ ልኡካንን ቀወምቲ ተዓዘብትን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝገብርዎ ርክባትን ኣኼባታትን ብዙሕ ግዜ ንጳጳሳዊ ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት፣ "ወትሩ ሳንጣ ኣብ ኢዶም ዝሓዙ ካህናት" እንክብሉ ይጽውዕዎም፣ እዚ ድማ ጉስነታዊ፣ ወንጌላውን ኵላውን ባህሪ ኣገልግሎቶ ናይቶም ኣካላት ዘጉልሕ እዩ። እዚ ናይ ወንጌላዊ ኣገልግሎት መንፈስ  እዩ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ንኽኾኑ ዝሕረዩ ዝመሃሩሉ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቝዋም ዝኽተሎ መስርሕ ዳግማይ ክውድቡ ዝደረኾም፣ ምድላዋቶም ንምሕያልን ምስ ናይ ሎሚ ብድሆታት ንምትዕጽጻፍን ዝዓለመ እዩ። እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ታሪኽ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት ሓድሽ ምዕራፍ ዘመልክት እዩ።

ሕመረት ናይቲ ተሃድሶ ንመልከት . . . እቶም ኣገደስቲ ለውጥታት እንብሎም እንታይ እዮም፧ እቲ ብድሕሪ ውሳነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘሎ መንፈስ እንታይ እዩ?
ምስቲ ተሓድሶ፣ እቲ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ምስቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም - ናይ ሓቂ ሓሴት  ተቐሚጡ ዘሎ መሃዛዊ ራእይ ምስቲ ኤውሮጳ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝሰማምዑ “መስርሕ ቦሎኛ” ዝብል ኣህጉራዊ ስነ ትምህርታዊ ደረጃታት ዝሰማማዕ ምዕቡል ትምህርትን ምርምርን ስነ ፍልጠት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተቕዋም ኮይኑ ዝቖመ እዩ። ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ሕጂ ንተማሃሮ ጎኒ ጎኒ ቀንዲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መጽናዕትታት፣ ሕጋዊ፣ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስነ - ፍልጠታት ዘዋሃሃደ ስርዓተ ትምህርቲ ብምሃብ፣ ቀዳማይ ደረጃ ማዕርግ ስነ ፍልጠት ዝመጣጠን ብካልኣይ ማዕርግ ከምኡ እውን ክሳብ ማዕርገ ሊቕነት ዝህብ እዩ። እዚ ዝተሓደሰ ናይ ስነ መጽናዕቲ ቅርጺ፣ ናብ ሱር፣ ናብቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ምዕራፋት ዝተመርኮዘ መብዛሕትኡ ግዜ ብጸገም ዝልለይ መስራቲ ራእይ ናብ ዝኾነ መበቆሉ ምምላስ ንዝብል ኣምር ዝውክል እዩ። ይኹን እምበር እዚ ዅሉ ብድሆታት እናሃለወ ክነሱ፣ እዚ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም እዚ ንር.ሊ.ጳጳሳት ንምግልጋል እተመስረተ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኢዶም ኣብ ዝጸሓፍዎ ሰነድ ዝሓትዎ ሕዳሴ፣ ተግባራውን ምትዕርራይ ጥራይ ከምዘይኮነ የጉልሑ . . .  
ትኽኽል! እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ቤተ ክርስቲያናዊ ስነ-ፍልጠት ብቐረባ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ክቕጽል እዩ፣ ሕንጸት ካህናት - ተማሃሮ፣ ነቲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መዳይ ምስቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሸነኽ ሕብረት ዘወሃህድ ክኸውን እዩ። ምስ ኣገባብ ዕዮ ሮማዊ ኩርያን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ስብከተ ወንጌልን ምስ ምብጽዓታት ተልእኾ ወንጌልን ተሰማሚዑ ክምዕብል እዩ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ዘሎ ርክብ፣ ከምኡ’ውን ምስ እዋናዊ ባህሊ ዝግበር ዘተ፣ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ ምድላዋት ንመልእኽቲ ክርስትና ድምጺ ንምሃብ ዝጽዕር፣ ናይ ቫቲካን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከም ኣገደስቲ ባእታታት ይቑጸሩ። በዚ ምኽንያት እዚ - ዋላ’ኳ እቲ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ብመዋቕራዊ መንገዲ ኣካል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን እንተኾነ - ሓያሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኵርያ ሮማናን ኣብቲ ናይ ሕንጸት መደብ ኣበርክቶ ክገብራን ኣብ ኣማኸርቲ ኣካላት ናይቲ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ከገልግላን እየን።

እዚ ካብ ነዊሕ እዋን እትሒዙ ዝተጸንሰ ተሓድሶ መሰረት፣ ር.ሊ.ጳ. ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተልእኾ የስፍሖ ኣሎ ምበልኩምዶ?
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ኣተኩሮ ዝገብሩሉን ብፍሉይ ናይ ዝገልጾም ጉስነታዊ ተግባር "ጥዑይ ክውንነት" ዝሓዘ እዩ። ኣብ ምጥራይ ክልሰ - ሓሳባዊ ፍልጠት ዘማእከለ ጽገና ጥራይ ኣይኮነን ዘቕርቡ ዘለዉ። ንቐጻሊ ዝምዕብል ንዓለም ምላሽ ዝህብ መልክዕ ምድላው ዝዕድም እዩ። ኣብቲ ቅዱስነቶም ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ናይ ሕዳሴ ሰነድ፣ “ክልሰ - ሓሳባዊ ፍልጠት ምጥራይ ጥራይ እኹል ከም ዘይኮነ ተነጺሩ ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ዝዓሞቐ ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንምርዳእ ዘኽእሎም ኣገባብ ዕዮን ኣነባብራን ምምዕባል ይሓትት።” በዚ ኸኣ እቲ ሕንጸት እምበኣር ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ክትገጥሞ ዝተጸውዓትሉ ጭቡጥ ብድሆታት ኣብ ምርዳእ ከተኩር ኣለዎ። በዚ መንጽር እዚ ር.ሊ.ጳጳሳት ነቶም ኣብ መድረኽ ዓለም ንሓዋርያዊ መንበር ዝውክሉ መተካእታ ዘይብሎም፣ ቅርበት፣ ትኩር ምስማዕ፣ ምስክርነት፣ ሕውነትን ዘተን ከምኡ እውን መሃዝነትን ዝብሉ ባህርያት የጉልሑ። እዞም ባህርያት እዚኣቶም ብትሕትናን ለውሃትን ክስነዩ ኣለዎም - እዚ ድማ ሕመረት ናይ ክህነታዊ ተልእኾ እዩ። እዞም ሰናይ ባህርያት እዚኣቶም ንነፍሲ ናይቲ ንሓባራዊ ረብሓን ሰላምን ምድንፋዕ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ዝዓለመ ተልእኾ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ይፈጥሩ።

ኲናት ዩክሬን፣ ኲናት ቓዛ፣ ከምኡ’ውን ዝተረሰዑ ካልኦት ግጭታት፣ ክንርእይ እንኮለና ኣብዚ እዋን እዚ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ብዝሓ ጎናውነትን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ርዝነት ዘይብሉ ይመስል። እዚ ተሓድሶ እዚ ኣብ ውሽጢ እዋናዊ ኣህጉራዊ ኵነታት ብኸመይ ይቐውም?
ቅዱስ ኣቦና ብጥንቃቐ ምስትውዓልን ወትሩ ዝቕየር ክውንነት ብጽኑዕ ትዕዝብትን ጥራይ ኢና ንዓለማዊ ፍጻመታት ትርጉም ክንህቦን ብጭቡጥ ተግባራት ክንሓስብን ከም እንኽእል የዘኻኽሩና። ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ልኡኽ (ናይ ቅድስቲ መንበር ኣምባሳደር) ንፉዕ ተደራዳሪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ እምነት ምስክር እውን እዩ፣ ባህላውን ፖለቲካውን ስነ - ሓሳባውን ዕንቅፋታት ንምስጋርን ድልድል ሰላምን ፍትሕን ንምህናጽን ተወፋይነት ኣለዎ። እዚ ኣገባብ እዚ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሰላምን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ነፍሲ ወከፍ ኣማንን ስርዓትን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝወስድ ጭቡጥ መንገድታት ከተማዕብል የኽእላ - ኩሉ ግዜ ተልእኾ ክርስቶስን ሰናይ ኩሉ ሰብኣውነትን ኣብ ማእከል ብምንባር። ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተሓደሰ ማዕቀፍ እዚ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ብሉጽነት ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ስነ ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ ንልቢ ወንጌል ብዘንጸባርቕ ቅዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንቕድሚት ንምስጓም ዝተጸውዑ ዝህነጽሉ ቦታ ይኸውን።

እዚ ብሓቂ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ (ዲፕሎማሲ) ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ዘመን ዝኾነ ተሓድሶ እዚ እንታይ ተስፋ ኣለኩም?
በዚ ተሓድሶ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ (ዲፕሎማሲያዊ)ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ብድሆታት ዘለዎ ኣቐራርባ ዘመሓይሽን፣ ንጠለባት ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓውሎማውነትን ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሃዋህው ምላሽ ንምሃብ ይጽዕሩ። እዚ ተሓድሶ ንመጻኢ ኣካላት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠታዊ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ዘሎ ምትእስሳርን ኣብ ተልእኾ ዘጋጥሞም ናይ ጭቡጥ ዓለም ብድሆታትን ንምድልዳል ዝዓለመ እዩ። ተስፋይ ብግቡእን ጽቡቕን ዝተዳለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን - ኣምባሳደራት ክፍጠሩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣድማሳዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝፈልጡ ካህናት - ንዓለማዊ ብድሆታት ብብቕዓትን ተሃዋስነትን ወንጌላዊ መንፈስን ምላሽ ዝህቡ፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ (ዲፕሎማሲ) ከም መሳርሒ ሰላምን ፍትሕን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝብል ዘለዎም ራእይ ዘሰጉሙ እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምዝ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

16 Apr 2025, 16:17