MAP

ብምኽንያት ራማዳን ካብ ቫቲካን ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፥ ክርስትያንን ኣስላምን 'ጎኒ ንጎኒ ክጓዓዙ' ይጽውዕ ብምኽንያት ራማዳን ካብ ቫቲካን ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፥ ክርስትያንን ኣስላምን 'ጎኒ ንጎኒ ክጓዓዙ' ይጽውዕ  (AMMAR AWAD)

ብምኽንያት ራማዳን ካብ ቫቲካን ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፥ ክርስትያንን ኣስላምን 'ጎኒ ንጎኒ ክጓዓዙ' ይጽውዕ

ጉዳያት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ምጅማር ራማዳን ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፣ ዓቢይ ጾምን ራማዳንን ምግጣሙ ኣጉሊሑ - ክርስቲያንን ኣስላምን ምእንቲ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ብሓባር ክስርሑ “ውሽጣዊ ለውጢ” ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምቲ ዓመት መጸ ብምኽንያት ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝበዓልን ዓበይቲ ፍጻሜታትን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ብምኽንያት ራማዳን ንማሕበርሰብ ኣስላም ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ህየንተ ካርዲናል ጆርጆ ጃኮብ ኩቫካድ፣ "ክርስትያንን ኣስላምን፡ ሓባራዊ ተስፋ” ብዝብል መርሕ ቃል ከቲሞም ኣብ ዘመሓላለፍዎ  መልእኽቲ፣ “እዚ ናይ ጾምን ጸሎትን ናይ ምትሕልላይን ግዜ፣ ናብ እግዚኣብሔር ክንቀርብን ኣብ መሰረታዊ ክብርታት ሃይማኖት፣ ርህራሄን ምትሕግጋዝን ክንሕደስን ፍሉይ ዕድል እዩ። ሎሚ ዓመት ሮሞዳን ብዓቢኡ ምስቲ ክርስትያን ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን እናነበሩ ናብ ክርስቶስ ዝልወጠሉ እዋን ዝኾነ ዓቢይ ጾም ይጋጠም” . . . እዚ ድማ ኣብ ሃይማኖታዊ መርሓ ዕለት ሳሕቲ ዘጋጥም ከም ዝኾነ፣ ካርዲናል ኩቫካድ ኣዘካኺሮም፣ "ክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ሓባራዊ መስርሕ ምንጻሕን ጸሎትን ምጽዋትን ጎኒ ንጎኒ ንኽንመላለሱ ፍሉይ ዕድል የቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ውሽጣዊ ለውጢ

"ስዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝነብርዎ ወቕቲ ጾም፣ ቤት ትምህርቲ ውሽጣዊ ለውጢ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፣ ኣብ ትውፊት ክርስትና ዓቢይ ጾም ናይ ለውጢ እዋን ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ፣ ብጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ልብና ከነንጽሕን ኣብቲ ንህይወትና ዝመርሕን ዝሕብርን ዳግማይ ከነተኩር ንደልየሉ" እዋን እዩ።

ሮሞዳንን ዓቢይ ጾምን ንውፉይነትን ርእሰ - ምቁጽጻርን፡ እምነት "ብዛዕባ ደጋዊ ምልክት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ውሽጣዊ ምልዋጥ ጉዕዞ ምዃኑ" ከም መዘኻኸሪ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ካርዲናል ኮቫካድ ኣብ ዝኸተመዎ መልእኽቲ የስተብህሉ።

ሕውነትን ዘተን ዘድልያ ዓለም

ይኹን እምበር "ኣብዛ ብበደልን ግጭትን ብዛዕባ ዘይርጉጽነትን መጻኢ እትልለ ዓለም፡ ናይ ሓባር ጻውዒትና ናብ መንፈሳዊ ተግባራት ጥራይ ክወርድ ከምዘይክእል" እቲ መልእኽቲ ኣጠንቂቑ፣ ክርስትያንን ኣስላምን "ዋላ'ኳ ክብደት ታሪኽን ዝፈላልየና ስነ - ሓሳባትን እንተሃለወ፣ ኣብ መንጎኦም "ዕርክነት ይከኣል እዩ ዝብል ተስፋ ብሓባር ክምስክሩ ይኽእሉ እዮም” ቢሎም፣ እቲ ዝንበር ዘሎ ኣብ ተስፋ ዘማእከለ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. "ተስፋ ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ዝኾነ ፈተና ወይ ዕንቅፋት ይሕይል ኣብ ዝብል ርግጸይናነት ዝተሰረተ እዩ" ዝብል ክርስትያናዊ እምነት ደጊሙ ዘረጋግጽ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም፣ እምነት ኣብ ኣምላኽ . . .  "ንዓና ዝጥርንፈና ጸጋ" እዩ። ሎሚ ዓመት፡ ክልቲኦም ልምድታት ክርስትናን ኣስላምን ኣብ ምኽባር ራሞዳንን ዓቢይ ጾምን ኣብ ዝርከብሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣመንቲ "እምነት ንውልቀሰባትን ሕብረተሰባትን ከም ዝልውጥ፡ ንሓድነትን ዕርቅን ዝድርኽ ሓይሊ ምዃኑ ንዓለም ብቓልን ተግባርን ንኽምስክሩ ፍሉይ ዕድል እዩ፣ ክርስትያን ምስ ኣስላም ብሓባር ክነብሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ "ብቕንዕናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብሓባርን ክነብሩ" ከም ዝደልዩ የጉልሕ።

ንሰላም ብሓባር ምስራሕ

ክርስትያንን ኣስላምን ዝካፈልዎ ናይ ሓባር ክብርታት ከም ፍትሒ፡ ርህራሄን ንፍጥረት ምኽባርን፡ “ንተግባራትናን ዝምድናታትናን ከነቓቕሕ፡ ካብ ፈላላይ መናድቕ ንላዕሊ ድልድል ንምህናጽ ቡሶላ ኮይኑ ከገልግል ይግባእ . . . ቢሎም፣ ኣብዚ ናብ ዒድ ኣል ፈጥር ዝመርሕ ተስፋ ወቕቲ ራሞዳን፡ ምሳኹም ሓቢርና ተስፋ ከነካፍል ከለና ሓጎስ ይስምዓና። ጸሎትና፡ ናይ ምትሕግጋዝ ተግባራትናን ንሰላም እንገብሮ ጻዕርን ዝጭበጥ ምልክት ናይቲ ምሳኻትኩም ዘለና ልባዊ ዕርክነት ይኹን። እዚ በዓል እዚ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ሕውነታዊ ርክብ ዝፍጸመሉ፣ ብሓባር ኴንና ሰናይ ኣምላኽ እነብዕለሉ ኣጋጣሚ ይኹን” ብዝብል ጸሎት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩቫካድ ብምኽንያት ራማዳን ንማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይዛዝሙ።

08 Mar 2025, 16:40