ኣብዛ ዓቕሚ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘይብላ ዓለም ዳግማይ ምዕጣቕ ኣጽዋር ኣብ ሕቶ ምእታው!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"እቲ ንኣጽዋር ዝውዕል ቍጠባዊ ሃብቲ እናወሰኸ ምኻዱ፣ ኣጽዋር ኣብ መንጎ ሃገራት ንዘሎ ርክብ ከም መጋበርያ ይኸውን ከምዘሎን፣ እዚ ኸኣ ሰላም ክግበርን ክብጻሕን ዝከኣል ኣብ ሚዛን ምውናን ኣጽዋር እተመርኰሰ እዩ ዝብል ሓሳብ ምህላዉ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ኩሉ ፍርሕን ስንባደን ዝፈጥርን ኣገዳሲ ጸጥታ ንሓደጋ ዘቃልዕን እዩ፣ ምኽንያቱ 'ግጭት ብኣጋጣምን ብዘይተጸበናዮ ኩነታትን ከበግስ ዝኽእል እዩ፣” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ክልተ ዓመት፣ ንዝኽሪ መበል 60 ዓመት እታ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዝተደርስዋ - ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበለዎ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሕብረት ኤውሮጳ ንመከላኸሊ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኸውን ኣስታት 800 ቢልዮን ኤውሮ ዝሓትት “ዳግማይ ምዕጣቕ ኤውሮጳ” ዝብል ውጥን ከም ዘቕረበን፣ እዚ ድማ ነቲ ናይ ቀረባ ሕሉፍ “ፍርሕን ራዕድን፣ ዘሕዝን ህሞታት ዘበራብር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፣ ኤውሮጳ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ተበግሶታት ክትወስድ ዘይምኽኣላ እውን ኣርእያ እያ። ነታ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ብወተሃደራት ሩስያ ዝተሃርመት ዩክሬን ዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢይ ጸገም ናይ ምፍታሕ ተኽእሎኣ ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ጥራሕ ዝተሓጽረ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። እንተኾነ ግን ነቲ ደማዊ ግጭት ንምቁራጽ ጭቡጥ ንዘተ መንገድታት ዝኸፍት ሓሳብ ከተቕርብን ክትስዕብን ኣኽእሎት ዘለዋ ኣይትመስልን ኣላ። ሕጂ ድማ፡ ድሕሪ ተመሳሳሊ ተበግሶታት ካልኦት ሓይልታት ዓለም፣ ኤውሮጳ ነቲ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ 800 ቢልዮን ኤውሮ ኣብ ኣጽዋር ከተውፍር ትዳሎ ኣላ። እዚ ገንዘብ እዚ ድኽነት ንምምካት፣ ንኹነታት መነባብሮ ናይቶም ብሰንኪ ዓመጽን ሕሰምን ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ሰባት ንምምሕያሽ ዝኽእል መደባት ንምምዋል፣ ንሃለዋት፣ ትምህርትን ኣብያተ ትምህርትን ንምዕባይ፣ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ፣ ወይ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንምድጋፍ ዝውዕል ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ፣ ዋላ’ኳ ድሮ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝገብርኦ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ካብ ፈደራላዊት ሩስያ ዝበዘሐ እንተኾነ፣ እዚ ኽሉ ንጁባ ኣፍረይቲ ኣጽዋር ንምምላእ ዝጠቅም እዩ። ብሓቂ ድዩ እዚ መንገዲ እዚ ንመጻኢ ሰላምን ራህዋን ንኤውሮጳን ንመላእ ዓለምን ዘረጋግጽ? ቅድም ኣጽዋር ብሓቂ ንደሕንነትና ይውሕስ ድዩ? ብሓቂ መበቆልናን ክብረታትናን ዳግማይ ንምርካብን ንምምላስን እቲ መፍትሒ ንሱ ድዩ? እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይሓትት።
ኣብ ክንዲ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘቕረብዎ - ውሱን ሚእታዊት ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብምጥቃም - ጥምየት ንምውጋድን ዘላቒ ልምዓት ብዓለም ደረጃ ንምድንፋዕን ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማዕከን ከቐውም እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓሳብ ምስዓብ ዘድሊ፣ እቲ ድሮ ኣብ መኽዘን ዘሎ ኒዩሌሳዊ ኣጽዋር፡ ንደቂ ሰባት ብብዙሕ ዕጽፊ ከጥፍእ ዝኽእል ምዃኑ ዝፈጥሮ ፍርሒ ዘየስዕብ ይመስል፣ ሓድሽ ኣጽዋር ንምኽዛን መደባት ይግበር ኣሎ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብትንቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተነግረ እናተኾላለፈ ዝኸይድ "ሳልሳይ ኲናት ዓለም” ዝብል ሓቀይና ስግኣት ዳርጋ ዘየለ ክሳብ ዝመስል። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጻዕርታትን ዘተን ሰላም ንጡፍን ሃናጽን ተራ ክጻወት ኣብ ክንዲ ዝጽዕር፡ ኣብ ምብራኽ ዳግመ - ዕጥቂ ጥራሕ ሓድነት ክህልዎ ኣብ ዝገብር ስግኣት ወዲቑ ኣሎ። ኣብ ዓቅሚ ኣጽዋር ዝምርኮስ ሓድነት ስግኣት እዩ!
እዚ ድማ ዳግማይ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. "ኣጽዋር ንምዕዳግ ወፍሪ ንምግባር" ካብ ዝመርሕ "ቅዲ ወግእ" ገዛእ ርእስና ክንክለላኸል ይግባእ እንክብሉ፣ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብቕጽበት ዝፍለጥ ዝነበረ "ሰናይ ድሌት" ንሰላም ይጠፍ ኣሎ። ድሕሪ ሰብዓ ዓመት፣ ነዚ ኩሉ ረሲዕናዮ ኣለና . . . እቲ ቅዲ ኲናት መሊሱ ጸዒዑ ይቕጽል ኣሎ፣ ካልእ ቅዲ ክንሓስብ ዓቕሚ ዘይብልና ብዛዕባ ቅዲ ሰላም ክንሓስብ ዘይከኣለና ዝኾንና ንመስል፣” እንክብሉ ኣምሪሮም ዝተዛረብወን ቃላት ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽር።
ኣብ ክንዲ ኣብ ዳግመ - ዕጥቂ ዘተኮሩ፡ ነቲ መንፈስ ዳግማይ ዘበራብሩን ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ካልእ ግጭታትን ንኸብቅዕ ንዘተ ቃል ዝኣትዉ መራሕቲ ምህላዎም ኣየድልን ድዩ? ቅድሚ ክልተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንመራሕቲ ኤውሮጳን ዓለምን ወሳኒ ሕቶ ኣቕሪቦም እዮም። ሮበርት ሹማን ኣብ 1950 ዓ.ም. ዝተዛረቦ ቃላት መሰረት ገይሮም፣ "መዋቕራዊትን ህያውን ኤውሮጳ ኣብ ስልጣነ ክትገብሮ እትኽእል ኣበርክቶ ንዕቃበ ሰላማዊ ዝምድናታት መተካእታ የብሉን፣” ምኽንያቱ "ሰላም ኣብ ዓለም ክርከብ ዝከኣል ብመሃዛዊ ጻዕርታት ጥራይ ኢዩ . . . " ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ሓደጋታት ብሓቂ ማእለያ የብሎምን፣ ብዛዕባ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን እናሓሰብኩ፣ ንሰላም ዝግበር ፈጠራዊ ጻዕርታት ኣበይ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሰይ አቕርብ ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ምልስ ቢሉ የዘኻኽር።
እቲ ትጽቢት ዝግበረሉን ዝግመትን ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ምስ ለውጢ መሪሕነት ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ዝተኣሳሰረ ካብ ዝኸውን፣ በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝሓሰብዎ መስመራት ሓባራዊ ተበግሶ ክመርሕ ይኽእል ነይሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ማእከል ክርስትያናዊት ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ቅትለት ንምውጋድ ዝዓለመ እዩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፣ "ሓቀይና ሰላም ዝፍጠር ካብ ተሳትፎ ኩሎም ወገናት እዩ። ኩሉ ሰብ ዝህቦ ነገር ዘለዎ እዩ፡ ኩሉ ድማ ኩሉ የብሉን፡ ስለዚ ምድምማጽ የድሊ፣ ኩሉ ሰብ ንኽዘራረብ - ንኽዝትይን ፍቓደይና ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ሰላም ፈጺሙ ውሑስን ነባሪን ኣይክኸውንን እዩ። ናብዚ ኣገባብ ክንምለስ ኣሎና፣ እንተዘይኮይኑ፡ ዓለም ዱር ክትከውን እያ፡ ብጀካ ጎንጺ ካልእ ዘይብላ፣ ከምኡ’ውን ዘስካሕክሕ ሳዕቤናቶት ሞትን ጥፍኣትን” ዝተመልአት! እያ ትኸውን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀዝ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ክንዲ “ዳግም ምዕጣቕ ኤውሮጳ" እቲ እንኮ ሓቀያ ውጥን፣ ክውንነታዊ ጻውዒት ሎሚ ክጅምር ዘለዎ "ውጥን ሰላም ንኤውሮጳ" ክኸውን ኣይምተገበአን ዶ? እዚ ሕቶ እዚ ቅዱስ ኣቦና ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኮይኖም ደጊሞም” “ውግእ ወትሩ ዕሽነትን ስዕረትን እዩ!” ዝበልዎ ጠቒሶም ዘቕረብዎ ር.እሰ ዓቀንጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)