MAP

ሕክምናዊ መርመራታት ር.ሊ.ጳ. ኩነታት ጥዕናኦም መጠነይና ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉ የረጋገጽ ሕክምናዊ መርመራታት ር.ሊ.ጳ. ኩነታት ጥዕናኦም መጠነይና ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉ የረጋገጽ  (AFP or licensors)

ሕክምናዊ መርመራታት ር.ሊ.ጳ. ኩነታት ጥዕናኦም መጠነይና ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉ የረጋገጽ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ስርዓት ምስትንፋስን ምንቅስቓስ ጭዋዳን እተወሰነ ምምሕያሽ የርእዩ ከም ዘለዎ ይሕብር።

ዜና ቫቲካን

ዕለት 18 መጋቢት ምሸት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስርዓት ምስንፋስ ደገፍ ከም ዘየድለዮም ናይ ቅድስድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ። ብሩኒ ኣብቲ ዕለት 18 ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኩነታት እቶም ብሰንኪ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሳምቡእን ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ኣብ ሮማ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዝኣተዉ ቅዱስ ኣቦና፣ ሕክምናዊ መርመራቶም ኣብ ስርዓት ምስትንፋስን ምንቅስቓስ ጭዋዳን እተወሰነ ምምሕያሽ የርእዩ ምህላዎም ዘረጋገጽ ከም ዝኾነ ኣመላኺቱ፣ ጽዑቕ ሓገዝ መርውሓን ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ፍወሳ ከም ዘየድለዮም ድማ ኣፍሊጡ።

ቅዱሳን ኣቦና ዕለት 18 መጋቢት ዝወሃቦም ክንክን ጥዕና ኣብ ምክትታልን ጸሎትን፣ ብመሰረት መርሓ ፍጻሜታቶም ድማ ገለ ቅልል ዝበሉ ስራሕ እናሳለጡ ከም ዘሕለፍዎን፣ ብሕክምና ዝተኣዘዘ ኣመጋግባ ይከታተሉ ከም ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሪኒ ኣፍሊጡ።

19 Mar 2025, 16:53