እቲ ድኹም ድምጽን ስልጣናዊ ትምህርቲ ተኣፋፍነትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓስራይ ደርቢ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ንሕክምና ካብ ዝኣትዉ ሰላሳ መዓልታት ኣብ ዘቑጽርሉ ዘለውሉ እዋን መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ሕርየቶም ይዝከር፣ ቅዱስነቶም ጥዕናኦም ይመሓየሽ ከም ዘሎ ካብ ሓኻይሞም ዝወሃብ ዘተባብዕ ዜና ብሓቂ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገረ ቫቲካን ክምለሱ ተስፋ ክህሉ ይገብር። እንተኾነ ግን ናይ ቅዱስነቶም መበል 12 ዓመት ሕርየቶም ካብቶም ዝሓለፉ ዝኽርታት ዝተፈልየ እዩ። እዚ ዝኽሪ መበል 12 ዓመት በቲ ዝገበርዎ ዝነወሐ ኢንዶነዢያን ፓፑዋ ንው ጎኒ ቶሞር ኤስትን ሲንጋፖርን ዘጠቓልል ሓዋርያዊ ጉዕዞን ምዝዛም ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነትን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንምብጋስ ቅዱስ ኣፍደገ ብምክፋትን፣ ኣብዚ እዋን እዚ በቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕማምን ብዝገብርዎ ዘለዉ ሕክምናን ዝልለ እዩ፣ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ህሙም ኣብ መንጎ ህሙማን ኮይኖም ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ምእመናን ኣቢላ ብጸሎት ተሰንዮም። በዚ ጸሎት ተሰንዮም ድማ ንሰላም ይጽልዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ዓመታት እቲ “በጃኹም ኣብ ጽሎትኩም ተዘከሩኒ” ብዝብል ቃል ዘይዛዘምዎ ርክብን ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምሆ ትምህርተ ክርስቶስን ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን የሎን። ሎሚ ሕቑፊ ናይ ብዙሓት ዘፍቅርዎም ኣማንያንን ኢኣማንያንን የስተማቕሩ።
ልቢ ዝገልጽ ግዜ እዩ። ንባህሪ ቤተ ክርስቲያንን ተልእኾ ጳጳስ ሮማን ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታው ከንቱ ዘይኮነሉ እዋን እዩ፣ ካብቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ወይ ኣመሓዳሪ ናይ ሓደ ህብረ - ትካል ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት፣ ናይ ሽዑ ካርዲናል በርጎግልዮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ነቲ ሄንሪ ደ ሉባክ "ቤተክርስትያን ክትወድቐሉ እትኽእል እቲ ዝገደደ ክፍኣት፣ ‘መንፈሳዊ ዓለማዊነት’ እዩ ዝበሎ ከም ዝጠቐሱ ይዝከር። ቤተ ክርስትያን ከጋጥማ ዝኽእል ዝዓበየ ሓደጋ፥ "ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ከምዘለዋ፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርታዐ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ሜላታት፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ብቕዓት ምትእምማን እዩ” በዚ ድማ፣ “ወርሓዊት ምስጢር" ምዃና ተቋረጽ። ስለዚ ብርሃን ካልእ ንምንጽብራቕ፡ በቲ “ብዘይ ብኣይ ዋላ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኻትኩም” ዝበለና ጸጋ ጥራይ ተደጊፋን ተሰኪማን ክትነብርን ክትሰርሕን እዩ ዘለዋ። ነተን ቃላት ደጊምና እናዘከርና ሎሚ ብፍቕርን ብተስፋን ናብ መስኮት ዓስራይ ደርቢ ቤት ሕክምና ጀመሊ ንጥምት። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ስሌኦም ዝግበር ዘሎ ጸሎት ካብቲ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ኮይኖም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ዘቕረብዎ ናይ ተኣፋፍነት ስልጣናዊ ትምህርቲ ነመስግኖም። እቲ ዘለዎም ሕማም ዝገልጽ ድኹም ድምጾም ኲናት ዘይኮነ ሰላም፣ ምዕብላል ዘይኮነ ዘተ፣ ሸለልትነት ዘይኮነ ርህራሄን ዝልምን እዩ። እንቋዕ ንዝክሪ መበል 12 ዓመት ኣብቅዓኩም ንብል፣ ድምጽኹም የድልየና ኣሎ።
(Andrea Tornielli)