ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ህይወት ብዛዕባ 'መወዳእታ ዓለም' ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይድ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይውት ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ዓመተ 2025 "መወዳእታ ዓለም? ቅልውላው፡ ሓላፍነት፡ ተስፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 3-5 መጋቢት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ - ኣበው ቤተክርስቲያን ኣጐስቲንያኑም የሰላስል ኣሎ።
እዚ ንተሸለምቲ ሽልማት ኖበል፡ ተመራመርቲ ሥነ - ፕላነት፡ ተመራመርቲ ፊዚክስ፡ ተመራመርቲ ሥነ-ህይወት፡ ተመራመርቲ ሥነ-ጥንቲ፡ ተመራወርቲ ሥነ-ጥንቲ፡ ሊቃውንቲ ሥነ - መለኮትን ከምኡውን ጸሓፍቲ ታሪኽ ዘካተተ ንዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጉባኤ ንምቕራብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማተምን ቅድስቲ መንበር ጋዜጣዊ መግለጺ ተኻይዱ።
እቶም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መደረ ዘቕረቡ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪንሰንዞ ፓሊያ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወት ኣባኡ ዝተረኽቡ እንክኾኑ፣ ፕሮፌሰር ካታሊን ካሪኮ ናይ ሥነ-ሕክምና ሽልማት ኖበል ተዓዋቲት 2023፣ ፕሮፌሰር ጊዶ ቶነሊ ካብ መንበረ ጥበብ ፒሳ ኢጣልያ፣ ፕሮፌሰር ሄንክ ቴን ሃቨ ካብ መንበረ ጥበብ ኣናሁክ መክሲኮ፣ ከምኡውን ክብርቲ እናቴ ጁስቲና ሆላ ሆሉቤትስ ካብቲ ኣብ ልቪቭ ዩክረይን ዝርከብ ተቕዋም ኣገልግሎት ስድራቤታት ቅድመ ወሊድ ውን ከም ዝተሳተፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ዜተባብዕ ኣባታዊ ቃለ ምዕዳኖም ኣመሓላለፉሎም፣ ነዚ መልእኽቲ ድማ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ትማሊ ሰኑይ ኣሕቲሙ ከም ዝዘርግሖ ተፈሊጡ ኣሎ።
ቀቅድሚ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምክትል ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ክሪስቲን ሙረይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ኩነታት ጥዕና ኣብ ሕክምና ስለ ዝርከቡ ዘለዉ ኩሎም ሓቢሮም እንቲ ቅዱስነቶም ይጽልዪ ከም ዘለዉ ውን ኣመልከተት።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪንሰንዞ ፓግሊያ ፍረ ነገር ናይቲ ጉባኤ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ እዋን “ብዝሓ ቅልውላዋት” ክብሉ ንዝጠቐስዎ ተፈላጥነቱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህልው ኩነታት ዘመልክት ከም ምዃኑ ብምግላጽ መደረኦም ጀመሩ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፓሊያ ከም ዝገለጽ ኣብ መንጎ እቲ ንዓለም ስግኣት ኮይኑ ዘሎን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኹልና ከጥፍእ ዝኽእል ህልው ኩነታት ኩልና ደቂ ሰባት ብሓድነት ነዚ ተርእዮ እዚ ንኽንቃለሶ ከም ዘሎና ውን ኣመልከቱ።
ተዓዋቲት ሽልማት ኖቨል ዝዀነት ዶ/ር ካሪኮ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ብፍላይ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝኸውን ዘሎ ጉዳያት፣ ንተመራመርቲ ሥነ - ፍልጠትን ክኢላታትን ብሓባር ኣገዳሲ ዕማም ንኽገብሩ ዝጽውዕ ብዙሕ ሓባራዊ ባይታ ኸም ዘሎ ብምግላጽ ብዛላ እዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ እተሰምዓ ሓጐስ ገለጸት።
ዶ/ር ካሪኮ ኣስዒባ ብፍላይ ምይይጥ ንምግባርን ብሓባር መፍትሒ ንምርካብን ዘለዋ ዓብዪ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ውን ሓሳባታ ኣካፈለት።
ፕሮፌሰር ጊዶ ቶነሊ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ዘመነ ሥነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን እተራእየ ፍልቀት ከምኡውን ብሰንኪ እዚ ለውጥታት እዚ ህይወት ወድሰብ ብኸመይ "ኣዝዩ ተቐዪሩ" ኸም ዘሎ መግለጺ ኣቕረበ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ተኸታታሊ ሓደጋታት እኳ እንተሎ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ግን ንደቅሰብ ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ምዕባለታትን ከም ዜምጽኣሎም ኣመልኪቱ መግለጺ ሃበ።
ፕሮፌሰር ሄንክ ቴን ሃቨ ውን ብወገኑ ክንደይ መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም መጽናዕትታት ከም ዝሕብር ብምግላጽ መጽናዕታዊ ርኽበታቱ ኣካፈለ ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሥነ - ትምህርቲ ነዚ ሓድሽ ተርእዮ ዘይኰነስ ቅድሚ ሕጂ ተሳዒሩ ዘሎ ጥፍኣትን ተስፋ ዘቝርጽ ኣተሓሳስባን ፍታሕ ምርካብ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ኣጕልሐ። ስለዚ ነዚ ኣረኣእያታት እዚ ኣብ ታሪኻዊ ድሕረ - ባይታ ምእታው ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣመልከተ።
እተ ተሸላሚት ዝኾና ክብርቲ እናቴ ጁስቲና ሆላ ሆሉቤትስ ኣብቲ ኣብ ሃገራዊ ተቕዋም ሥነ ሕክምና ዩክረይን ዝርከብ ማእከል ጥዕና ለቪፍ ከም ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ መጠን ንዘሕለፈቶ ተመክሮን ከምኡውን ኣደ መንበር ናይቲ "ኣገልግሎት ቅድስመ ወሊድ - ኣሰር ሕይወት" ከም ምዃነን መጠን ውን ዘሕልፋኦ ዘላዋ ተመኩሮ ኣካፈላ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብሓካይም ቅድሚ ሕርሲ ዝግበር መርመራታት ገለ ተፈጥሮኣውን ውርሻውን ጉድለታት ዘርኢ ምስ ዝኸውን መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ምንጻል ጥንሲ ከም ዘምርሕ እኳ እንተተንዘባ፡ እንተኾነ ግን ምስ እዚ ኹሉ ንጥንሲ ዝጣበቑን ነቲ ነፍሰ ጾር ከቐጽሉን ዝውስኑ መጻምድቲ ኣለዉ ካብላ ውን ኣመልከታ።
እቲ "ቅድመ ወሊድ - ኣሰር ሕይወት" ዝተሰምየ መኽሰብ ኣልቦ ዘይ መንግስታዊ ማሕበር ንብዙሓት ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ጽዑቕ ኽንክን ብምርግጋጽ ኣብዚ ዅነታት እዚ ንዘለዉ ሰብ ሓዳር ኣገዳሲ ምንጪ ተስፋ ኮይናቶም ኣላ ክብላ ውን መስከራ።
እዚ ውድብ እዚ ብ2013 ንጥፈታታ ድሕሪ ምጅማሩን፣ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ልቮፍ ድሕሪ ምግልጋሉን ንወለድን ነቶም መድሓኒት ዘይተረኽቦ ሕማም ንዝሓመሙ ደቆምን ንምሕጋዝ ንጥፈታቱ ናብ ካልኦት ከተማታት ዩክረይን ውን ከይተረፈ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ክብርቲ እናቴ ጁስቲና ኣብ ተመክሮ ብዙሓት ሃገራት ተመርኲሰን፣ እዚ ናይ ቅድመ ወለዲ ኣገልግሎት ጥዕና ሓቀይና ፍቕሪ ህጻናት ዚረኣየሉ ቦታ ኸም ዝኮነ ገለጻ፣ ኣብኡ ድማ ሓደ ጕጅለ ሰብ ሞያ ጥዕና ሓደ ሕጻን ክሳዕ ዚውለድ ንወለድን ንኣዝማድን ዝተፈላለየ ሃገዛት ይገብረሎም በላ።
ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር በዚ ኣገልግሎእትን ተጸምዶን እዚ ኣቢሎም ኣብ ሕክምናዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራውን ከምኡውን መንፈሳውን ደረጃታት ግቡእ ሓገዝ ከም ዚወሃቦም ውን ኣመልከታ።