MAP

2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali 2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሱባኤ ኵርያ ሮማና፦ 'ብዝያዳ ህያዋን ምዃን'

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ኣብቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ሱባኤ ኵርያ ሮማና ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ ኣስተምህሮታት ሻምናይ ክፋል ኣስተንትኖኦም ኣካፈሉ። ጽማሬ ናይቲ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ድማ ነቕርበልኩም።

ብኣባ ፍራንት ሮበርቶ ፓሶሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ

ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለማዊ ህይወት ክንቅበሎ ከም እንኽእል ውህበት ደኣ እምበር ከም ሓደ ተቓሊስና ክንውንኖ ከም ዘሎና ሠናይ ነገረ ገይሩ ኣይኰነን ገሊጽዎ። እቲ ኣብቶም ተመሳሰልቲ ወንጌላት እንረኽቦ ብዛዕባ ሓደ ሃብታም መንእሰይ ዝገልጽ ዛንታ፣ ኣብ መንጎ እቶም ዓስቢ  ዘልኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ዝደልዩን፣ ክርስቶስ ንዕኡ ንምስዓብ ንዅሉ ውሕስነቶም ክሓድጉ ዘቕርቦ ዕድመን ዘሎ ፍልልይ ዘርኢ ኢዩ። እቲ መንእሰይ ካብ ሃብቱ ኺርሕቕ ስለ ዘይከኣለ ሓዚኑ እዩ። ድሕሪኡ ጴጥሮስ ወን እቶም ንዅሉ ሓዲጎም ዝሰዓብዎ እንታይ ከም ዚረኽቡ ሓተተ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ነቶም ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ዚውከሉ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ቃል ተስፋ ሃቦም።

ምፍላይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ እዩ ዜተሓሳስቦ፣ ህይወት ንባዕላ ኸምኡ ኽንገብር እተገድደና እኳ እንተ ዀነት፣ ነቲ እነፍቅሮ ነገር ምሕዳግ የፍርሃና እዩ። ጐይታናን ምድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣቐዲምና ኽንጽበያ ዓዲሙና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንዘለኣለም ከም እንነብር እዩ ዝገብረና። ኣብነት እታ ንሓማማ ብተኣማንነት ዝገጠመት ክያራ ኮርቤላ ፔትሪሎ፣ ኣብዚ ኣብ ምድሪ እውን ከይተረፈ ምስ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምሕዝነት ክነብር ከም ንኽእል ዜርኢ እዩ። እዚ ድማ ብዛዕባ ምኽሓድ ዘይኰነስ ካብ ናይ ሓሶት ውሕስነታት ናጻ ብዛዕባ ምዃን እዩ ዚዛረብ ።

ጐይታናን መድሓናን ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ንመጓሰኡ ናብ ልሙዕ ሴኻ ዚመርሐን ጓሳ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ድምጹ ድማ ናይ ሓቀይና ሕይወት ንምርካብ ካብ ፍርሂ ክንወጽእ ይምሕጸነና። እዚ ኣኹል - ርሩፍ ዝተረኽነኸ ሕይወት እዚ ኣብቲ እቲ እንጀራ ዕለትና ከም ምሉእ ከም ዝኾነ ዝሕብር ምልክት ኢዩ። ይኹን እምበር እቶም ህዝቢ ነቲ ዓሚቝ ምስጢር ምግቢ ከይተረድእዎ ስጋዊ እንጌራ ጥራይ ብምድላይ ነቲ ተኣምር ብጌጋ ተረድእዎ።

ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ እንጌራ ህይወት ባዕሉ ምዃኑ ገለጸ። ስጋኡ ምብላዕን ደሙ ምስታይን ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ህይወቱ ምስታፍን ህላወኡ ምቕባልን ማለት እዩ። ቅዱስ ቍርባን ጽምብል ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ክርስቶስ ዚግበር ለውጢ እውን እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ክንዲ ዜዘንቱ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ሓባራዊ ኣገልግሎት ከም ዚግለጽ ብምጕላሕ ኣእጋር ምሕጻቡ የዘንትወልድና።

ዘለኣለማውነት ኣብ ርሑቕ ዘሎ ሕልሚ ኣይኰነን፣ የግዳስ ነቲ ዘሎና ሒደት እውን ከይተረፈ ብምትእምማን ክንህቦ ምስ እንመሃር ኣብ ህይወትና ዝፍጸም ተኣምር ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኵሉ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎትና መወዳእታ ዘይብሉ ዋጋ ኣለዎ፣ ኸኣ ኵሉ ነገር ድማ ዘለኣለማዊ ኪኸውን ዘኽእል እዩ።

ሓሙስ 13 መጋቢት 9 ናይ ንግሆ እዩ ቐሪቡ ።

14 Mar 2025, 15:11