MAP

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ሞት ህጻናት 'ዘይቅቡል ልዑል' ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ሞት ህጻናት 'ዘይቅቡል ልዑል' ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ 

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ሞት ህጻናት 'ዘይቅቡል ልዑል' ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ፣ ኣብ መበል 58 ኣኼባ ሽማግለ ጉዳይ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ተራ ኣገልግሎት ጥዕና እንተዝረኽቡ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ዓለም ዝርአ ዘሎ “ዘይቅቡል ልዑል” ሞት ሕጻናት ኣይምሃለወን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ሞት ህጻናት “ቅቡል ዘይኮነ ልዑል” ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ተራ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እንተዝረኽቡ ኣይምሞቱን” ነዚ ዝበሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መበል 58 ኣኼባ ሽማግለ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፣ “ምውሓስን ምድንፋዕን ጥዑይ ህይወት ንኹሉን ኣብ ኩሉ ዕድመን ንዝርከቡ” ዝብል ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል ኣማእኪሎም፣ “ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ምምሕያሽ ጥዕናን ጥዑይ ሂወትን ህዝብታት ርኡይ ምዕባለታት እኳ እንተተራእየ፣ ቅድስቲ መንበር ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ህዝብታት ዘጋጥሞም ናይ ጥዕና ብድሆታት ኣዚዩ የተሓሳስባ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓመት ሚሊዮናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ይሞቱ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ “ሞት ህጻናት ኣብ ብዙሓት ዞባታት ብዘይቅቡል መልክዑ ልዑል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣብ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብሰንኪ ከም ሕጽረት መግብን ተላባዒ ሕማማትን ዝኣመሰሉ ብተራ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክትከላኸሎም ብዝከኣሉ ጠንቅታት ይሞቱ” እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፣ መጠን ሞት ኣዴታት እውን ኣዝዩ ልዑል ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ እውን ከም ዘስተብሃሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ጥዑይ ህይወት ምርግጋጽን ጽቡቕ ሂወት ንምድንፋዕን ዘጋጥሙ ብድሆታት "ኣብ ምፍታሕ እደ ጥበባዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮኑስ" ንኹሉ መዳያት ምዕባለ ደቂ ሰባት ንሓድሕዱ ምትእስሳር ዘለዎ . . . ኩለንተናዊ ኣገባብ ናብ ምቕባል ክመርሕ "ግድን እዩ" ቢሎም፣ እዚ ኣገባብ እዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወት ቀዳምነት ሰብኣውነትን ኣምላኽ ዝሃቦ ክብሩን ኣፍልጦ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅዱስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ ኣብ ውሁድ ምዕባለ ሰብኣዊ ፍጥረት ብምትኳር ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዝስስኑሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ስድራቤት ከም ተፈጥሮኣውን መሰረታውን ኣሃዱ ሕብረተሰብ ብምዝኽኻር፣ ጥዑይ ህይወት ኣብ ምርግጋጽን ጽቡቕ ሂወት ኣብ ምድንፋዕን "መተካእታ ዘይብሉ ተራ" ከምዘለዋ ኣረጋጊጾም፣ እታ ስድራቤት፣ “ሕጻናት ምትሕግጋዝን ሓላፍነትን ንኻልኦት ሓልዮትን ዝመሃሩላ ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርቲ ሰናይ ባህርያት ደቂ ሰባት” ብምዃና፣ ንህጻናት፣ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ስንኩላንን ሓዊስካ፣ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት እውን ቀዳማይ ክንክን ትህብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስድራ ቤት ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ

በዚ ምኽንያት ድማ "ቅድስቲ መንበር ስድራቤት እምነ ማእዝን ጥዑይን ዝስስንን ሕብረተሰብ ምዃና ብምግንዛብ፣ ንኣባይቲ ስድራ ዘደልድሉን ዝድግፉን መምርሕታት ቀዳምነት ክወሃቦምን፣ ካብዚ ሓሊፉ "ምርግጋእን ሓድነትን መሰልን ስድራቤት ዝድግፍ መምርሕታት ንጽቡቕ ሂወት ኩሎም ኣባላታ ዘድሊ ኩነታት ክፈጥሩን ናይ ሓባር ረብሓ ከዕብዩን” ከም እትጽውዕ ኣዘኻኺሮም፣ ስለዚ ጥዑይ ህይወት ንምርግጋጽን ጽቡቕ ሂወት ንምድንፋዕን ስድራ ቤት ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ ጻዕርታት ምቕማጥ የድሊ . . .

 ጥዕናን ጽቡቕ ሂወትን ኩሉ ንምርግጋጽ፣ ኣብ መንጎ ዝማዕበላን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዘይምዕሩይ ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና ብዝምልከት፣ ኣብ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዋላ'ውን እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ሕክምናዊ ክንክን ክኸፍሉ ወይ ክረኽብዎ ዘይክእሉ ዝገብር ዘሎ ጽኑዕ ፍልልያት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እውን ኣፍልጦ ክንህቦን ክንፈትሖን ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህጹጽ ስጉምቲ ዝሓትት ዝርኣ ዘሎ ግብረ ገባዊ ዕንቅፋት

እዚ ዘይምዕሩይነት እዚ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብዘለወን ከቢድ ጾር ዕዳ ዝያዳ ከም ዝጋደድ ሓቢሮም፣ . . . ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ካብቲ ኣብ ምጥፋእ ድኽነት፣ ክንክን ጥዕና፣ ኣመጋግባ፣ ጽሩይ ማይን ካልእ መሰረታዊ ድሌታትን ጥዕናን ጽቡቕ ሂወትን ህዝበን ንምርግጋጽ ዘድሊ ወሳኒ ወፍሪ ካብ ምግባር ዕዳአን ንምኽፋል ዝያዳ ገንዘብ ከምዘውጽኣ ገሊጾም፣ ብሓቂ እዚ ዘሰክፍ እዩ። እዚ ቁጠባዊ በደል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ህጹጽ ስጉምቲ ዝሓትት ግብረ ገባዊ ውድቀት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕዳ ድኻታት ሃገራት ምስራዝ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል፣ ሃብታማት ሃገራት “ዕዳ ናይተን ፈጺመን ክመልሳ ዘይክእላ ድኻታት ሃገራት ክዝርዛ” ዘቕረብዎ ጻውዒት ሊቀ ጳጳስት ካቻ ኣቃሊሖም፣ ትርጉም ዘለዎ ምፍዋስ ዕዳ፣ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ክንክን ጥዕና እውን ወሳኒ ወፍሪ ንኽገብራ ዘብቅዐን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳስ ካቻ "ቅድስቲ መንበር ምድንፋዕ ጥዕናን ጽቡቕ ሂወትን ኩሉ ግዜ ንባህርያዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወት፣ ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ብጽኑዕ ተወፋይነት ክጅምር ከም ዘለዎ ደጊማ ተተሓሳስብ፥ . . . "ነዚ መትከል ብምድጋፍ፣ ተራ ስድራቤት ብምድንፋዕን ንቁጠባዊ ፍትሒ ብምጽዓርን፣ ናይ ኩሉ ጽቡቕ ህይወት ክረጋገጽ ይኽእል'ዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Apr 2025, 17:33