ካልኣይ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም.፥ ሓቅን ፍቕርን በስገዳድ እትጽዕኖ ኣይኮነን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ካልኣይ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ዘመነ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም.፣ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ፣ “ንገዛእ ርእስናን ነቶም ብመንፈስ ኣገልግሎት ርእስና እነቕርበሎምን ዓቢ ናጽነት”” ንምርካብ ዝዓለመ ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቑ ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ብዙሕ ዘይፍለጡ መዳያት ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢየሱስ የስተንትኑ።
እቲ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብዝነበረ ህዝቢ ብጣቕዒትን ብውዕዉዕ ስምዒትን ተቐባልነት ዘይረኸበ ኢየሱስ ኣማእኪሎም፣ “ኢየሱስ ነቲ ቀሊል ሞገስና ብኡንብኡ ንኽቕበል ዝገብሮ ፈተና ኢዱ ኣይሃበን . . . ኣብ ክንድኡስ “ንምዕባለ ሓቀይና ምትእምማን” ከመቻችእ ተስፋ ብምግባር ብመጠኑ ዕቑብ ኮይኑ እዩ ዝጸንሐ።
ብድሕሪኡ ናብቲ ንኢየሱስ ነታ ብርኹስ መንፈስ ዝተታሕዘት ጓላ ክፍውሰላ ዝሓተተቶ ከነኣናዊት ሰበይቲ ዝገልጽ ኣብ ወንጌል ዘሎ ሓሳብ መሰረት ገይሮም፣ እቲ ኢየሱስ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ መልሲ ስሚዒት ዘይብሉ፣ ተስፋ ዘቑርጽ ድማ ከም ዝመስል ኣስተብሂሎም፣ እታ ሰበይቲ ነቲ ኢየሱስ ዝሃቦ ግምት ዘይህብ ዚመስል ርእይቶታት ኣብ ክንዲ እትስሕብ፣ “ብዓቢ ክብሪ” ንሕቶኣ ኣብ ምድጋም ትጸንዕ። ጐይታ ኣብ ቃላታ ድማ “ዓቢይ መግለጺ ናይታ ድሕነትን ፈውስን ክትረክብ ዘኽእላ እምነት ይርኢ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ጸብጻብ ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን፣ ኢየሱስ “ካብ ብዙሓት ሰባት ናይ ምርሓቕ - እልይ ናይ ምባል ክእለቱ” ኣርእዩ እዩ፣ ህዝቢ በቲ ተኣምር ይምሰጥ። እዚ ግን ምሉእ ኣገዳስነት ነቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተኣምር ካብ ምርዳእ ዘይኮነስ፣ ዝደልዮ ስለ ዝረኽበ ምዃኑ ድማ ኣብርሂቦም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንባዕሎም ተስፋ ቆሪጾም ንኢየሱስ ሓዲጎም ንባሕሪ ገሊላ ክሰግሩ እንከለዉ፣ ብርቱዕ ህቦብላ የጋጥሞም። "እዚ እውን ንዝነበሮም ውሽጣዊ ዕግርግርን ተርባጽን ዘንጸባርቕ እዩ። “ካብ ኢየሱስ ንምርሓቕ ዝገበርዎ ፈተነ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ህቦብላ የእትዎም፣ ኢየሱስ ግና ኣብ ልዕሊ ማይ እናተጓዕዘ ክቕበሎም ይወጽእ፤ ከም ደቀ መዛሙርቲ “ብርሃኑ ንጸልማትና መሊሱ ከብርህ፣ ምስኡ ናይ ምሕባር ድሌት ክንመልስ” ከም ዘሎና ገሊጾም፣ . . . “ኣብ ክርስቶስ መልሕቕና ክነንብር ዘለና ድሌት . . . ብንጹር ኣብ ዘይርአን ቅልጡፍን መግለጺታት እውን ከይተረፈ ወንጌል ናይ ምንባር ክእለት ከም ዝህልወና ጥራይ ኢዩ ኽገብር ዝኽእል" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።