MAP

ጸብጻብ ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን - ASIF ጸብጻብ ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን - ASIF  (© Vatican Media)

ጸብጻብ ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን - ASIF

ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን በዓል መዚ - ASIF ዓመታዊ ጸብጻቡ 2024 ኣቕሪቡ። ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፣ ምወላ ግብረሽበራውያንን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ገንዘብን ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ዘረጋግጽ ጸብጻብ - ምዕረ ማዕሪኡ እቲ ዝተኻየደ ክትትል ናይ ቫቲካን ቁጠባዊ ትካል - IOR ጽኑዕን ርጉእን ምዃኑ ዘረጋግጽ እውን ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ትካል ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን ካርሜሎ ባርባጋሎ፣ ኣብቲ ዕለት 9 ሚያዝያ ወግዓዊ ኣብ ዝኾነ ዓመታዊ ጸብጻብ ዘቕረቦ መቕድም፥ “በዓል መዚ ተቖጻጻርን ቍጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን፣ ኣብ ከተማ ቫቲካን ይኹን ኣብ ውሽጢ መሓውራት ቅድስቲ መንበር - ንገንዘባዊ ገበን ዝከላኸል ስርዓት ንምርግጋእን ዝያዳ ንምምዕባልን ዝገብሮ ንጥፈታት ኣጒሊሖም፣ ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ 2024 ዓ.ም. ብድምር 79 ጸብጻባት ጥርጡራት ንጥፈታት ከም እተለለዩን - እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ 123 ምንካዩ ዘረጋግጽ እዩ። ካብዚኦም እቶም 73 ካብ ትካል ቁጠባ ቫቲካን - IOR ዝመጹ እዮም። እቲ ምንቁልቋል ብእወንታ ዝርአ ከም ዝኾነን፣ እዚ ኣንፈት፣ ዘሎ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ምልውዋጥ ሓበሬታን እናዐበየ ይኸይድ ምህላዊ ዝሕብር እዩ ከምዝበሉ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቁጽሪ ፍሉያት ምትእትታዋት እውን ከም ዝወሰኸን፣ ክልተ ክፍጸም ዝነበሮ ምትሕልላፍ ገንዘብ ክቋረጽ ከም እተገብረን ክልተ ናይ ባንኪ ሒሳብ ወይ ንብረት ከም ተኣገደን፣ ቍጠባዊ ጉዳያት ውሑስን ግልጽን ንምግባር ዝካየድ ዘሎ ተወፋይነት ዝመልኦ ጻዕሪ ዝነኣድ እውን ምዃኑ ከም ዘስመረኡ ኣፍሊጡ።

ትኹረት ኣብ መልክዓ ምድራዊ ሓደጋን ምክልኻልን

ኣቦ መንበር ትካል ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን ካርሜሎ ባርባጋሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መንጎ እቲ ዘስግእ ንጥፈታት ዝገልጽ ጸብጻባትን ኣብ መንጎ እቲ ምስ ሓደገይና ቦታታት ወይ ምስተን ጽዑቕ ሓለዋ ዝግበረለን ሃገራትን ዘሎ ፍልልይ ይገልጽ። ካብቲ እተመዝገበ 79 ጕዳያት 36 ኣብዚ ምድብ እዚ እዮም ዝኣትዉ። ከምቲ ናይ ቫቲካን ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን በዓል መዚ ዝሓበሮ፣ "መልክዓ ምድራዊ ገምጋም፣ ሓደጋታት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንምክልኻል ኣድላዪ ኢዩ። "ዋላ ሓደ ኻብቲ ጸብጻባት ናብ ቤት ጽሕፈት ሕግን ፍትሕ ቫቲካን ኣይተላእከን። “መልክዓ ምድራዊ ገምጋም ሓደጋ ንውጽኢታዊ ምክልኻል ኣገዳሲ እዩ” ኢሎም።

ተቕዋም ንሃይማኖታዊ ተግባር - IOR ርጉእ ቍጠባዊ ትካል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ

ኣብ 2024 ዓ.ም. ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባራት (IOR) ኣብ ትሕቲ ምሉእ ክትትል ትካል ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን ምዃኑ ገሊጹ። ቁጠባዊ መርኣይታትን ፈሳስነትን ካብ ምክትታል፣ ብተወሳኺ ሓደሽቲ ከባብያዊ፣ ማሕበራውን ትካላውን ምሕደራ ጠለባት እውን ተኣታትዮም እዮም። ኣብ መጻኢ፣ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግብር - IOR ብዛዕባ ስነ - ምህዳርን ማሕበራውን ሓደጋታት ጸብጻብ ከቕርብ ክግደድ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ኣተሓሒዙ፣ “ጽቡቕ ውጽኢት ናይቲ ጽኑዕን ጽቡቕን ውዳበ ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋገጸ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ተግባራት  - IOR” ይንእዱ።

ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ብክኢላታት ገምጋም ስጉምትታት ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ምወላ ግብረሽበራን

እቲ ኣብ ቫቲካን ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ተወሳኺ መረጋገጺ ካብ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣብ ናይ 2024 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ጸብጻብ ተመኪቱ ከም ዘሎን፣ ኣብ ትሕዝቶ ሓምሻይ ዑደት ገምጋም፡ ሽማግለ ክኢላታት ገምጋም ስጉምትታት ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ምወላ ግብረሽበራን፣ ቫቲካን ምስ ኣህጉራዊ ደረጃታት ዘለዋ ሕጋዊ ምትእስሳር ምሉእ ብምሉእ እወንዊ ምዃኑ ከም ዝገምገመን፣ ብፍላይ እቲ ናይ ባንክታት ጸብጻብ ብዛዕባ ምምሕልላፍ ገንዘብ ከምኡውን ብዛዕባ ጽሬት ሕጋውያን ትካላት እተዋህበ ርእይቶ፣ "ምሉእ ወይ ብሰፊሑ ኸም እተፈጸመ" ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ሓቢሩ።

ጭቡጥ ውጽኢት ዘለዎ ጳጳሳዊ ቁጠባዊ ስነ-ምግባር

ኣቦ መንበር ትካል ተቖጻጻርን ቁጠባዊ ሓበሬታን ቫቲካን ባርባጋሎ ኣብቲ ዝሃቦ መቕድም ክልተ ወሰንቲ ዓወታት እውን ከም ዘጒልሐን፣ እዚ ድማ እቲ ትካል ገበናዊ መበቆል ዘለዎም ቑጠባዊ ዋሕዚታት ናይ ምልላይ ዓቕሙን ኣብ ልዕሊ ትካላት ቫቲካን ከስዕቦ ዝኽእል ግህሰት ኣብ ምክልኻል ዝገብሮ ደገፍን ዝምልከት ምዃኑ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ኣብሪሁ፣ ምስ ሃገራውን ኣህጉራውን ኣካላት ዝካየድ ዘሎ ጥቡቕ ምትሕብባር፣ ቫቲካን ዝኽተሎ ቍጠባዊ ስነ - ምግባር ብመንፈስ ግሉጽነትን ልዕልና ሕግን ንምንባር ዘለዋ ተወፋይነት ዘጉልሕ ምዃኑ የመላኽት።

10 Apr 2025, 17:15