MAP

ካርዲናል ፓሮሊን - 'ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ዝተጐድአ ሰብኣዊነትና ይባርኹ'

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስብከት ቃል ኣምላኽ ለጊሶም፣ ኣብ ኣስተንትኖኦም ድማ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ጽቡቕ ጌሮም ዝቐረጹ ጳጳስ፣ ቢሎም ብምዝካር ዝሓደጉልና ውርሻ መስኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘሕለፍዎ ናይ መወዳእታ እዋናት ህይወቶም ብምስትንታን፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል፣ ንመስቀል ክሓቝፎም ኸለዉ ዘርኢ ሓያል ምስልታትን፣ ሰንበት በዓለ ትንሳኤ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሃዋርያዊ መስኮት ዘመሓላለፍዎ ቡራኬን ከምኡውን ነቶም ንጓሳኦም ኣብ መወዳእታ ህይወቶም ክሰናበቱ ኣባኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ዘከሩ ።

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብዕለት 2 ሚያዝያ ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ብዙሓት ጳጳሳትን ካህንትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናን ሓቢሮም ነቶም በዛ ዕለት እዚኣ ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘኪሮም ውዒሎም።

ካርዲናል ፓሮንሊን ኣብ ስብከቶም ከምዚ በሉ - "ናብቲ ብምሕረት ዝመልኦ ሕቝፊ ኣቦ ክሳገሩ ከለዉ  ዓለም ብምልእታ ብጸሎት ምስኦም ሓቢራ ነበረት።

ካብ ወንጌል ዮሓንስ ተበጊሶም ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ድማ ብዛዕባ እታ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዘሰነየቶም እምነት ኣስተንተኑ - "እቲ ንቓለይ ዚሰምዕን በቲ ዝለአኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።" (ዮሓ 5፡24) እዚ እምነት እዚ ነቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘይነቓነቕ ተልእኾኦም ከም ዘጽንዖምን፣ ንዜጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታት ከኣ ብዜደንቕ ትብዓትን ተኣማንነትን ከም ዝተዋጽኡሉን ገለጹ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ እዞም ፖላንዳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ምንባር ዘለዎ ዓሚቝ ስምዒት ኣጕልሑ፣ ኣብቲ ኣብ ሮማን ትሪፕቲኽ ዝበሃል ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብምጥቃስ ድማ ንኣምላኽ ከም "ቀዳማይ ጓሳ" ጌሮም ከም ዝገለጽዎ ዘከሩ። ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም ከምዚ በሉ - "እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ብሩህ ህይወት፣ መሰረት ናይቲ ንሓቂ ብትብዓት ዝመስከረሉ፣ ንሰብኣዊ ኽብሪ ዝተጣበቑሉ፣ ዘየቋርጽ ሓለዋኦምን ከምኡ ውን ደኺመ ኸይበሉ ብዛዕባ ወንጌል ዝኣወጅዎ መልእኽትን ኢዩ ዝነበረ።"

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መቃብር ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መቃብር ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

መለኮታዊ ሓልዮት

ቀንዲ ርእሰ ነገር ናይቲ ስብከት ድማ ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ህይወቶም ዝረኸብዎ መለኮታዊ ሓልዮት ኣፍልጦ ንምሃብ ኢዩ ዝነበረ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደድሕሪ እቲ ብ1981 ዘጓነፎም ፈተነ ቅትለት እተዛረብዎ ቓላት ብምዝካር፣ ካሮል ቮይቲዋ ንህይወቱ ኸም ውህበት ኣምላኽ ገይሩ ከም ዝርእያን፣ ንቤተ-ክርስትያን ንምግልጋል ዘለዎ ተወፋይነት ከም ዘረጋገጸን ውን ኣመልከቱ።

"መለኮታዊ ሓልዮት ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ሞት ኣድሒኑኒ እዩ። እቲ በይኑ ጐይታ ህይወትን ሞትን ዝዀነ ንሱ ባዕሉ ንህይወተይ ከም ብሓድሽ ሂቡኒ እዩ" ክብሉ ውን ጸሓፉ።

ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ እዚ ተልእኾ እዚ፣ በቲ ንቤተ ክርስትያን ናብ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ኣብ ምምራሕ ዝነበሮም ግደ ኣቐዲሙ ዝተራእዮም፣ ካርዲናል ስተፋን ቪስቨንስኪ ገሊጾሞ ኣለዉ። እዚ ትንቢታዊ መምርሒ እዚ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን ንዘመነ ጵጵስናኦምን ዝገልጽ ንጹር ዕላማ ኢዩ ዝነበረ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ   (Vatican Media)

ኣይትፍራህ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ዓባይ ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ዝነበሮም ታሪኻዊ ግደ እውን ኣስተንተኑ ።

"ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክርስቶስ፣ ማእከል ታሪኽ እዩ ዝነበረ፣ ንዓለም ከኣ ብብርሃን እቲ መድሓኒ ትርጕም መንነታት ኽትረኽብ ጻውኢት ኣቅሪቦምላ ኢዮም።"

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዘቕረብዎ ጻውዒት  “መርበብካ ናብቲ ዓሚቑ ኣቢልካ ደርብዩ” ብምዝካር፣  ሎሚ እውን እንተ ዀነ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓንቲ "ኣብ ተልእኾ ዘላ ቤተ-ክርስትያን" ዘለዎም ሓሳባት ዘነቓቕሕ ምዃኑ ገለጹ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ሓድሽ ሚለንዩም እትብል መልኽቶም ዝጸሓፍዎ "ኣይትፍራሁ! ኣፍ ደጌኹም ንክርስቶስ ጋህ ኣብልዎ!" ንዝበልዎ ቃላት ውን ዘኪሮም

ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ

እቲ ደኺመ ኸይበለ ንሰላምን ሰብኣዊ ክብርን ዝጣበቑ ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድምጺ ነቶም እተጨቈኑን ኣንጻር ውግእ ንምጥባቕ ድምጾም ኣስምዑ ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ በሉ - "እቲ ንሰላም ዝነበሮም ቘራጽነት ነቲ ትንቢታዊ ምስክርነት ናይታ ቤተ-ክርስትያን ዘንጸባርቕ ዘይነቓነቕ ትብዓይ ኢዩ ዝንበሮም።"

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ውግእ ወትሩ ስዕረት ሰብኣውነት እዩ " ክብሉ ብምጥንቃቕ ሰባት ካብ ውግእ ኪርሕቑ ከም ዝተማሕጸኑ ውን ዝዝከር ኢዩ ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሕጅውን ከማልደልና ብምምሕጻን ስብከቶም ደምደሙ ። ነቲ ቕድሚ 20 ዓመት ኣብ እዋን ሥርዓተ ቀብሮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 እተዛረብዎ ቓላት ብምዝካርን ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን እንደገና ናብኡ ክቐርቡ ጻውዒት ብምቕራብ ከምዚ ክብሉ ጸለዩ - "ኦ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቦ ባርኸና! ነዛ ኽብራን ጸዋዕታኣን ንምርካብ ኣብ ጉዕዞ ተስፋ ዘላ ቤተ-ክርስትያንን፣ ንዝቘሰለ ሰብኣውነትናን ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ እንደገና ምእንቲ ክረክብ ባርኸና" ክብሉ ተማህለሉ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)
03 Apr 2025, 13:27