MAP

2025.03.12 Esercizi spirituali con padre Pasolini in Aula Paulo VI., 10.-11. marzo 2025 2025.03.12 Esercizi spirituali con padre Pasolini in Aula Paulo VI., 10.-11. marzo 2025 

ሱባኤ ኵርያ ሮማና፦ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝኻድ ዘሎ ናይ ዓመተ 2025 ሱባኤ ኣባላት ኩርያ ሮማና ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ ኣስተምሮታት ብምቕጻል ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ታሽዐይ ኣስተንትኖኦም ኣካፈሉ። ጽማሬ ናይቲ ዘመሓላለፍዎ ኣስተምህቶ ነቕርበልኩም።

ብኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ

ዘለኣለማዊ ህይወት ድሮ ህያብ እኳ እንተ ዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ነቲ መሰረታዊ መዳይ እዚ ህይወት እዚ ማለት ንዘለዎ ዕረፍቲ ኽንርድኦ የጸግመና እዩ። ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ እናበልና እንጽልዮ ጸሎት ንፈልጦ ኢና - ኦ ጐይታይ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ሃቦም፣ ዘለኣለማዊ ብርሃን ውን ኣብርሃሎም። ብሰላም ይዕረፉ። ኣሜን።"

ኣብ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ እተመስረተ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝብል ሓሳብ፣ ብመወዳእታ ዘይብሉ ድቃስ ከም ዝዛዘም ኰይኑ ስለ ዝስምዓና ተስፋ ዘቝርጽ ክመስል ይኽእል ኢዩ። እዚ ርድኢት እዚ ግን ካብ ዓሚቝ ግጉይ ምርዳእ ኢዩ ዝምንጩ - ንዕረፍቲ ከም ሓደ ዘይንጡፍነት ተግባር ዘይብሉ ጥራይ ኢና እንርእዮ፣ ኣብ ራእያት ቅዱስ መጽሓፍ ግና ናይ ምሉእነትን ዕግበትን ኵነታት ኢዩ ዝገልጸልና።

ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ መስቀል ኣብ መቓብር ምስ ወረደ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ኣዕሪፉ። እዛ ህሞት እዚኣ መኻን ኣይኰነትን፣ የግዳስ ከምቲ ሓደ ጥንታዊ ስብከት ብዛዕታ ቀዳም ሥዑር ዘዘንትወልና "ኣምላኽ ብስጋ ሞይቱ ንመዓሙቓት ትሕተ ምድሪ (ሲኦል) ንኬናውጻ ድማ ወሪዱ ኣሎ" ብምባል ድማ ፍጻሜ ናይ ተፍባራቱ ከም ምዃኑ ይገልጸልና።

ክርስቶስ እኳ እንተ ዓረፈ ነቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ እሱራት ሓራ ብምውጽኦም ምስጢራዊ ስጕምቲ ወሰደ። እዚ ኸኣ ምዕራፍ ክበሃል ከሎ ዘይጠቅም ምዃን ማለት ዘይኰነስ ተርባጽን ዕግርግርን ዘይብሉ ንጥፈታት ከይሰዓብካ ብተኣማንነት ግዜ ምሕላፍ ማለት ምዃኑ እዩ ዘረድኣና።

ሎሚ ዕረፍቲ ዕሽሽ ተባሂሉ ዘሎ ምቾት እዩ። ወትሩ ንጡፋት፡ ወትሩ ኣብ ርክባር እንጽዕር፡ ወትሩ ኣፍረይቲ ኽንከውን ኣብ ዝደልየና ሕብረተሰብ ኢና እንነብር ዘለና። እንተዀነ ግን ዝያዳ ኣጋጣሚታት እናረኸብና ብዝኸድና መጠን ሓቀይና ዕረፍቲ ኣይንረክብን ኢና። እቲ ብዛዕባ ድሕሪ ስራሕ ዘሎ ዓስቢ ዘይጽበ የግዳስ፣ ነቲ ኺገብሮ እተጸውዐ ኸም ብምፍጻም ሽልማት እተቐበለ ኣገልጋሊ ዚገልጽ ምሳሌ ኣገዳሲ ምስጢር ይምህረና እዩ ዝምህረና። ብዛዕባ ውጽኢት እምብዛ ኽሳዕ እተጨነቕና ፈጺምና ኣይነዕርፍን ኢና። እቶም ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ብሰላም ዚቕበልዎ ጥራይ እዮም ብሰላም ደው ክብሉን ከዕርፉን ዚኽእሉ።

ሓቀይና ዕረፍቲ ዘይንጡፍ ምዃን ዘይኰነስ ናጽነት እዩ። ድሕሪ ደጊም ነዚ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንቅበል ስለ ዘይንፈቅድ ዝዀነ ይኹን መርትዖ ኸነቕርብ ኣየድልየናን እዩ። ከምዚ ኽንብል ዜኽእለና ውሽጣዊ ሰላም እዩ፦ እቲ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዝኣተወ፣ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሪ ዘዕረፈ፣ ንሱ ውን ካብ ግብሩ የዕርፍ (ዕብ 4፡ 10)።
ጽቡቕ ዕረፍቲ ክንረክብ እንከሎና ንዘለኣለማዊ ህይወት ምልምማድ፣ ብዘይ ፍርሂ ምንባር ምልምማድ፣  ነቲ ብዙሕ ዝኾነ ጉዳያትና ምሕዳግ ከምኡውን ኣምላኽ ድሮ ኣባና ይዓዪ ኸም ዘሎ ምውካል ማለት እዩ።

ሓቀይና ዕረፍቲ ውሽጣዊ ሰላም እዩ፣ ብውጽኢት ዘይኰነስ ነቲ ህይወት ዚህበና ነገራት ናይ ምቕባል ክእለት እዩ ዚልካዕ። መምለጢ ዘይኰነስ ብዘይ ጭንቀት ኣጽኒዕካ ምንባር እትመሃረሉ መገዲ እዩ። ፍቕሪ ንኸነሕድር ዚድርኸና ስምዒታትና ዜለዓዕል ዘይኰነስ ንጡፍ ምትእምማን እዩ።

"እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ኣውጺኣ ትድርብያ ደኣ እምበር ኣብታ ፍቕሪ ፍርሃት የልቦን ። " (1 ዮሓ 4፡ 18)።
ኣብ መወዳእታ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ርሑቕ ሸቶ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጥና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጋህዲ እዩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብህይወት ክንነብር ተጸዊዕና ኣሎና።

14 Mar 2025, 15:13