MAP

ጥርሑ ዘሎ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን፣ ንዓለም ብምስትውዓል ዝዕዘብ ጓሳን

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዝኾነ ኣንድርያ ቶርኒየሊ ብዛዕባ እቲ ብዕለት 27 መጋቢት 2020 ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑሉሕ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ርእሰ ሊቃና ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ ታሪኻዊ 'ስታስቲዮ ኦርቢስ' ዝተሰምየ መደብ ጸሎት ዝኽሪ ሓምሸይቲ ዓመት ኣማእኪሉ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣካፊሉ።

ኣንድርያ ቶርኒየሊ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንበይኖም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መደብ ጸሎት “ምህለላ ምዕንቲ ዓለም” ሓሙሽተ ዓመታት ኣሕሉፉ ይርከብ ኣሎ። በታ ምሸት እቲኣ ዝናም ይዘንም ነበረ።

ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምእመናንን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ይከታተልዎም እትንተ ነበሩ እቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ግና በቲ ዘደንጹ ኩነታት ጥርሑ ተሪፉ ነበረ። ሰባት በቲ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ ውሸባ ኣብ ገዛውቶም ተዓጽዮም፣ ብመስመራት ኢንተርነትን ተለቪዥን ይከታተልዎ እኳ እንተ ነበሩ፣ በቲ ንብዙሓት ግዳያት ከም ዝዀኑ ዝገብረ ብዓይኒ ዘይርአ ቫይረስ ስለ ዝፈርሁ፣ ነኣዝማዶም እኳ ከይተረፈ ባዕሎም ከይከናኸንዎም ናብ ክንክን ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታላት ይወስዶም ነበሩ፣ ደሃይ ኣዝማዶም ክገብሩን ክበጽሕዎምን ውን ይኽእሉ ኣይነበሩ፣ ሰላም ክብልዎምን ኣብ ቀብሮም እኳ ክርከቡን ግቡእ ቀብሮም እኳ ክገብሩሎም ኣይከኣሉን።

እቶም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ በዚ መንፈስዊ ተግባር እዝን፣ በቲ ዘዕረግ ምህለናን ከምኡውን በቲ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስቲ ሳንታ ማርታ ዘዕርግዎ ዝነበሩ መዓልታዊ መሥዋዕተ ቅዳሰ ገይሮም፣ ናብ ኵሉ ሰብ ክቐርቡ ጀመሩ ። በቲ ዝነብረ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ኣብ ጽድያ፣ ሓደ ምሸት ስለ እቶም በቲ ዘጋጠመ ኩነታት ንሓደጋ እተቓልዑ ኣእጋር መስቀል ብምስዓምን ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ንዅላቶም ደቂ ሰባት ኣብቲ ባዶ ዝነበረ ቅርዓት ክሓቍፍዎም ትረኽቡ ።

"ምስ ኵሎም ህዝቢ ሕብረት ጌረ ኢየ። ኣብ ኩሉ ኩነታት ድማ በይነትይ ኣይነበርኩንል።” እንክብሉ ጸኒሖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከዘንትዉ ተረኽቡ። እወ! ንብሕቶም እኳ እንተ ነበሩ ንበይኖም ግን ኣኮኑን ምእንታ እታ እትጠፍእ ዝነበረት ዓለም ዝጽልዩ ዝነበሩ። እዚ ድማ ንዘመነ ጵጵስናኦም ዘመልክት ሓያልን ዘይርሳዕን ምስሊ እዩ ዝነበረ ።

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኣምላኽ ከምዚ ክብሉ ተመህለሉ - "ነዚ እዋን ፈተና እዚ ከም ናይ ምርጫ ወይ ውሳኔ እዋን ክንጥቀመሉ ኢኻ እትጽውዓና ዘሎኻ። እዚ ግና ግዜ ፍርዲኻ ዘይኰነስ ግናኸ ንሕና ውሳኔ እንገብረሉ እዋን ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ወይን ነቲ ሓላፊ ዝኾነ እንበርጸሉ ግዜን፣ ነቲ ኣድላዪ ዝኾነ ካብቲ ዘየገድስ እንፈልየሉ እዋን እዩ። እዚ እዋን እዚ ንዓኻ ንጐይታናን ንኻልኦትን ብዝምልከት ንናብራና ናብ ቅኑዕ መንገዱ እንመልሰሉ እዋን ኢዩ።" ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኣዋርሕ ድማ "ሓደ ቕልውላው ፈጺሙ ከምቲ ዝነበርናዮ ክንቕጽል ኣይገድፈናን ኢዩ፣ ብፍጹም። ካብዚ ኩነታት እዚ ዝሓሹ ሰባት ወይ ከኣ ዝገደዱ ኮይና ኢና እንወጽእ" በሉ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዙርያና ኽንጥምት ከለና፣ ዓለም በቲ እቶም ንጥሜት ኣብ ክንዲ ዚቃለሱ፣ ኣብ ኣጽዋር ዜተኵሩ ጐይቶት ውግእ ዜንቀጥቅጡላ ዓለም ዝሓሹ ኸም ዝዀንና ኮይና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

ሕጂ ኣብ ውሸባ ኣኮናን ዘሎና፣ ኣብዚ እዋን እዚ ግና ድማ ዅነታትና ብኣንጻሩ ኢዩ ዘሎ - እቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ዘኽብረሉ ዘሎ ብሰባት መሊኡ ኢዩ ዘሎ፣ እቶም ምእንታናን ምእንቲ ሰላምን ዝጽልዩ ዝነበሩ ጳጳስ ናይ ሮማ ከአ ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ ማርያ  ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ንበይኖም ኮይኖም ምስ ሓደ ከቢድ ሕማም ሥርዓተ ምስትንፋስ ይቃለሱ ኣለዉ።

ይኹን እምበር እቲ ምስኦም ዘሎና ሕብረት ግና ኣይተበትከን ዘሎ፣ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዞም ከኣ ቃላቶም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብፍላይ  "ካብቲ ኣገዳስን ዝኾነን ካብቲ ሓላፊ ዝኾነን እንመርጸሉ ግዜ" ኮይኑ እዩ ዘሎ።

28 Mar 2025, 15:46