MAP

ቀዳማይ ስብከት ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኩርያ ሮማና፡ መወዳእታ መጀመርታ ክኸውን እዩ ቀዳማይ ስብከት ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኩርያ ሮማና፡ መወዳእታ መጀመርታ ክኸውን እዩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ቀዳማይ ስብከት ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኩርያ ሮማና፡ መወዳእታ መጀመርታ ክኸውን እዩ!

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ዕለት 8 መጋቢት ንናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ “ኦሜጋ ኣልፋ ክኸውን እዩ” ኣብ ዝብል መርሕ ቃል ዘተኮረ ናይ 2025 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ቀዳማይ ኣስተንትኖ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝተመስረተ እምነት ቤተ ክርስቲያን ንዓለም ኪኖ ሞት ናይ ሕይወት ተስፋ ወትሩ የቕርብ። ምስ ግዜ ግና እዚ መብጽዓ እዚ እናሃሰሰ ብምኻዱ ሎሚ ሸለል ተባሂሉ ከም ዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ እዚ ዘይምግዳስ ኣመንቲ ዋጋን ጽባቐን ዘለኣለማዊ ህይወት ዳግማይ ክረኽብዎን ሓቀይና ትርጉሙ ክመልሱን ይጽውዑ። እዚ ዕማም እዚ ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤልን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዘሕልፍዎ ዘሎ ዓሚቝ ስቓይን ዝያዳ ህጹጽ እዩ።

እቲ እንጅምሮ ዘሎና ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘማእከለ እንፍጽሞ ጉዕዞ መንፈሳዊ ሱባኤ፣ ካብ ክርስትያናዊ ራእይ ዝተደፋፍአ እዩ። ካብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገበ ሃይማኖት (CCC) ገለ ክፍልታት ብምውሳድ ኣባ ፓዞሊን ስብከቶም እንክጅምሩ፣ እቲ ዝውከስዎ ዓንቀጽ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ሕይወት ተበጻሒ ጽማሬ ናይ ቲዮሎጊያ ኣተሓሳስባ ይህብ። እቲ መዝገበ ሃይማኖት ንሞት ከም መወዳእታ ዘይኮነስ ከም መሰጋገሪ ናብ ዘለኣለማዊ ሕይወት፣ ምስ ክርስቶስ ብሕብረት ማለት ምዃኑ የብርህ። እዚ ኣምር እዚ ኣብ መልእኽቲ ሮሜ ዝተሰረተ ኮይኑ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብጥምቀት ኣቢልና ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ንሓብር ከም ዝብሎ፣ በዚ ድማ ሓድሽ ሕይወት ከም እንረክብ የረጋግጸልና።”

ብመሰረት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገበ ሃይማኖት፣ ሞት ንጸጋ ኣምላኽ ምቕባል ወይ ምንጻግ ዝግምግም ፍሉይ ፍርዲ ዝፍጸመሉ ህሞት እዩ። እንተኾነ ድሕነት ንክርስቶስ ብወግዒ ንዝፈልጥዎ ጥራይ ዝተሓዝአ ኣይኮነን፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቶም ሕልናኦም ብምስዓብ ብቕንዕና ንኣምላኽ ዝደልዩ እውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ይኣምን። መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣብ ግዳማዊ ተግባራት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ዝተነብረ ፍቕሪ ዝተመርኮዘ ምዃኑ ብኣጽንዖት የስተብህሉ። ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ዘቃልሕ “ኣብ መወዳእታ ሕይወት ብፍቕርና ክንፍረድ ኢና” ከም ዝበሎ።

ናይ መወዳእታ ዕጫ ወዲ ሰብ፣ ብሰለስተ ተኽእሎታት ዝቖመ ኮይኑ፡ ገነት፡ ዘለኣለማዊ ውግዘት (ሲኦል)፡ ከምኡ’ውን ናይ ንስሓ ቦታ (ፑርጋቶሪ)። ገነት ምሉእ ፍጻሜ ወዲ ሰብ ይውክል፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓቀይና መንነቱ ዝረኽበሉ ዘለኣለማዊ ሕብረት ምስ ክርስቶስ እዩ። ብኣንጻሩ ሲኦል ካብ እግዚኣብሔር ውዱእ ምፍልላይ ተባሂሉ ይግለጽ። ገና ቤተ ክርስቲያን ኣብኡ ዝኾነ ሰብ ከም ዝተፈረደ ብርግጸይናነት ኣዊጃ ኣይትፈልጥን። ኣብ መወዳእታ ናይ ንስሓ ቦታ እዩ። እዚ ነቶም ብጸጋ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ ገና ንዘለኣለማዊ ሕይወት ድሉዋት ዘይኮኑ ከም ናይ መንጽሒ ስፍራ እዩ ዝረአ። ምናልባት ኣብዚ ናይ መወዳእታ "ዕጫ" ኢና መበቆላውነት ክርስትያናዊ ራእይ ንረክብ። ናይ መወዳእታ "ህሞት" ንጽሕና ክህሉ ዝኽእል ተኽእሎ ምስቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኽትሰማማዕ ዕድል እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወት እትገብሮ ኣስተንትኖ፣ ፍርሒ ንምስፋን ዘይኮነስ ተስፋ ንምምጋብ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ዕጫና ኣብቲ ብፍቕሪ ክንነብር ዝመረጽና ናጽነት ከም ዝምርኮዝ ተስምረሉ። ሓቀይና ንጽሕና ፍጹማት ምዃን ዘይኮነስ ድሕነት ንኽግብኣና "ካልእ - ፍጹማን" ክንከውን ኣለና ዝብል ምትላል ብምዳህ ብብርሃን ፍቕሪ ኣምላኽ ንርእስና ምሉእ ብምሉእ ምቕባል እዩ።

ብዙሕ ግዜ ፍጹማት ምዃን የድሊ እዩ ብዝብል ኣመለኻኽታ ንጭነቕ ኢና፡ ግን ሓቀይና "ዘይፍጽምና" ተኣፋፍነት ማለት ዘይኮነስ፣ ፍቕሪ ዘይምህላው ማለት ምዃኑ ወንጌል ይምህረና። መንጽሒ - ናይ ንስሓ ቦታ ካብቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘይብጻሕ እዩ ካብ ዝብል ፍርሒ ገዛእ ርእስና ሓራ ንምውጻእ፣ መን ምዃንና ብህድኣት ክንቅበል፣ ናብ ምስ ካልኦት ናይ ርክብን ሕብረትን ቦታ ገርና እንቕይረሉ ናይ መወዳእታ ዕድል ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። መንጽሒ ኣብ መወዳእታ ንኣምላኽ ገለ ነገር ከነረጋግጽ ምፍታን ኣቋሪጽና ንርእስና ጥራይ ክንፍቀር እንፈቕደሉ "ህሞት" ገርና ክንርድኦ ይግባእ።

ዘለኣለም ሕይወት እምበኣር ናይ መጻኢ ዓስቢ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዚ ዝጅምር ክውንነት እዩ፣ ምስ ክርስቶስ ብፍቕርን ሕብረትን ክንነብር እንመሃረሉ መዐቀኒ እዩ። ኣብ መወዳእታ ዕጫና ብፍርሒ ዘይኮነስ ብተስፋ ዝተጻሕፈ እዩ። ሞት ስዕረት ዘይኮነስ ኣብ መወዳእታ ገጽ ኣምላኽ እንርኤሉ፣ መወዳእታ . . . መጀመርታ ጥራይ ምዃኑ እነስተውዕለሉ ህሞት እዩ፣ እንክብሉ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ዝለገስዎ ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Mar 2025, 15:07