ካርዲናል ፓሮሊን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ሰላም፣ ዘተ፣ ሓድነት ከዕብዩ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ኣብ መኽፈቲ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓምታዊ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ከም መፍትሒ ግርጭታት ንምዕባይ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነቶም ካብ ዕለት 26 – 28 መጋቢት ኣብታ ካብ ሮማ ወጻኢ ኣብ ጎቦታት ኣልባኖ እትርከብ ከተማ ነሚ ዝተኣከቡ ልኡኻት ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ “ምፍልላይን ስነ - ሓሳባዊ መሰናኽላትን ንጎኒ ገዲፎም፣” ንሓቀይና ዘተ ዝድግፉ ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ዓሚቝ ክርስትያናዊ ትውፊት ዝተሰረተት ኤውሮጳ፣ ኣብዛ እናተበታተነት እትኸይድ ዘላ ዓለም መብራህቲ ሰላምን ምትሕብባርን ክትከውን ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዋ እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።
ኣህጉር ኣብ መስቀላዊ መንገዲ
ካርዲናል ፓሮሊን ነታ ኣህጉር ዝጸሉ ብዙሕ ቅልውላዋት፣ ካብ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ወጥሪ ክሳብ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ብድሆታት ስደተይናታትን ኣጉሊሖም፣ “እቲ ኤውሮጳዊ ውጥን ናይ ምውህሃድ እምበር ናይ ምግምማዕ ኣይኮነን፣ ድልድል እምበር ፈላላይ መናድቕ ዘተኣታትው ክኸውን የብሉን - ቢሎም - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ፣ "ውግእ ወትሩ ንደቅሰብ ስዕረት ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኸሮም፣ ንመራሕቲ ኣውሮጳ ከኣ ነቲ ብፍላይ ኣብ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ዝግበር ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ጻዕርታት ከተባብዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ዘተ እቲ እንኮ ተግባራዊ ዝኾነ መንገዲ ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ” ብምባል፣ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ተጻብኦታት ዕርቅን ምርድዳእን ምድንፋዕ ምዃኑ ኣጽኒዖም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ረብሓን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ንማሕበራውን ቁጠባውን ዘይምዕሩይነት ኣብ ምፍታሕ ኣገዳስነት ምትሕግጋዝ ብዙሕ ኣቓልቦ ሂቦም፣ ቤተ ክርስቲያን ክብሪ ሰብኣዊ ስብእና ኣብ ማእከል ቁጠባውን ማሕበራውን ስርዓታት ዘቐምጥ መምርሕታት ኣብ ምትብባዕ ክትዓዪ ኣለዋ . . . "ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መትከላት ምትሕግጋዝ፣ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ዝተሃንጸ እዩ። እዞም ክብርታት እዚኣቶም ኣብ እዋን ጸገም ክግደፉ ዘይኮነስ ክድልድሉ ኣለዎም፣ . . . ብተወሳኺ ንጠለባት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝያዳ ትኹረት ክወሃቦም ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ሓንጸጽቲ መምርሕታት ሰብኣውን ፍትሓውን ዝኾነ መመሓደሪ ስርዓት ስደተይናታት ዘቕርቡ ክኾኑ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዳግማይ ተወፋይነት
ካርዲናል ፓሮሊን ቤተ ክርስቲያን ንህንጸት ሰላም ዝዓለመ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ጻዕርታት ነቕ ዘይብል ደገፍ ከምዘለዋ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ "ቅድስቲ መንበር ወትሩ ዘተን ምይይጥን ከም ኣድማዒ ኣገባብ ምፍታሕ ዘይምርድዳእ ትድግፍ። ኩሎም ኣህዛብ ካብ ግጥም ንላዕሊ ናይ ዘተ መንገዲ ክመርጹ ነተባብዕ፣ ብተወሳኺ ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተበግሶታት ሕብረት ኤውሮጳ ንኢዶም፣ እንተኾነ ግን በቲ ዝግበር ጻዕሪ ዕጋበት ከይስምዓ ኣጠንቂቒም፣ ኣብ መላእ ዓለም ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ንምድንፋዕ ቀጻሊ ጻዕርታት ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤተ ክርስቲያን ከም ግብረ ገባዊ ቡሶላ
ካርዲናል ፓሮሊን ቤተክርስትያን ኤውሮጳ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብኣዊ ናዕብታት ብርቱዕ ግብረ ገባዊ ድምጺ ኮይና ክትቅጽል ኣተሓሳሲቦም፣ “ንኤውሮጳ ዘቖማ ክብርታት ማለት ሰላም፣ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን ወትሩ ክንዝክሮ ኣለና . . . ናብዚ መትከላት እዚ ብምምላስ ጥራይ እዩ ኤውሮጳ ኣብ ዓለም መጋበርያ ሰላም ክትከውን እትኽእል” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።