MAP

2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali 2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ቫቲካን እቲ ንኣባላት ኩርያ ሮማና ጥረይ ዝነብረ ናይ ዓቢይ ጾም ኣስተንትኖታ ምእመናን ክሳተፉ ኢዮም

ዓመት መጸ ዓርቢ ዓርቢ ንመሰናደዊ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ዘመነ ዓቢይ ጾም ንኣባላት ኩርያ ሮማና ዝካየድ ዝነበረ ኣስተምህሮታት ሎም ዓመት ንሰብ ድላይ ምእመናን ውን ክካፈሉ ተዓዲሞም ኣለዉ፣ እዚ ኣስተምህሮታት እዚ ኸኣ "ኣብ ክርስቶስ ዝሰጠመ መልህቕ፣ ኣብ ተስፋ ሓድሽ ሕይውት አተሰረተን ሱር ሰደደን" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ንኣባላት ኩርና ሮማና ጥራይ ተሓዚኡ ዝነበርረ ኣስተምህሮታት፣ ሎም ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ንዅሎም ምእመናን ኽሳተፉ ዝደልዪ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ውን ክፉት ክኸውንን እተዊ ናይ ፍቓድ ወርቐት ከም ዘየድልን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናብዚ ኣስተምህሮታት ክሳተፉ ዝደልዮ ምእመናን ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዚርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኪኣትዉ ክፉት ክኸውን ኢዩ፣ ኣብተን ናይ ቀዳሞት ሰለስተ ዓርቢ ናይዚ መደብ ኸኣ በቲ ኣፍ ደገ "ፔትሪያኖ " ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ቤት ጽሕፈትደል ዝርከብ፣ ብጳጳሳውያን ወተሃደራት ስዊዝ ዚሕሎ መእተዊ ኺኣትዉ ይኽእሉ እዮም ።

እዚ መደብ ኣስተምህሮታት ዘመነ ዓቢይ ጾም ሰሙናዊ ኣብ ዕለተ ዓርቢ  ልክዕል 9 ቅ. ቐ. ክካየድ ኢዩ።

እቶም ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ዝኾኑ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ነቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝካየድን ኣብታ እትመጽእ ዘላ ዓርቢ ዝጅምርን ናብ ቅድስቲ ሰሙን ሕማማት ዘሰናዱ ኣስተንትኖታ ክመርሕዎ ኢዮም።

ርእሰ ነገር ናይዚ ኣስተምህሮታት ዘመነ ዓቢይ ጾም "ኣብ ክርስቶስ ዝጠሓለ መልህቕ፣ ኣብቲ ተስፋ ሓድሽ ሕየወት ዝተሰረተን ሱር ዝሰደደን" ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ዘረኰረ ምዃኑ ድማ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብዞም ኣርእስትታት እዚኣቶም ክቡር ኣባ ሮበርቶ ባዞሊና ብፍላይ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ኣተኲሮም ከስተንትኑ ኢዮም — ኣብ ዕለት 21 መጋቢት "ምቕባል ምልምማድ — ርትዓዊ ትንታኔ ምስጢረ ጥምቀት"፣ ኣብ ዕለት 28 መጋቢት "ናብ ኩሉ ቦታታት ምኻድ — ሓርነት ኣብ መንፈስ ቅዱስ"፣ ኣብ ዕለት 4 ሚያዝያ "ከም ብሓድሽ ብኸመይ ከም እትትንስእ ምፍላጥ — ሓጐስ ትንሳኤ"፣ ኣብ ዕለት 11 ሚያዝያ ከአ "ንተስፋ ምስፋሕ — ናይ ምዕራግ ሓላፍነት " ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ከስተምህሩ ኢዮም።

18 Mar 2025, 15:25